ትሕዝቶ
15 ታሕሳስ 2015
© 2015 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
ሕታም መጽናዕቲ
1-7 ለካቲት 2016
ገጽ 4
8-14 ለካቲት 2016
ገጽ 9
15-21 ለካቲት 2016
ገጽ 18
22-28 ለካቲት 2016
ገጽ 23
ዓንቀጻት መጽናዕቲ
▪ የሆዋ፡ ሓሳቡ ብንጹር ዜመሓላልፍ ኣምላኽ
▪ ህያው ትርጉም ቃል ኣምላኽ
ንኣሽሓት ዓመታት፡ የሆዋ ንኣገልገልቱ ብእተፈላለየ ቛንቋታት ሓሳቡ ኣመሓላሊፉሎም እዩ። እዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ እተፈላለየ ቛንቋታት ምጥቃሙ፡ ነቲ ንሰብ ሓሳቡ ንምምሕልላፍ ዝገበሮ ጻዕሪ ኸም ዘይዓገቶ ትገልጽ። ትርጉም ሓዳስ ዓለም፡ እንተላይ እቲ ብ2013 እተኸለሰ ሕታም፡ ንስም ኣምላኽ ኣብ ምቕዳስን ፍቓዱ ኸም ዚፍለጥ ኣብ ምግባርን ሓያል ንዋት ከም ዝዀነ እውን ክንርኢ ኢና።
▪ ልሳንካ ንጽቡቕ ተጠቐመሉ
ናይ ምዝራብ ክእለት ዜደንቕ ውህበት ኣምላኽ እዩ። እዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ ሰለስተ መዳይ ዘረባ ትገልጽ። በዚ ሓያል ውህበት እዚ ተጠቒምና፡ ንኣምላኽ ኣብ ምኽባርን ንኻልኦት ኣብ ምጥቃምን ኣብነት የሱስ ክንስዕብ እውን ተተባብዓና።
▪ የሆዋ ኺድግፈካ እዩ
ኵላትና ንሓምም ኢና፣ እሞ ደኣ የሆዋ ኸምቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ንእተጠቕሱ ገሊኦም ዘሕወዮም ገይሩ ኼሕውየና ትጽቢት ክንገብርሲ ግቡእ ድዩ፧ ካልኦት ንጥዕናና ብዚምልከት ሓሳብ ኪህቡና ኸለዉ፡ እንታይ ኢና ኽንዝክር ዘሎና፧ እዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ ነዚ ሕቶታት እዚ መልሲ ኽንረኽበሉን ብሕታዊ ምርጫና ኽንገብርን ክትሕግዘና እያ።
ገበር፦ ሓንቲ ፍልይቲ ፈላሚት ነቲ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ተሓጒሳ ንሓንቲ ኣደን ንደቃን ከተካፍሎም ከላ። ወግዓዊ ቛንቋታት እታ ሃገር ስጳንኛን ጓራኒን እዩ፣ ሓቂ ድማ ብኽልቲኡ ይዝርጋሕ ኣሎ
ፓራጓይ
ብዝሒ ህዝቢ
6,800,236
ኣስፋሕቲ