ንኹሎም እቶም መጽሔት ዝገደፍካሎም ተኸታተሎም
1 የሱስ ንሰዓብቱ ኣብቲ ደቀ መዛሙርቲ ናይ ምግባር ዕዮ ክጽመዱ ኣተባቢዕዎም ኢዩ። (ማቴ. 28:19) እዚ ማለት ከኣ መጽሔት ዓዲልካ ካብ ምኻድ ንላዕሊ ይሓትት። ሰባት ብመንፈስ ክጉልምሱ ክንሕግዞም ንደሊ ኢና። እዚ ንምግባር ነቶም ተገዳስነት ዘርአዩ ተወሳኺ ደገፍ ምእንቲ ክንገብረሎም ክንምለሶም ይግብኣና።
2 ኣብቲ መጀመርታ ዝበጽሓካሉ ግዜ ካብተን መጽሔታት ካብ ሓንቲአን ዝወሰድካዮ ዓንቀጽ ኣጕሊሕካሉ እንተኔርካ: ክትምለስ ከሎኻ ድማ ነቲ ሓሳባት እቲ ኣልዒልካ ክትመያየጥ ዝሓሸ ኢዩ :-
◼ “ብቐዳማይ መጺአ ከሎኹ: ብዛዕባ እቲ ንመጽሓፍ ቅዱስ ምውካስ ክሳዕ ክንደይ ከም ዘድልየና ንኽንዕዘብ ዝሓገዘትና ዓንቀጽ ናይ ግምቢ ዘብዐኛ (ወይ ተበራበሩ!) ኣርእየካ ነይረ። እቲ ኣምላኽ ንደቂ ሰባት ዝሓሸ መጻኢ ግዜ ንኸምጽኣሎም ዕላምኡ ገይርዎ ዘሎ ኣብታ መንግስታዊት ምምሓዳሩ ዝተመርኮሰ ኢዩ። ሚኪያስ 4:3, 4 መንግስቱ ንኹሉ ውግእ መወዳእታ ክትገብረሉ ምዃና ዘተስፈዎ ተስፋ ትነግረና።” ነታ ጥቕሲ ምስ ኣንበብካያ ነታ “እንሆ!” እትብል ብሮሹር ኣውጺእካ ነቲ ኣብቲ ገበር ዘሎ ስእሊ ኣርእዮ። ነታ ቀዳመይቲ ዓንቀጽን ነቲ ኣብ ትሕቲኣ ዘሎ ጥቕስታትን ተዘራረበሉ: ሚክያስ 4:3, 4 ሓንቲ ካብአን ምዃና ኸኣ ንገሮ። ነታ ካልኣይቲ ዓንቀጽ ንዝመጽእ ንኽትዘራረበላ ድማ ንተመላሊስካ ምብጻሕ መደብ ግበር።
3 እቲ ብዓል ቤት መጽሔት ኽምዝገብ ዘይደሊ እንተድኣ መሊሉ: ባዕልኻ ስሙ ኣብቲ ናይ መጽሔት ምዝገባ ዝርዝር ክትጽሕፎ ክትውሰን ትኽአል ኢኻ :-
◼ “በቲ ኣቐዲመ ዝገደፍኩልካ መጽሔት ተገዳስነት ስለ ዘርኣኻ: ሓደስቲ ሕታማት ከም ዘሐጉሰካ ሓሰብኩ። እዛ ዓንቀጽ እዚኣ ብፍላይ ኣገዳሲት ኮይና ከም እትረኽባ እአምን ኢየ።” ትስሕቦ እያ ኢልካ እትግምታ ዓንቀጽ ጥቐሰሉ። ነተን ቀጺለን ዝመጻ ሕታማት ሒዝካ ክትምለሶ ምዃንካ ንገሮ። ኣብቲ ናይ መጀመርያ ምብጻሕካ ትራክት ገዲፍካሉ እንተኔርካ ካብታ ትራክት ሓሳባት ክትጠቅስ ትኽእል ኢኻ ወይ ድማ ምስታ ዝገደፍካሉ እተተሓሓዘ ዝሰማማዕ ነጥቢ ናይ ሓንቲ ሓዳስ መጽሔት ወይ ብሮሹር ኣርእዮ።
4ኣብነት ነታ “ህይወት ኣብታ ሰላም ዝመልኣ ሓዳስ ዓለም” እትብል ትራክት ገዲፍካሉ እንተኔርካ ብቕልል ዝበለ ኣዘራርባ ከምዚ በሎ :-
◼ “ኣብዚ ቐረባ ግዜ መጺአካ ከሎኹ: ዝሓሸት ዓለም ክትመጽእ መብጽዓ ኣምላኽ ምዃኑ ተዘራሪብና ነይርና። ከምቲ እተዛራረብናሉ ዝሓሸ ኵነታት ብመንግስቲ ኣምላኽ ኣቢሉ ኢዩ ዝመጽእ። ክፍሊ ናይታ እትመጽእ ሰላም ዝመልኣ ሓዳስ ዓለም ክንከውንሲ እንታይ የድሊ ምበልካ?” ነቲ በዓል ቤት ሓሳብ ክህብ ኣፍቅደሉ: ድሕርዚ በቲ ኣብ መዝሙር 37:9, 11, 29 ዘሎ ሓሳባት ቀጽል።
5 ብሮሹር ገዲፍካሉ አንተኔርካ ግናኸ ብዛዕባ ጽንዓት ምግባር ንኽትዘራረብ አጋጣሚ እንተዘይረኺብካ: ኣብ ተመላሊስካ ምብጻሕ እዚ ንምግባር መደብ ግበር።
ኣብነት ነታ “መንግስቲ” እትብል ብሮሹር ገዲፍካሉ አንተኔርካ ነቲ ብዓል ቤት ናቱ ቅዳሕ ከምጽእ ሕተቶ። ከምዚ ድማ በሎ :-
◼ “ገጽ 3 ብዛዕባ እቲ የሱስ ኣብ ምድሪ ኸሎ ኣርእስቲ ናይ መልእኽቱ እንታይ ከም ዝነበረ ክትገልጸልና ኢያ እሞ ኣስተብህል።” ድሕርዚ ነቲ ኣብ ገጽ 3 ዘሎ ሓበሬታ ኣሕጽር ኣቢልካ ግለጸሉ። ነቲ በዓል ቤት ዝያዳ ንኽትፈልጥሲ እንታይ የድሊ ምበልካ? ኢልካ ሓተቶ። ድሕርዚ ከምዚ ዝስዕብ በሎ:- “ብዝያዳ መንግስቲ ኣምላኽ እተድልየና ምኽንያት ክንግንዘቦ ኣድላዪ ኢዩ። ንመንግስቲ ኣምላኽ ከም እንኮ ተስፋና ገይርና ክንርእያ ስለምንታይ ከም ዝግባኣና ተመሊሰ ብዕባኡ ክንዘራረብ ባህ ይብለኒ።”
6 ዝተፈላለየ ብሮሹራትን ኣብ መጽሔታትና ዝቐርብ ዝተፈላለየ ኣርእስትታትን ኢዩ ዘሎና። ኣብታ ክትጥቀመላ መዲብካያ ዘሎኻ መጽሔት ዝርከብ ኣገደስቲ ነጥብታት ኣመልክተሉ። ብዛዕባ እቲ የሱስ ዝኣዘዞ ነገራት ብዝያዳ ንኽፈልጡ ኢልካ ንቕኑዓት ሰባት ንምትብባዕ ክሕግዘካ ኢዩ። — ማቴ. 28:20