ትሕዝቶ
15 ለካቲት 2015
© 2015 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
ሕታም መጽናዕቲ
6-12 ሚያዝያ 2015
13-19 ሚያዝያ 2015
20-26 ሚያዝያ 2015
27 ሚያዝያ 2015–3 ግንቦት 2015
ዓንቀጻት መጽናዕቲ
▪ ንትሕትናን ንርሕራሐን የሱስ ቅድሓዮ
▪ ንትብዓትን ንምስትውዓልን የሱስ ቅድሓዮ
መጽሓፍ ቅዱስ፡ ኣስኣሰር የሱስ ክንስዕብ የተባብዓና እዩ። (1 ጴጥ. 2:21) ኰይኑ ግና፡ ዘይፍጹማት ስለ ዝዀንና፡ ነቲ ፍጹም ኣርኣያ የሱስ ክንስዕቦ ንኽእል ዲና፧ እታ ቐዳመይቲ ዓንቀጽ፡ ብኸመይ ንትሕትናን ንርሕራሐን የሱስ ክንቀድሖ ከም እንኽእል ክትገልጽ እያ። እታ ኻልአይቲ ድማ፡ ብኸመይ ንትብዓቱን ምስትውዓሉን ክንቀድሖ ከም እንኽእል ክትሕብረና እያ።
▪ ኣህዛብ “ትምህርቲ የሆዋ” ንኺረኽቡ ምድላዎም
▪ የሆዋ ነቲ ዓለምለኻዊ ናይ ትምህርቲ ዕዮና ይመርሖ
እታ ቐዳመይቲ ዓንቀጽ፡ የሆዋ ነቶም ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ደቀ መዛሙርቱ፡ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ንኺሰብኩ ብኸመይ ከም ዝሓገዞም ከተብርህ እያ። እታ ኻልአይቲ ዓንቀጽ ከኣ፡ ኣብ መላእ ዓለም ንዘለዉ ቕኑዕ ዝልቦም ሰባት መልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ንኸነብጽሓሎም ብዛዕባ ዝሓገዘና እዋናዊ ምዕባለታት ክትገልጽ እያ።
ገበር፦ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ ደሴት ባሊ ኻብ ቤት ናብ ቤት ኬገልግሉ ኸለዉ፡ ንሓደ ብባህሊ ኢንዶነዥያ ሓንጐፋይ ኢሉ እተቐበሎም ሰብኣይ፡ መጽሔት ንቕሑ! ኬበርክቱሉ ኸለዉ
ኢንዶነዥያ
ብዝሒ ህዝቢ
237,600,000
ኣስፋሕቲ
24,521
ስሩዓት ፈለምቲ
2,472
[በገጽ 2 ላይ የሚገኝ ሥዕል]
ኣብ 28 እተፈላለያ ደሴታት ዜገልግሉ 369 ፍሉያት ፈለምቲ ኣለዉ