ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w18 ጥሪ ገጽ 32
  • ትፈልጥዶ፧

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ትፈልጥዶ፧
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2018
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • እነሆ፡ እቲ የሆዋ ዚሰምሮ ባርያ!
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2009
  • “ሕጊ የሆዋ ፍጹም እዩ”
    ንየሆዋ ቕረቦ
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2018
w18 ጥሪ ገጽ 32

ትፈልጥዶ፧

እቲ ኣብ ሕጊ ሙሴ ዝነበረ መሰረታዊ ስርዓታት፡ ነቲ ኣብ ጥንታዊት እስራኤል በብመዓልቱ ዜጋጥም ዝነበረ ሕጋዊ ምጕት ንምፍታሕ ይውዕል ነይሩ ድዩ፧

እወ፡ ሓድሓደ ግዜ ይውዕል እዩ። ሓደ ኣብነት እስከ ንርአ። ዘዳግም 24:14, 15፡ “ንሽጉር ወይ ንድኻ ወዓላይ፡ ሓደ ኻብ ኣሕዋትካ ዀነ፡ ወይ ኣብ ምድርኻ . . . ዘሎ ጓና፡ ኣይትዓምጾ። . . . እንተ ዘይኰነስ፡ ናብ የሆዋ ኺጠርዓልካ እዩ፡ ሓጢኣት ድማ ኪዀነካ እዩ” ትብል።

ገልዒ

ኣብ ግራት ዚዓዪ ወዓላይ ዘቕረቦ ጥርዓን እተጻሕፎ ገልዒ

ኣብ ሻውዓይ ዘመን ቅ.ክ. ከም እተጻሕፈ ዚግመት፡ ነዚ ጕዳይ እዚ ዚምልከት ጥርዓን ዝሓዘ መዝገብ ኣብ ጥቓ ኣሽዶድ ተረኺቡ እዩ። እዚ ኣብ ገልዒ እተጻሕፈ መዝገብ እዚ፡ ንሓደ ኻብኡ ዚሕተት መጠን እኽሊ ኼረክብ ከም ዘይከኣለ ንእተኸስሰ ኣብ ግራት ዚዓዪ ወዓላይ ብምውካል እተጻሕፈ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ከምዚ ድማ ይብል፦ “ቅድሚ ሒደት መዓልትታት፡ ጊልያኻ [እቲ ጥርዓን ዜቕርብ ዘሎ] ምህርቲ ሓፊሰን ኣብ ማዕከን ኣእትየን ምስ ወዳእኩ፡ ሆሻያሁ ወዲ ሾባይ መጺኡ ኽዳን ጊልያኻ ወሰደ። . . . እዚ ዝብሎ ዘለኹ ሓቂ ምዃኑ፡ . . . ኵሎም እቶም ኣብ ሃሩር ጸሓይ ምሳይ እኽሊ ኺሓፍሱ ዝወዓሉ ኺምስክሩ ይኽእሉ እዮም። ካብ ዝዀነ በደል ንጹህ እየ። . . . ሹም፡ ክዳን ጊልያኡ ኸም ዚምለስ ኪገብር ግዴታኡ ዀይኑ እንተ ዘይተሰሚዕዎ፡ ካብ ድንጋጽ ተላዒሉ ይግበሮ። ጊልያኻ ብዘይ ክዳን ኪተርፍ ስቕ ኣይትበል።”

ሲሞን ሻማ ዝስሙ ጸሓፍ ታሪኽ፡ እዚ ጥርዓን እዚ፡ “እቲ ዓያዪ [ኽዳኑ] ንምምላስ ካብ ዓቕሊ ጽበት ተላዒሉ ብዛዕባ ዝገበሮ ነገር ጥራይ ዘይኰነስ፡ እቲ ጥርዓን ዘቕረበ ሰብ ብዛዕባ እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ሕጊ፡ ብፍላይ ከኣ ብዛዕባ እቲ ኣብ ዘሌዋውያንን ዘዳግምን ዚርከብ ድኻታት ከይግፍዑ ዚእዝዝ ትእዛዝ እተወሰነ ፍልጠት ከም ዝነበሮ እውን ይነግረና እዩ” ይብል።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ