ትሕዝቶ
15 ጥቅምቲ 2015
© 2015 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
ሕታም መጽናዕቲ
30 ሕዳር 2015–6 ታሕሳስ 2015
ገጽ 4
7-13 ታሕሳስ 2015
ገጽ 9
14-20 ታሕሳስ 2015
ገጽ 18
21-27 ታሕሳስ 2015
ገጽ 23
ዓንቀጻት መጽናዕቲ
▪ ኢድ ኣምላኽ ኣብ ህይወትካ ትርኢ ዲኻ፧
▪ “እምነት ወስኸና”
ኣብታ ቐዳመይቲ ዓንቀጽ፡ ከመይ ጌርና ኢድ ኣምላኽ ኣብ ህይወትና ኸም እነስተውዕልን እቶም ከምኡ ዘይገበሩ ሰባት ካብ ዝገበርዎ ጌጋ ኸመይ ጌርና ኸም እንስተርን ክንምሃር ኢና። እታ ኻልአይቲ ዓንቀጽ ድማ፡ እምነት ንድሕነትና ዘለዋ ኣገዳስነትን ከመይ ጌርና እምነትና ኸነደልድልን ብግብሪ ኸነርእያን ከም እንኽእል ትገልጽ።—እብ 11:6።
▪ ከየስገልካ ንየሆዋ ኣገልግሎ
▪ ብዛዕባ መንፈሳዊ ነገራት ብቐጻሊ ኣስተንትን
ዜስግል ነገራት ኣብ ዝበዝሖ ዘመን ኢና እንነብር ዘለና። ብዘየድሊ ነገራት ምእንቲ ኸይነስግል፡ ኣብ መንፈሳዊ መዳይ ህይወትና ድማ ምእንቲ ኸነተኵር፡ እንታይ ክንገብር ንኽእል፧ ቃል ኣምላኽ ከነንብብ ከለናኸ፡ ከመይ ጌርና ንመጽናዕትና ፍረ ኸም ዚህልዎ ኽንገብር ንኽእል፧ እዘን ዓንቀጻት እዚአን፡ ነዚ ኺገልጻልና እየን።
ካልእ ኣብዛ ሕታም እዚኣ
ገበር፦ ሓደ ሓው ኣብታ ኣብ ታዝመንያ እትርከብ ሰይንት ሄለንስ እትብሃል ንእሽቶ ኸተማ ኣኼባ ኣገልግሎት ወፍሪ ኺመርሕ ከሎ
ታዝመንያ፡ ኣውስትራልያ
ብዝሒ ህዝቢ
514,800
ጉባኤታት
24
ኣስፋሕቲ
1,779
መጠነ ዝምድና