ትሕዝቶ
15 ሕዳር 2015
© 2015 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
ሕታም መጽናዕቲ
28 ታሕሳስ 2015–3 ጥሪ 2016
ገጽ 3
4-10 ጥሪ 2016
ገጽ 8
11-17 ጥሪ 2016
ገጽ 16
18-24 ጥሪ 2016
ገጽ 21
25-31 ጥሪ 2016
ሚእቲ ዓመት ኣብ ትሕቲ ግዝኣት መንግስቲ ኣምላኽ!
ገጽ 26
ዓንቀጻት መጽናዕቲ
▪ ንቘልዓ፡ ንየሆዋ ኼገልግሎ ኣሰልጥኖ
▪ ንመንእሰይ፡ ንየሆዋ ኼገልግሎ ኣሰልጥኖ
የሆዋ ንወለዲ፡ ንውሉዳቶም ናይ ምስልጣን ክቡርን ረዚንን ሓላፍነት ብሕድሪ ሂብዎም ኣሎ። እዘን ክልተ ዓንቀጻት እዚአን፡ ወለዲ ንየሱስ ብምምሳልን ንፍቕሩን ትሕትናኡን ልቦናኡን ብምቕዳሕን ከመይ ገይሮም ሓላፍነቶም ኪፍጽሙ ኸም ዚኽእሉ የርእያ።
▪ የሆዋ፡ ኣምላኽ ፍቕሪ እዩ
▪ ‘ንብጻይካ ኸም ነፍስኻ ተፍቅሮ’ ዲኻ፧
ካብዘን ክልተ ዓንቀጻት እታ ቐዳመይቲ፡ የሆዋ፡ ኣምላኽ ፍቕሪ ምዃኑ ተነጽር። ኣምላኽ ከመይ ገይሩ ፍቕሩ ንደቂ ሰብ ከም ዘርኣዮም እውን ትገልጽ። እታ ኻልአይቲ ዓንቀጽ ድማ ኣገልገልቲ የሆዋ ኸመይ ገይሮም ንብጻዮም ፍቕሪ ኸም ዜርእዩ ትገልጽ።
▪ ሚእቲ ዓመት ኣብ ትሕቲ ግዝኣት መንግስቲ ኣምላኽ!
እዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ ኣብ ዝሓለፈ 100 ዓመት ግዝኣት መንግስቲ ኣምላኽ ብኸመይ ብስራት ከም እተሰብከ ትገልጽ። ደቀ መዛሙርቲ ኣብ ናይ ምግባር ዕዮ ብዛዕባ እተጠቐምናሉ ናውትን ሜላታትን ተምሃር። ኣስፋሕቲ መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ዝረኸብዎ ውጽኢታዊ ዝዀነ ስልጠና እውን ርአ።
ገበር፦ ሓደ ሓላው ወረዳን ገለ ፍሉያት ፈለምትን ኣብቲ ኣብ ኣማዞን ዚርከብ ዱር ዝናም ብጃልባ ኺጕዓዙ ኸለዉ። ኣብ ገማግም ኣፍላግን ገባራት ወሓይዝን ኣብ ዚርከብ ግሉል ኣቝሻት ብታሕጓስ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ይሰብኩ ኣለዉ
ብራዚል
ብዝሒ ህዝቢ
203,067,835
ኣስፋሕቲ
794,766
ፈለምቲ
84,550
ተኣከብቲ በዓል ዝኽሪ (2014)