ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w16 ሕዳር ገጽ 3
  • ኣዝዩ ዜተባብዕ ቃል!

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ኣዝዩ ዜተባብዕ ቃል!
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (ሕታም መጽናዕቲ)—2016
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • እቲ ዘይከውን ዝመስል ዝነበረ መርዓ ቦኣዝን ሩትን
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2003
  • “ብልጽቲ ሰበይቲ”
    ኣስኣሰር እምነቶም ስዓብ
  • “ደጊ ሰበይቲ”
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2012
  • ካብ መጽሓፍ ሩት ዚጐልሕ ነጥብታት
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2005
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (ሕታም መጽናዕቲ)—2016
w16 ሕዳር ገጽ 3
ሓንቲ ሰበይቲ ኣብ ቅድሚ የሱስ ተደፍአት፣ የሱስ ከኣ ኮፍ ኢሉ የዛርባ

ኣዝዩ ዜተባብዕ ቃል!

“ሰበይቲ።” ሓድሓደ እዋን፡ የሱስ ንደቂ ኣንስትዮ በዛ ስም እዚኣ እዩ ዚጽውዐን ነይሩ። ንኣብነት፡ ን18 ዓመት ኣመና ጐቢጣ ንዝነበረት ሰበይቲ ኼሕውያ ኸሎ፡ “ኣቲ ሰበይቲ፡ ካብ ድኻምኪ ተፈቲሕኪ ኢኺ” በላ። (ሉቃ. 13:10-13) ንኣዲኡ ኺዛረባ ኸሎ እውን ነዛ ብግዜ መጽሓፍ ቅዱስ ከም ትሕትና እትርአ ዝነበረት ልምድቲ ቓል ተጠቒሙ እዩ። (ዮሃ. 19:26፣ 20:13) ይኹን እምበር፡ ካብ ትሕትና ንላዕሊ እተመልክት ካልእ ቃል ኣላ።

መጽሓፍ ቅዱስ ንገሊአን ኣንስቲ ኺጠቅስ ከሎ፡ ለውሃትን ርሕራሐን እተንጸባርቕ ፍልይቲ ቓል ይጥቀም እዩ። የሱስ ነታ ን12 ዓመት ደም ዚፈስሳ ዝነበረ ሰበይቲ ኼዛርባ ኸሎ፡ ነዛ ቓል እዚ ተጠቒሙ እዩ። ብመሰረት ሕጊ ኣምላኽ፡ ከምታ ሰበይቲ ዝኣመሰለ ዅነታት ዘለዎም ሰባት ከም ርኹሳት ይርኣዩ ስለ ዝነበሩ፡ እታ ሰበይቲ ናብ የሱስ ዝቐረበትሉ መገዲ ምስ ሕጊ ኣምላኽ ዚሰማማዕ ኣይነበረን። ስለዚ፡ ገሊኦም ሰባት እታ ሰበይቲ ኻብ ካልኦት ክትግለል ከም ዝነበራ ይማጐቱ ይዀኑ። (ዘሌ. 15:19-27) ይኹን እምበር፡ ተጨኒቓ እያ ነይራ። መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባኣ፡ “ንሳ ኸኣ ብብዙሓት ሓካይም ብዙሕ ተሳቐየት፡ ኵሉ ገንዘባ እውን ወድአት፣ ግናኸ ገደዳ እምበር፡ ኣይሓሻን” ይብለና።—ማር. 5:25, 26።

እታ ሰበይቲ ብመንጎ እቲ ህዝቢ ሰላሕ ኢላ ሓሊፋ፡ ብድሕሪ የሱስ መጺኣ ዘፈር ክዳኑ ተንከየት። ብኡብኡ ድማ እቲ ዚፈስሳ ዝነበረ ደማ ኣቋረጸ! እታ ሰበይቲ ዘይተፈልጠት እኳ እንተ መሰላ፡ የሱስ፡ “መን እዩ ዝተንከየኒ፧” በለ። (ሉቃ. 8:45-47) ሽዑ፡ እታ ሰበይቲ ፈሪሃ ራዕራዕ እናበለት ኣብ ቅድሚ የሱስ ተደፍአት፣ “ኵሉ እቲ ሓቂ እውን ነገረቶ።”—ማር. 5:33።

የሱስ ድማ ነታ ሰበይቲ ኸይትጭነቕ ኢሉ ብለውሃት፡ “ኣጆኺ ጓለይ፡ እምነትኪ ኣሕውያትኪ” በላ። (ማቴ. 9:22) ብመሰረት ምሁራት መጽሓፍ ቅዱስ፡ እተን “ጓለይ” ተባሂለን ዚትርጐማ ቓላት እብራይስጥን ግሪኽኛን፡ ብምሳልያዊ መገዲ፡ “ለውሃትን ርሕራሐን” እየን ዜመልክታ። የሱስ ከኣ፡ “እምነትኪ ኣሕውያትኪ። ብሰላም ኪዲ፡ ካብቲ ዜቐንዙ ሕማምኪ ድማ ጥዓዪ” ኢሉ ኣረጋገጸላ።—ማር. 5:34።

“ጓለይ።” እቲ ሃብታም እስራኤላዊ ዝነበረ ቦኣዝ ንሩት እታ ሞኣባዊት ከምኡ ኢሉ እዩ ጸዊዕዋ። ሩት ኣብ ግራት ዘይትፈልጦ ሰብ ስገም ትቕርም ስለ ዝነበረት፡ ተጨኒቓ ነይራ ኽትከውን ትኽእል እያ። ቦኣዝ ከኣ፡ “ስምዒ እዛ ጓለይ” በላ። ኣብ ግራቱ ጥራይ ክትቅርም ድማ ኣተባብዓ። ሩት ከኣ ብገጻ ናብ ምድሪ ተደፊኣ ሰገደት፣ ንሳ ጓና ኽነሳ ስለምንታይ ከም ዝለውሃላ ድማ ሓተተቶ። ቦኣዝ ከኣ፡ “ንሓማትኪ [ነታ መበለት ዝነበረት ናእሚ] ዝገበርክላ፡ . . . ብምሉኡ ተነጊሩኒ እዩ። የሆዋ ኸም ግብርኺ ይፍደኺ” ኢሉ ብዙሕ ኣተባብዓ።—ሩት 2:8-12።

የሱስን ቦኣዝን ንክርስትያናት ሽማግለታት ጽቡቕ ኣብነት ይዀንዎም እዮም። ሓድሓደ እዋን፡ ክልተ ሽማግለታት ምስ ሓንቲ ቕዱስ ጽሑፋዊ ሓገዝን ምትብባዕን ዜድልያ ክርስትያን ሓብቲ ኺዘራረቡ የድልዮም ይኸውን። የሆዋ መምርሒ ኺህቦም ብምጽላይን እታ ሓብቶም ንእትብሎ ዘበለ ጽን ኢሎም ብምስማዕን ከኣ፡ ካብ ቃል ኣምላኽ መረጋገጽን መጸናንዕን ይህብዋ እዮም።—ሮሜ 15:4።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ