ትሕዝቶ
3 ፈትዮም ይመጹ
27 ለካቲት 2017–5 መጋቢት 2017 ዘላ ሰሙን
እዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ ጸገማት ኬጋጥመና ኸሎ፡ ብመሰረት ጥቕሲ ዓመት 2017፡ ሓገዝ ንምርካብ ናብ የሆዋ ኽንጽጋዕ ከም ዘሎና ትገልጽ። ጥንቲ ዝነበሩ እሙናት ዝሓደግዎ ኣብነት ብምምርማር ድማ፡ ጸገማት ንምፍታሕን ንሰባት ንምሕጋዝን፡ ከመይ ጌርና ብየሆዋ ኽንእመን ከም እንኽእል ክንርኢ ኢና።
6-12 መጋቢት 2017 ዘላ ሰሙን
ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ ነቲ ኣምላኽ ዝሃበና ናይ ምምራጽ ናጽነት፡ ነቲ ወሃቢ ብዜሐጕስ መገዲ ብኸመይ ክንጥቀመሉ ኸም እንኽእል ክንምሃር ኢና። ንውሳነታት ካልኦት ብኸመይ ከነኽብር ከም እንኽእል እውን ክንርኢ ኢና።
13-19 መጋቢት 2017 ዘላ ሰሙን
20-26 መጋቢት 2017 ዘላ ሰሙን
እዘን ዓንቀጻት እዚአን ብዛዕባ እታ ተባሃጊት ባህርይ ዝዀነት ትሕትና ዘሎና ግንዛበ ኸነስፍሕ ይሕግዛና። እታ ቐዳመይቲ ዓንቀጽ፡ ትሕትና እንታይ ምዃናን እንታይ ዘይምዃናን ትገልጽ። እታ ኻልአይቲ ዓንቀጽ ከኣ፡ ኣብ ትሕቲ ፈተና እኳ ኸመይ ጌርና ብትሕትና ኸም እንመላለስ ትገልጽ።
27 መጋቢት 2017–2 ሚያዝያ 2017 ዘላ ሰሙን
ወለዶ ብወለዶ ኺትካእ ከሎ፡ ብዕድመ ዝነኣሱ ንዕዮ እቶም ብዕድመ ዝዓበዩ ይርከብዎ እዮም። እዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ ነዚ ናይ ምስግጋር መስርሕ ከመይ ጌርካ ብጽቡቕ ከም ዚዕየ ትገልጽ።
32 ትፈልጥዶ፧