ትሕዝቶ
15 ነሓሰ 2015
© 2015 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
ሕታም መጽናዕቲ
28 መስከረም 2015–4 ጥቅምቲ 2015
ገጽ 9
5-11 ጥቅምቲ 2015
ገጽ 14
12-18 ጥቅምቲ 2015
ኣብ ሓዳስ ዓለም ንእትረኽቦ ህይወት ካብ ሕጂ ተዳለወሉ
ገጽ 19
19-25 ጥቅምቲ 2015
ነቲ ኣብዘን ዳሕሮት መዓልትታት እትምስርቶ ዕርክነት ተጠንቀቐሉ
ገጽ 24
ዓንቀጻት መጽናዕቲ
▪ ነታ ዘይተቋርጽ ፍቕሪ የሆዋ ኣስተንትነላ
እታ የሆዋ ንህዝቡ ዘላቶ ፍቕሪ፡ ፈጺማ ዘይተቋርጽ እያ። እዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ ኣምላኽ ብኸመይ ፍቕሩ ኸም ዘርኣየ እያ እተጕልሕ። ብዛዕባ እታ የሆዋ ንዓኻ ዘላቶ ፍቕሪ ተስተንትን እንተ ዄንካ፡ ነቲ ምስኡ ዘሎካ ርክብ ምእንቲ ኸተደልድሎ ኺሕግዘካ ይኽእል እዩ።
▪ ነቒሕካ ተጸበ!
▪ ኣብ ሓዳስ ዓለም ንእትረኽቦ ህይወት ካብ ሕጂ ተዳለወሉ
ግዜ እናሓለፈ ኪኸይድ ከሎ፡ ተስፋታት መንግስቲ ኣምላኽ ከም ዚፍጸም ዘሎና ተስፋ ኪቕህም የብሉን። ንተስፋና ህያው ክንገብሮ ዜኽእለና ድልዱል መርትዖታት ኣሎና። እዘን ዓንቀጻት እዚአን፡ ንተስፋና ብኸመይ ህያው ክንገብሮ ኸም እንኽእል ኪሕብራና እየን።
▪ ነቲ ኣብዘን ዳሕሮት መዓልትታት እትምስርቶ ዕርክነት ተጠንቀቐሉ
ኣብዘን ዳሕሮት መዓልትታት፡ ንገዛእ ርእስና ኻብ ሕማቕ ዕርክነት ክንሕልዋ ኣዝዩ ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧ ቃል ኣምላኽ ከምኡ ምእንቲ ኽንገብር ኪሕግዘና ዚኽእል ብኸመይ እዩ፧ እዝን ካልእ ምስኡ ዚተሓሓዝ ሕቶታትን፡ ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ ተመሊሱ ኣሎ።
ገበር፦ ሓደ መንእሰይ ናይ የሆዋ ምስክር፡ ንኻልእ መንእሰይ ካብ jw.org ቪድዮ ብምርኣይ ኣብ ከተማ ኤስፐራንዛ ብዘይ ወግዓዊ መገዲ ኺምስክር ከሎ
ኣርጀንቲና
ብዝሒ ህዝቢ
42,670,000
ኣስፋሕቲ
150,171
ስሩዓት ፈለምቲ
18,538
መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ
126,661
ተኣከብቲ በዓል ዝኽሪ (2014)