ነተን ኣብ ዓለም ብሉጻት ዝኾና መጺሔታት ዓድለን
1 እቲ ተገሊጹ ዘሎ ዕላማ ግምቢ ዘብዐኛ “የሆዋ ኣምላኽ ዝለዓለ ጐይታ ናይ ኣድማስ ምዃኑ ክብ ንምባል ኢዩ።” ተበራበሩ! ኸኣ “ንምልእቲ ስድራቤት ንምንቕቓሕ ኢዩ። . . . እዛ መጽሔት እዚኣ ኣብቲ ፈጣሪና ሰላማዊትን ደሓን ዝመልኣን ሓዳስ ዓለም ንኸምጽእ ተመባጺዕዎ ዘሎ ተስፋ ምትእምማን ንኸተሕድር ትሃንጽ ኢያ።” እዚ ሓሳባት እዚ ካብተን መጺሔታት እተጠቕሰ ኢዩ። ሸቶአን ይወቕዓ ስለ ዘለዋ ንሚልዮናት ኣንበብቲ ምንጪ ናይ ምትብባዕ ኾይንዎም ኣሎ።
2 ነዘን መጽሔታት እዚኣተን ኣብ ወርሒ ሚያዝያን ግንቦትን ኣብ ኣገልግሎትና ከነቕርበን ኢና። መስልጥቲ መታን ክንከውን ነቲ ሓሳባተን ኣጸቢቕና ክንላለዮ ይግብኣና። ክትዕድሎም ከሎኻ ምእንቲ ክትጥቀመሉ ንነፍሲ ወከፍ ሕታም ብምንባብ ነጥብታት ሓዝ። ብዛዕባ እቲ ንሰባት ዘገድሶም ሕሰብ። ከመይ ዝበለ ናይ ማሕበራውን ናይ ስድራቤትን ናይ ስምዒትን ጸገማት ኢዩ ነተሓሳስባ ናይ መብዛሕትኦም ጐረባብትኻ ጸልይዎም ዘሎ? ንሰባት ዘገድሶም እንታይ ኢዩ? እቲ ንልቦም ተንኪፉ ዝያዳ ንኽፈልጡ ባህጎም የለዓዕለሎም ኢዩ እትብሎ ነገር ሕሰብ።
3 ነታ ናይ፤ 1 ሚያዝያ ግምቢ ዘብዐኛ ምጉላሕ:- መብዛሕትኦም ሰባት: እቲ ሎሚ ብዘይመጠን ንሓጐሶም ዘሪፍዎ ዘሎ ብዙሕ ጸገማት ኣብ ዘይብላ ዝሓሸት ዓለም ክነብሩ ኢዮም ዝናፍቑ።
ምስ ተፋለጥካዮም ከምዚ ክትብሎም ትኽእል :-
◼ “እዛ ‘ዝሓሸት ዓለም ሕልሚ ድያ?’ ዝብል ኣርእስቲ ዘለዋ ዓንቀጽ ቀሪቡ ዘሎ ዝምስጥ ሓሳባት ከርእየካ ባህ ይብለኒ። እቲ ኣብኡ ዘሎ ሓሳብ ‘እዛ ዓለም እዚኣ ማለት ዓለምና: ብርግጽ ንኽትነብረላ እትምሽእ ቦታ ኣይኮነትን። . . . እዚ ሕጂ ዘሎ ወዮ መወዳእታ ዘለዎ ኣይመስልን ኢዩ።’ ይብል። እዚ ኹነታት እዚ ብዛዕባ መጻኢ ግዜ ብሩህ ኣረኣእያ ንኸይህልወካ ኢዩ ዝገብር። ይኹን እምበር መዝሙር 37:11 ብዛዕባ መጻኢ እንታይ ከም ዝብል ከርእየካዶ?” ነታ ጥቕሲ ምስ ኣንበብካያ እቲ በዓል ቤት ብዛዕባ እዚ ተስፋ እዚ ከመይ ከም ዝስምዖ ሕተቶ። ዝሰማማዕ ምላሽ እንተድኣ ሂቡ: ነታ ኣብ ገጽ 4 ዘላ “ዝሓሸት ዓለም ቀሪባ” እትብል ዓንቀጽ ኣርእዮ እሞ: ከምዚ በሎ:- “ምስ እዛ ዘንበብናያ መዝሙር 37:11 ሓዊስካ ብዙሕ ጥቕስታት ተጠቒሱ አሎ። ነዘን ዓንቀጻት እዚአን ኣንቢብካ ነቲ ኣብኡ ተጠቒሱ ዘሎ ጥቕስታት ድማ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስካ እንተድኣ ተመልኪትካዮ ከም እትሕጐስ እኣምን ኢየ።” እተን መጽሔታት በብግዜኡ ብጶስጣ ኣብ ቤቱ ክመጽእኦ ጠቓሚ ምዃኑ ኣመልክተሉ እሞ ናይ ምዝገባ ካርድ ሃቦ። ክምዝገብ እንተድኣ ዘይደልዩ ድማ ነተን ክልተ መጽሔታትን ንሓንቲ ብሮሹርን በቲ ልሙድ ዋጋ ኣኽፊልካ ዓድሎ።
4 ነታ ናይ 15 ሚያዝያ ግምቢ ዘብዐኛ ምጉላሕ:- እቲ ኣብ ገጽ 4 ዘሎ ዓንቀጽ “ኣበይ ኢኻ እሙን መምርሒ ክትረክብ እትኽእል?” ኢላ ትሓትት።
ምስ ተፋለጥካዮም ከምዚ ክትብል ትኽእል :-
◼ “ሎሚ ኣብዛ ዓለም እዚኣ ብዙሕ ግድላት’ዩ ዘሎ ንኣብነት [ኣብቲ እዋን እቲ ኣብ ከባቢ ዘጋጠመ ነገር ወይ ካብ ጋዜጣ ዝረኸብካዮ ጥቐስ] ካብዚ ሕምትኽትኽ እዚ እንወጽኣሉ መውጽኢ እንተድኣ ኣልዩ ከየደነቐና ኣይምተረፈን። ዘሕጉስ ከኣ 2 ጢሞቴዎስ 3:16, 17 ናብ ሕጉስን ርጡብን መገዲ ህይወት ዝመርሓና መጽሓፍ ቅዱስ ምዃኑ የረጋግጸልና ኢዩ።” ነተን ጥቕስታት ምስ ኣንበብካየን መጽሓፍ ቅዱስ እሙን መምርሒ ዝኾነሉ ምኽንያት ንኽንርዳእ ግምቢ ዘብዐኛ ከመይ ገይራ ከም እትሕግዘና ኣርእዮ።
5 ንተበራበሩ! ከተቕርባ እንተድኣ መሪጽካ ካብታ ናይ 8 ግንቦት ሕታም “ንውሉዳት ናይ ሓቂ ተስፋ” ዝብል ዓንቀጽ ክትጥቀም ትኽእል ኢኻ። ምናልባት ወለዲ በቲ ንቖልዑ ዘድልዮም ነገራት ከም ዝትንከፉ ንምሕጋዞም ድማ እንታይ ክግበር ከም ዝከኣል ክፈልጡ ድልየት ከም ዘለዎም ኮይኖም ክትረኽቦም ኢኻ።
6 በዘን ኣብ ዓለም ብሉጻት ዝኾና መጽሔታትና ህንጡያት እንተድኣ ኾይንና ንኻልኦት ክንዕድሎም ንቑሓት ክንከውን ኢና ንሳቶም ድማ ብወገኖም ነቲ ተስፋ መንግስቲ ኣምላኽ ዓትዒቶም ብምሓዝ ንየሆዋ ድማ ኣብ ልዕሊ ኹሉ ኣድማስ ዝለዓለ ምዃኑ ኣብ ምዕባይ ክካፈሉ ኢዮም። — መዝ. 83:18