ትሕዝቶ
15 ግንቦት 2015
© 2015 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
ሕታም መጽናዕቲ
ዓንቀጻት መጽናዕቲ
▪ ሰይጣን ኪውሕጠካ ስለ ዚደሊ፡ ንቑሕ ኩን!
▪ ምስ ሰይጣን ተቓሊስካ ኽትዕወት ትኽእል ኢኻ
መጽሓፍ ቅዱስ ንሰይጣን ምስ ዚጓዝም ኣንበሳ የመሳስሎ። ሓያልን ጨካንን መታለልን እዩ። እዘን ዓንቀጻት እዚአን፡ ነዚ ሓደገኛ ጸላኢ እዚ ኽንቃወሞ ዘሎና ስለምንታይ ምዃኑ ይገልጻ። ብዘይካዚ፡ ብኸመይ ንገዛእ ርእስና ኻብቲ ዜታልል ሜላታቱ ኸነዕቍባ ኸም እንኽእል ይሕብራ።
▪ ነቲ ተስፋታት ‘ርእዮምዎ’
▪ ነቲ ናይ ዘለኣለም ህይወት ዘተስፈወ ኣምላኽ ምሰሎ
ቅድሚ ሕጂ ተመኪርናዮ ወይ ርኢናዮ ብዛዕባ ዘይንፈልጥ ነገራት ናይ ምሕሳብ ክእለትና፡ ብጥበባዊ ወይ ብዘይ ጥበባዊ መገዲ ኽንጥቀመሉ ንኽእል ኢና። ኣብዘን ዓንቀጻት እዚአን፡ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እተጠቕሱ ሰባት ክንምርምር ኢና። ዘይርአ ነገራት ኣብ ኣእምሮና ናይ ምስኣል ክእለትና፡ እምነት ንኸነሕድር ከምኡ እውን ንፍቕርን ንለውሃትን ንጥበብን ንሓጐስን የሆዋ ኽንቀድሖ ብኸመይ ከም ዚሕግዘና ኽንመሃር ኢና።
ገበር፦ ክልተ ኣሕዋት ንሓደ ወዲ ኣርመንያ፡ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኪመርሑሉ ኸለዉ
ኣርመንያ
ብዝሒ ህዝቢ
3,026,900
ኣስፋሕቲ
11,143
ስሩዓት ፈለምቲ
2,205
23,844
ልዕሊ ዕጽፊ እቶም ንጡፋት ኣስፋሕቲ ዚዀኑ ሰባት፡ ኣብቲ ብ14 ሚያዝያ 2014 እተገብረ በዓል ዝኽሪ ተኣኪቦም