ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • wp18 ቍ. 3 ገጽ 13
  • ኣምላኽ ኣብ ቀረባ እዋን ንዅሉ መከራ ኼወግዶ እዩ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ኣምላኽ ኣብ ቀረባ እዋን ንዅሉ መከራ ኼወግዶ እዩ
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (ሕታም ህዝቢ)—2018
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ኣምላኽ መዓስ እዩ ስጕምቲ ዚወስድ፧
  • ብየሆዋ ተኣመን እሞ ብህይወት ክትነብር ኢኻ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2018
  • ክሳዕ መኣዝ ኢዩ ህላወ እኩያት ክቕጽል፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2000
  • ብኣምላኽ ምድሓንና እልል ንበል
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2000
  • ሕቶ 3፦ ኣምላኽ፡ መከራ ኺበጽሓኒ ዝፈቐደ ስለምንታይ እዩ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2012
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (ሕታም ህዝቢ)—2018
wp18 ቍ. 3 ገጽ 13
ዕራርቦ ጸሓይ

ኣምላኽ ኣብ ቀረባ እዋን ንዅሉ መከራ ኼወግዶ እዩ

“ኦ የሆዋ፡ ከይሰማዕካንስ ክሳዕ መዓስ ከእዊ እየ፧ ጣልቃ ኸይኣተኻኸ ብሰንኪ ዓመጻ ኽሳዕ መዓስ ክምህለል እየ፧” (ኣንባቆም 1:2, 3) እዘን ቃላት እዚአን፡ እቲ ሞገስ ኣምላኽ ዝነበሮ ኣንባቆም ዝስሙ ጻድቕ ሰብኣይ እዩ ተዛሪብወን። እዚ ግና እምነት ከም ዝጐደለቶ ዜርኢ ድዩ ነይሩ፧ ኣይፋልን። ኣምላኽ ንኣንባቆም፡ ንመከራ ዜወግደሉ ምዱብ ግዜ ኸም ዘለዎ ኣረጋጊጹሉ እዩ።—ኣንባቆም 2:2, 3።

ኣብ ልዕሌኻ ወይ ኣብ ልዕሊ ሰብካ መከራ ኺወርድ ከሎ፡ ኣምላኽ ስጕምቲ ንምውሳድ ከም ዝደንጐየን ኣቐዲሙ ጣልቃ ኺኣቱ ኸም ዝነበሮን ብቐሊሉ ኽትድምድም ትኽእል ኢኻ። መጽሓፍ ቅዱስ ግና፡ “የሆዋስ፡ ኵሎም ናብ ንስሓ ኺበጽሑ እምበር፡ ሓደ እኳ ኺጠፍእ ስለ ዘይደሊ፡ ምእንታኹም ይዕገስ ኣሎ እምበር፡ ከምቲ ንገሊኦም ዚድንጒ ዚመስሎም፡ ንተስፋኡ ኣየደንጕዮን እዩ” ብምባል የጸናንዓና እዩ።—2 ጴጥሮስ 3:9።

ኣምላኽ መዓስ እዩ ስጕምቲ ዚወስድ፧

ኣብ ቀረባ እዋን ስጕምቲ ኺወስድ እዩ! የሱስ ኣብ እተዛረቦ ነገር፡ ሓደ ወለዶ፡ ዳሕሮት መዓልትታት ሓደ “ስርዓት” ከም ዝኣኸለ ዜለልየሉ ዝርዝር ምልክት ከም ዚርኢ ገሊጹ ነይሩ እዩ። (ማቴዎስ 24:3-42) ትንቢት የሱስ ኣብ ግዜና ይፍጸም ምህላዉ፡ እቲ ኣምላኽ ኣብ ጕዳያት ደቂ ሰብ ጣልቃ ዚኣትወሉ ግዜ ኣዝዩ ቐሪቡ ኸም ዘሎ የርኢ።a

ኣምላኽ ንዅሉ መከራ ዜወግዶ ግና ብኸመይ እዩ፧ የሱስ ኣብ ምድሪ ኸሎ፡ ነቲ ኣምላኽ ንመከራ ደቂ ሰብ ንምእላይ ዘለዎ ሓይሊ ኣርእዩ እዩ። ሒደት ኣብነታት እስከ ርአ፦

ባህርያዊ ሓደጋ፦ የሱስን ሃዋርያቱን ብባሕሪ ገሊላ ኺጐዓዙ ኸለዉ፡ ብርቱዕ ማዕበል ነታ ጃልባኦም ኬጥሕላ ኢሉ ነበረ። የሱስ ግና ንሱን ኣቦኡን ንተፈጥሮኣዊ ነገራት ኪቈጻጸሩ ኸም ዚኽእሉ ኣርኣየ። (ቈሎሴ 1:15, 16) የሱስ፡ “ዝግ በል! ህዳእ!” ጥራይ በለ። ውጽኢቱኸ እንታይ ኰነ፧ “እቲ ንፋስ ዝግ በለ፡ ዓብዪ ህድኣት እውን ኰነ።”—ማርቆስ 4:35-39።

ሕማም፦ የሱስ ንዕዉራት፡ ንሓንካሳት፡ ሕማም ምንፍርፋር ንዘለዎም፡ ንድዉያት፡ ወይ ዝዀነ ዓይነት ድናሰ ንዘለዎም ሰባት ኣሕውዩ እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ንዅሎም እቶም ዝሓመሙ . . . ኣሕወዮም” ይብል።—ማቴዎስ 4:23, 24፣ 8:16፣ 11:2-5።

ጥሜት፦ የሱስ በቲ ኣቦኡ ዝሃቦ ሓይሊ ገይሩ ሒደት ምግቢ ኸም ዚብርክት ገይሩ እዩ። ኣብ እዋን ኣገልግሎቱ ኽልተ ግዜ ንኣሽሓት ሰባት ከም ዝመገበ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተመዝጊቡ ኣሎ።—ማቴዎስ 14:14-21፣ 15:32-38።

ሞት፦ እቲ የሆዋ ንሞት ንምስዓር ዘለዎ ሓይሊ፡ ኣብቲ የሱስ ከም ዝፈጸሞ ተመዝጊቡ ዚርከብ ሰለስተ ትንሳኤ ብንጹር ተራእዩ እዩ። ሓደ ኻብቶም ንሱ ዘተንሰኦም ሰባት፡ ካብ ዚመውት ኣርባዕተ መዓልቲ ዝገበረ እዩ ነይሩ።—ማርቆስ 5:35-42፣ ሉቃስ 7:11-16፣ ዮሃንስ 11:3-44።

a ብዛዕባ ዳሕሮት መዓልትታት ብዝያዳ ኽትፈልጥ እንተ ደሊኻ፡ ኣብታ ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተሓትመት ንዘለኣለም ብህይወት ንበር! ዘርእስታ መጽሓፍ፡ ኣብ ትምህርቲ 32 ርአ። ኣብ www.jw.org/ti እውን ትርከብ እያ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ