ትሕዝቶ
29 ጥቅምቲ 2018–4 ሕዳር 2018 ዘላ ሰሙን
3 “ነዚ እትፈልጥዎ እንተ ዄንኩም፡ እንተ ጌርኩምዎ፡ ሕጉሳት ኢኹም”
ፍልጠት ኣብ ጥቕሚ እንተ ዘይውዒሉ ብዙሕ ዋጋ የብሉን። ነቲ ዝፈለጥናዮ ኣብ ግብሪ ምውዓል ግና፡ ትሕትና ይሓትት እዩ። እዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ ኣስኣሰር እቶም ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከቡ ንዅሎም ዓይነት ሰባት ዝሰበኹን ምእንቲ ኻልኦት ዝጸለዩን ንየሆዋ ብትዕግስቲ እተጸበዩን ኣብነታት ብምስዓብ፡ ትሕትና ኸነማዕብል ተተባብዓና።
8 ኣቱም ብዕድመ ዝደፋእኩም ክርስትያናት፡ የሆዋ ንተኣማንነትኩም ኣኽቢሩ እዩ ዚርእዮ
5-11 ሕዳር 2018 ዘላ ሰሙን
ኣብዚ ኣጸጋሚ እዋን እዚ፡ ኣብ ህይወት ብዜጋጥመና ጸገማት ብቐሊሉ ተስፋ ኽንቈርጽ ወይ ዓቕልና ኺጸብበና ይኽእል እዩ። የሆዋን የሱስን ግና ነዚ ኽንጻወሮ ይሕግዙና እዮም። ይኹን እምበር፡ ኵላትና ንሓድሕድና ኽንጸናናዕን ክንተባባዕን ኣሎና። እዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ ንሓድሕድና ኸመይ ጌርና ብፍቕሪ ኸም እንተሃናነጽ ትገልጽ።
12-18 ሕዳር 2018 ዘላ ሰሙን
17 ነቲ “ሕጉስ ኣምላኽ” ዜገልግሉ ሕጉሳት እዮም
የሆዋ ንኣገልገልቱ ሕጉሳት ኪዀኑ ዚደልዮም ሕጉስ ኣምላኽ እዩ። ኣብዛ ናይ ሰይጣን ዓለም ፈተናታትን ጸገማትን እናኣጋጠመና ኽነሱ ግና፡ ከመይ ጌርና ኢና ሕጉሳት ክንከውን እንኽእል፧ የሱስ ኣብቲ ኣብ ከረን ዝሃቦ ስብከቱ፡ ነባሪ ሓጐስ ንምርካብ ኪሕግዘና ዚኽእል ግብራዊ ምኽሪ ሂቡና እዩ።
19-25 ሕዳር 2018 ዘላ ሰሙን
26 ሕዳር 2018–2 ታሕሳስ 2018 ዘላ ሰሙን
ኣብዛ ሰባት ጥቕሚ ርእሶም ጥራይ ዚደልዩላ ዓለም፡ ኣብ ክርስትያናዊት ጉባኤ ፍልይ ዝበለ ፍቕሪ ኣሎ። ሓደ ኻብቲ ፍቕሪ እነርእየሉ መዳይ ከኣ፡ እዚ ኣብዘን ክልተ ዓንቀጻት ተገሊጹ ዘሎ ሓልዮት እዩ። ፈለማ፡ የሆዋ ንኻልኦት ሓልዮቱ ብምርኣይ ዝሓደጎ ዜደንቕ ኣብነት ክንርኢ ኢና። ድሕሪኡ፡ ንሕና ንዕኡ ኽንመስለሉ እንኽእል ግብራዊ መገድታት ክንርኢ ኢና።