ኣብ JW.ORG ዝወጸ
መጽሔት ግምቢ ዘብዐኛ ኻብዛ ሕታም እዚኣ ኣትሒዛ፡ ቅድሚ ሕጂ ኣብ ጽሑፋትና ኣብ ዓምድታት ዚወጽእ ዝነበረ፡ ሕጂ ኸኣ ኣብቲ jw.org ዚብሃል ወብሳይትና ዚወጽእ ሓድሽ ዓንቀጻት ከተፋልጥ እያ።
ንስድራ ቤት
ቍጥዓ ምፍናው፡ ንጥዕናኻ ኺጐድኦ ይኽእል እዩ፣ ቍጥዓኻ ምዕባጥካ እውን፡ ኪጐድኣካ ይኽእል እዩ። እሞ ደኣ፡ ዜቘጥዕ ኵነታት ምስ ዜጋጥመካ ንቝጥዓኻ ብኸመይ ክትቈጻጸሮ ትኽእል፧
(ኣብ ትሕቲ ትምህርትታት መጽሓፍ ቅዱስ > ንሓዳርን ንስድራ ቤትን ርአ።)
መጽሓፍ ቅዱስ፡ ህይወት ሰባት ይቕይር
እቲ ዓመጽን ሓሽሽን ምብዛሕ ኣልኮላዊ መስተን ዝመልኦ ህይወት ኣንቶንዮ፡ ህይወት ዕላማ ኸም ዘይብላ ገይሩ ናብ ምሕሳብ መርሖ። ንኣተሓሳስባኡ ዝቐየሮ እንታይ እዩ፧
(ኣብ ትሕቲ ትምህርትታት መጽሓፍ ቅዱስ > ሰላምን ሓጐስን ርአ።)