ትሕዝቶ
26 ለካቲት 2018–4 መጋቢት 2018 ዘላ ሰሙን
ኣብ ህይወትና ብዙሕ ጸቕጢ ኼጋጥመና ኸሎ፡ እንታይ ኢና እንገብር፧ እዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ ብዛዕባ ዓመት ጥቕሲ 2018 ትገልጽ። የሆዋ ኼበርትዓና ስለምንታይ ክንፈቕደሉ ኸም ዘሎናን ብኸመይ ኬበርትዓና ኸም ዚኽእልን እውን ትገልጽ።
5-11 መጋቢት 2018 ዘላ ሰሙን
እቲ በብዓመቱ ዚብዓል በዓል ዝኽሪ ሞት ክርስቶስ፡ ቀዳም፡ 31 መጋቢት 2018 ኪውዕል እዩ። ካብ ሕጂ ኣትሒዝና ነዚ በዓል እዚ ኽንዳሎን ኣብኡ ብምእካብና ኽንጥቀምን እንኽእል ብኸመይ ኢና፧ እዚ ዓመታዊ ፍጻመ እዚ፡ ንሓድነት ህዝቢ ኣምላኽ ዜደልድሎኸ ብኸመይ እዩ፧ ንመልሲ እዚ ሕቶታት እዚ፡ ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ ኽትረኽቦ ኢኻ።
12-18 መጋቢት 2018 ዘላ ሰሙን
17 ነቲ ዅሉ ዘለዎ ኣምላኽ ክንህቦ ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧
ዘሎና ዘበለ ዅሉ ኻብ የሆዋ ዝረኸብናዮ እዩ። ይኹን እምበር፡ ብገንዘብና ንዕዮ ውድቡ ኽንድግፍ ይደልየና እዩ። እዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ ንየሆዋ ብጥሪትና ኸነኽብሮ ዜድልየና ስለምንታይ ከም ዝዀነን ከምኡ ብምግባርና ብኸመይ ከም እንጥቀምን ክትገልጽ እያ።
19-25 መጋቢት 2018 ዘላ ሰሙን
22 ናይ ሓቂ ሓጐስ ዜምጽኣልና እንታይ ዓይነት ፍቕሪ እዩ፧
26 መጋቢት 2018–1 ሚያዝያ 2018 ዘላ ሰሙን
27 ኣብ መንጎ ህዝቢ ኣምላኽን ካልኦትን ንዘሎ ፍልልይ ኣስተብህለሉ
ካብዘን ዓንቀጻት እዚአን እታ ቐዳመይቲ፡ ናይ ሓቂ ሓጐስ ንኣምላኽ ብምፍቃር ደኣ እምበር፡ ነቲ ኣብዘን “ዳሕሮት መዓልትታት” ኣስፋሕፊሑ ዘሎ ጥቕሚ ርእሳ እትደሊ ዓይነት ፍቕሪ ብምምዕባል ከም ዘይርከብ ክትገልጽ እያ። (2 ጢሞ. 3:1) እታ ኻልአይቲ ዓንቀጽ ከኣ፡ እቲ ኣብዘን ዳሕሮት መዓልትታት ዚነብሩ ሰባት ዜንጸባርቕዎ ባህርያት ካብቲ ህዝቢ ኣምላኽ ዜንጸባርቕዎ ባህርያት ብኸመይ ኣዝዩ ኸም ዚፍለ ኽትገልጽ እያ።
32 ትፈልጥዶ፧