ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w15 1/1 ገጽ 13
  • ትፈልጥዶ፧

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ትፈልጥዶ፧
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2015
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ክርስቶስ ምስ መጸ፡ ንኣባጊዕን ንኣጣልን ይፈርድ
    የሱስ—መገድን ሓቅን ህይወትን
  • እተን ኣባጊዕን ኣጣልን እንታይ መጻኢ ኢዩ ዘለወን፧
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1995
  • ንኣሕዋት ክርስቶስ ብተኣማንነት ደግፎም
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2015
  • ብግዜ መጽሓፍ ቅዱስ ዝነበረ ናብራ ጓሳ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2012
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2015
w15 1/1 ገጽ 13

ትፈልጥዶ፧

ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ፡ እታ “ስሉብ” እትብል ቃል እንታይ ትርጕም ኣለዋ፧

ኣብ ኣሶር እተረኽበ ቕርጺ ስሉብh

ኣብ ኣሶር እተረኽበ ቕርጺ ስሉብ

ሓድሓደ ግዜ፡ እታ “ስሉብ” እትብል ቃል ንሓደ ኸም ዘይወልድ እተገብረ ሰብኣይ እያ እተመልክት። ገለ ኻብቶም ብግዜ መጽሓፍ ቅዱስ ዝነበሩ ባሮት፡ ምሩኻት፡ ወይ ከኣ ኪቕጽዑ እተደልዩ ሰባት፡ ከም ዘይወልዱ ይግበሩ ነበሩ። ካብዚኣቶም ከኣ እቶም እሙናት ዘበሉ ሰብኡት፡ ነቲ ኣብ ቤተ መንግስቲ ዚርከብ ቤት ኣንስቲ ኺሕልዉ ይምዘዙ ነበሩ። ንኣብነት፡ እቶም ስሉባት ዝነበሩ ሄጋይን ሻዕሽጋዝን፡ ከም ሓለውቲ ኣንስትን ኣንስቲ ወሰንን እቲ ንጉስ ፋርስ ዝነበረ ኣሓሽዌሮስ (ዘርክሲስ ቀዳማዊ) ኰይኖም የገልግሉ ነበሩ።—ኣስቴር 2:3, 14።

እንተዀነ ግና፡ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እታ “ስሉብ” እትብል ቃል ነቶም ከም ዘይወልዱ እተገብሩ ጥራይ ኣይኰነትን እተመልክት። ገሊኦም ምሁራት፡ እታ ቓል ዝሰፍሐ ትርጕም ከም ዘለዋ፡ ማለት ኣብ ቤተ መንግስቲ ብሓላፍነት ኬገልግል ንእተመዘዘ ብዓል ስልጣን ንምምልካት እውን ከም እትውዕል ይገልጹ። ንኣብነት፡ እቲ ፈታው ኤርምያስ ዝነበረ ዔቤድ-ሜሌክን ፊሊጶስ እቲ ወንጌላዊ ዝሰበኸሉ ስሙ ዘይተጠቕሰ ኢትዮጵያውን ስሉባት እተባህሉ፡ ንዝረኸብዎ ስልጣን ንምምልካት ከይኰነ ኣይተርፍን እዩ። ዔቤድ-ሜሌክ ምስ ንጉስ ጼድቅያስ ብቐጥታ ይራኸብ ስለ ዝነበረ፡ ላዕለዋይ ብዓል ስልጣን ነይሩ ኪኸውን ኣለዎ። (ኤርምያስ 38:7, 8) እቲ “ኼምልኽ ናብ የሩሳሌም ከይዱ” ዝነበረ ኢትዮጵያዊ እውን፡ ኣብ ልዕሊ ገንዘብ ቤተ መንግስቲ ስልጣን ከም ዝነበሮ ተገሊጹ ኣሎ።—ግብሪ ሃዋርያት 8:27።

ብግዜ መጽሓፍ ቅዱስ ዝነበሩ ጓሶት፡ ንኣባጊዕ ካብ ኣጣል ዚፈልዩወን ዝነበሩ ስለምንታይ እዮም፧

ጓሳ ምስ መጓሰኡ

የሱስ ብዛዕባ እቲ ኣብ መጻኢ ዚፍጸም መዓልቲ ፍርዲ ኺዛረብ ከሎ፡ “ወዲ ሰብ ምስ ኵሎም መላእኽቱ ብኽብሩ ምስ መጸ፡ . . . ኵሎም ኣህዛብ ኣብ ቅድሚኡ ኺእከቡ እዮም፣ ንሱ ኸኣ፡ ከምቲ ጓሳ ንኣባጊዕ ካብ ኣጣል ዚፈላልየን፡ ካብ ንሓድሕዶም ኪፈላልዮም እዩ” በለ። (ማቴዎስ 25:31, 32) ጓሶት ንኣባጊዕ ካብ ኣጣል ዚፈልዩወን ዝነበሩ ስለምንታይ እዮም፧

ከም ልሙድ፡ ጓሶት ብመዓልቲ ንኣባጊዕን ንኣጣልን ብሓባር ኪጓስዩወን ከለዉ፡ ብለይቲ ድማ ካብ ኣራዊትን ካብ ሰረቕትን ካብ ቍርን ንምዕቋብ፡ ኣብ እተሓጽረ ደምበ የእትዉወን ነበሩ። (ዘፍጥረት 30:32, 33፣ 31:38-40) ነተን ብተዛማዲ ኺርአ ኸሎ ዘይጓድኣ ኣባጊዕ፡ ብፍላይ ከኣ ንሽበናትን ንዕያውትን፡ ካብተን ተጓዳእቲ ኣጣል ንምዕቋብ ብሓጹር ይፈልዩወን ነበሩ። ብመሰረት ኦል ቲንግስ ኢን ዘ ባይብል ዘርእስታ መጽሓፍ እውን፡ ሓደ ጓሳ ንመጓሰኡ “ኼራብሐንን ኪሓልበንን ጸጕረን ኪቘርጸንን ከሎ” ነተን ኣባጊዕ ካብተን ኣጣል ይፈልየን ነበረ። እቲ የሱስ እተጠቕመሉ ምሳሌ እምበኣር፡ ኣብ ጥንታዊት እስራኤል ልሙድ ኣብ ዝነበረ ንጥፈታት ጓሶት እተመርኰሰ እዩ ነይሩ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ