ናይ ኣገልግሎት ኣኼባ ንወርሒ ግንቦት
2 ግንቦት ዝጅምር ሰሙን
መዝሙር 20
5 ደቒቕ:- ንጉባኤ ዘመልክት ምልክታታት። ኣብ ከባቢብና ኣገልግሎት ክሰፍሓሉ ዝኽእል ኣገባባት ምዝርራብ።
15 ደቒቕ:- “ኣብቲ ናይ እግረ–መገዲ ምስክርነት ክትካፈልዶ ኢኻ?” ኣብቲ ዓንቀጽ ዘለዉ ነጥብታት ተመያየጠሎም። ንሕና ኩሉ ግዜ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ስለ ዝኾንና ምስክርነት ክንህበሉ እንኽእል ኣጋጣሚታት ክህልወና ከም ዝግባእ ጥቐስ። ኣቐዲምካ ኣብ ናይ እግረ–መገዲ ምስክርነት ብምጽማዶም ጽቡቕ ተመኵሮ ዝረኸቡ ክልተ ሓጸርቲ ተመኵሮታት ዘለዎም ውልቀ ሰባት ኣዳሉ። ወይ ከኣ ብናይ እግረ–መገዲ ምስክርነት ኣብ ሓቂ ዝመጸ እንተልዩ ኣዳሉ።
10 ደቒቕ:- “ኩሉ ግዜ ክልውጥ የድልየኒ ድዩ?” ኣብ መንጎ ክልተ ሽማግሌታት ዝግበር ምምይያጥ። ስርዓታዊ ኴንካ ኣብ ግራት ኣገልግሎት ምውፋር ጥቕሙ ኣጕልሕ።
15 ደቒቕ:- “ንመጽሔታት ሓቂ ንምክፋል ተጠቐመሎም።” ምስ ሰማዕቲ ተመያየጥ። ንመጽሔታትና ፍሉይ ዝገብረን እንታይ ምዃኑን፣ እዚ ስለምንታይ ንዓና ኣብ ዝኾነ ኣጋጣሚ ክንዕድለን ከም ዘለዓዕለናን ግለጽ። ክልተ ሓጸርቲ ተዋስኦታት ኣዳሉ።
መዝሙር 128ን መዕጸዊ ጸሎትን
9 ግንቦት ዝጅምር ሰሙን
መዝሙር 214
10 ደቒቕ:- ናይ ጉባኤ ምልክታታት። ነቶም ኣብ ዝሓለፈ ግዜ ስርዓታውያን ኮይኖም ንመጽሔታትና ዝቕበሉን ዘንብቡን ዝነበሩ፣ መጽሔታት ካብ ምሃብ ኣይነቋርጽ። ፍቓደኛታት እንተ ኾይኖም እውን ን6 ወርሒ ከነመዝግቦም ንፈትን። ናይ መመዝገቢ ቅጺ ብኸመይ ከም ዝምላእ ግለጽ።
20 ደቒቕ:- “ንተመሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ንኣገልግሎት ኣዳልውዎም።” ብሕቶን መልስን። ብቑጽሪ 4ን ቑጽሪ 5ን ጌርካ እቲ ተመሃራይ ምስክርነት ክህብ ብኸመይ ከም ዝሕገዝ ዘርኢ ሕጽር ዝበለ ተዋስኦ ኣዳሉ። እቲ ተመሃራይ ብመሰረት መዝሙር 37:11 ገይሩ ብቕልል ዝበለ ኣቀራርባ ገይሩ ዝርርብ ይጀምር። እቲ ዘጽንዖ “ሃይማኖተይ ኣሎኒ” ብምባል የቋርጾ። እቲ ተመሃራይ ዝብሎ ይጠፍኦ። ክልቲኦም ናብ መጽሓፍ ምምርማር ገጽ 18ን 19ን ብምኻድ ነቶም ተዋሂቦም ዘለዉ መልስታት ይርእዩ እሞ፣ እቲ ተመሃራይ እተሰማማዓላ ሓንቲ ይውሰድ። እቲ ተመሃራይ ነቲ ሓሳብ ጸሚቑ ጽቡቕ መልሲ ይህብ እሞ በቲ ውጽኢት ድማ ይተባባዕ።
15 ደቒቕ:- ስድራ ቤት ነታ ሓዳስ ዓመት መጽሓፍ ይጠቐሙላ። እቲ ርእሲ ስድራቤት ንስድራቤቱ መሪሑ፣ ካብተን ቀዳሞት 10 ገጻት ናይ 1994 ዓመት መጽሓፍ ዘለዋ ናይ መእተዊ ሓሳባት ተጠቒሙ የነቓቕሕ። ስድራቤታት ካብ ዓመት መጽሓፍ ሒደት ገጻት ኣብ ሰሙን ሰሙን ንኸንብቡ መደብ ብምውጻእ ይድምድም። እታ ጉባኤ ነታ ሓዳስ ዓመት መጽሓፍ ዘይተቐበለት እንተድኣ ኾይና እዚ ኽፍሊ እዚ ምስቲ ኣብ ከባቢኸ ዝሰማማዕ ጌርካ ክወሃብ ይኽእል።
መዝሙር 139ን መዕጸዊ ጸሎትን
16 ግንቦት ዝጅምር ሰሙን
መዝሙር 173
10 ደቒቕ:- ናይ ጉባኤ ምልክታታት። ጸብጻብ ናይ ሕሳብ ኣንብብ። ንኣገልግሎት ክንከይድ ክንጥቀመሎም እንኽእል መዛረቢ ዝኾኑና ገለ ጥቕስታት ጠቒስካ ሓሳባት ሃብ።
17 ደቒቕ:- “ናብቲ ተገዳስነት ዝረኸብኩምሉ ተመለሱ።” ብሕቶን መልስን ዝሽፈን። ካብቶም ቀሪቦም ዘለዉ ሓደ ወይ ክልተ ሓሳባት ብተዋስኦ መልክዕ ኣቕርቦም።
18 ደቒቕ:- “ካብ ቲኦክርቲካዊ ኣገልግሎት ቤት ትምህርቲ ምሉእ ብምሉእ ምጥቃም።” ብዝርርብን ምስቶም ተኣከብቲ እናተመያየጥካን በቲ ናይዛ ቤት ትምህርቲ ተዓዛቢ ዝወሃብ። ኵሎም ክፍሊ ክወስዱን ጽቡቕ ክዳለዉን ኣተባብዓዮም። ቁም ነገር ናይ ስርዓታዊ ኴንካ ሰሙናዊ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ ምንባብ ጥቐስ። ካብቲ ንተመሃራይ ዝውሃብ ምኽሪ ብኸመይ ኵላ እታ ጉባኤ ከም እትጥቀም ግለጽ።
መዝሙር 53ን መዕጸዊ ጸሎትን
23 ግንቦት ዝጅምር ሰሙን
መዝሙር 192
15 ደቒቕ:- ንጉባኤ ዘምልከት ምልክታ።
15 ደቒቕ:- “ንኻልኦት ምኽሪ ክትህቦም ከሎኻ ተኽብሮምዶ?” ብሓደ ሽማግለ ካብ ግምቢ ዘብዐኛ ናይ 1 ለካቲት 1994 ገጽ 25–9 (እንግሊዝኛ) እትውሃብ ክፍሊ። ርእሲ ስደራ ቤታት ብኸመይ እቲ ስርዓት ናይ ምኽሪ ኣብታ ስድራ ቤት ከም ዘውዕልዎ ኣርኢ።
15 ደቒቕ:- ካብ ናይ 1994 ዓመት መጽሓፍ ተጠቐሙ። ኣብቲ ናይ 1994 ዓመት መጽሓፍ ካብ ገጽ 10–18 ዘሎ ሓበሬታ ሓደ ሸማግለን ሓደ ድያቆንን ንቲኦክራቲካዊ ምምሕዳር ሞሳ ክሃንጽ ዝኽእል ዘተባበዕ ነጥብታት ይመያየጡ። እዋናዊ ግድላት ናይ ድርቅን ምስፍሕፋሕ ህንጻ ኣደራሽ መንግስቲ አምላኽን ዝምልከት ገለ ካብዚ ጉዳያት እዚ ንናብራ ናይቶም ኣብ ከባቢኻ ዘለዉ ኣሕዋት ዝትንክፎም እንተኾይኑ ኣትኩረሉ። ጉባኤታት እዛ ሓዳስ ዓመት መጽሓፍ ዘይብለን እንተድኣ ኰይነን እዚ ኽፍሊ እዚ ካብቲ ኣብ ቀረባ ግዜ እተገብረ ናይ ወረዳ ኣኼባ ወይ ፍሉይ ናይ ኣኼባ መደብ ቀንዲ ቀንዲ ሓሳባት ብምድጋም ክውሰድ ይከኣል ኢዩ።
መዝሙር 19ን ናይ መዕጸዊ ጸሎትን
30 ግንቦት ዝጅምር ሰሙን
መዝሙር 204
10 ደቒቕ:- ንጉባኤ ዝምልከት ምልክታ። ኣብዚ ቀረባ ግዜ ዝወጸ ኣገዳሲ እትብሎ ኣንቀጻት ዝሓዘ ትሕዝትኡ ብምድጋም ብኸመይ ክንዕደሎ ከም እንኽእል ብሕጽር ዘበለ ኣቀራርባ ኣርኢ።
15 ደቒቕ:- ህይወት ከመይ ኢላ ኢያ መጺኣ? ብፍልቀትዶ ወይስ ብፍጥረት? ነቶም ኣብ ገጽ 6ን 236ን 243ን 245ን ዘለዉ ዝስሕቡ መግለጺታት ከስተብህሉሎም ኣዘኻኽሮም። ብመሰረት ራእይ 21:4 ከኣልቲ ኣስፋሕቲ ነዘን መግለጺታት ብሕጽር ዝበለ ኣቀራርባ ገይሮም የቕርብወን። ናይ ዝመጽእ መደብ ኣገልግሎት ኣዘኻኽር። ኣብ ናይ መዋፈሪ ኣገልግሎት (ረንዴቩ) ክመጹ ኣተባብዕ።
20 ደቒቕ:- ኣብዚ ዝመጽእ ዘሎ ኣዋርሕሲ ሓጋዚ ፓይኒር ኮይንካዶ ከተገልግል ኢኻ? ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ሓገዝቲ ፓየኒር ኮይኖም ዘገልገሉ ኣዘራርቦም። ንመንእሰያትን ካልኦት ኣብ ግዜ ዕረፍቶም ሓገዝቲ ፓይኒር ክኾኑ ኵነታቶም ዘፍቅደሎምን ኣተባብዖዮም። ገለ ኣሕዋት ኣብቲ ሳሕቲ ዝተዓየ ወይ ዘይተዳህሰሰ ዞባታት ከይዶም ክሕግዙ ይኽእሉ ይኾኑ።
መዝሙር 12ን መደምደምታ ጸሎትን