ትሕዝቶ
15 ሕዳር 2014
© 2014 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
ሕታም መጽናዕቲ
29 ታሕሳስ 2014–4 ጥሪ 2015
5-11 ጥሪ 2015
12-18 ጥሪ 2015
19-25 ጥሪ 2015
26 ጥሪ 2015–1 ለካቲት 2015
ዓንቀጻት መጽናዕቲ
▪ ትንሳኤ የሱስ ብኸመይ ይጸልወና፧
የሱስ ካብ ሞት ከም ዝተንስአን ሎሚ ብህይወት ከም ዘሎን ርግጸኛታት ክንከውን እንኽእል ስለምንታይ ምዃንና ፍለጥ። ብዘይካዚ፡ እዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ የሱስ ናብ ዘይመውት ሰማያዊ ህይወት ምትንሳኡ፡ ንዓና ዀነ ነቲ ኸም ኣወጅቲ መንግስቲ ኣምላኽ መጠን እንፍጽሞ ንጥፈታት ብኸመይ ከም ዚጸልዎ ትገልጽ።
▪ ቅዱሳት ክንከውን ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧
▪ ብዅሉ ኣካይዳና ቕዱሳት ክንከውን ይግብኣና
እዘን ብሰፊሑ ኣብ መጽሓፍ ዘሌዋውያን እተመርኰሳ ዓንቀጻት እዚአን፡ የሆዋ ንህዝቡ ቕዱሳት ኪዀኑ ዚጽበዮም ስለምንታይ ምዃኑን ብኸመይ ቅዱሳት ክንከውን ከም እንኽእልን ይገልጻ። ብዅሉ ኣካይዳና ቕዱሳት ክንከውን እንኽእለሉ መገድታት እውን ተሓቢሩ ኣሎ።
▪ “የሆዋ ዝኣምላኹ ህዝቢ”
▪ ‘ሕጂ ህዝቢ ኣምላኽ ኢኹም’
ገሊኦም ምሳና መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዚገብሩ ሰባት፡ የሆዋ ኣብ ምድሪ ሓንቲ ውድብ ጥራይ ከም ዘላቶ ንዚገልጽ ሓሳብ ኪርድእዎ የጸግሞም እዩ። ኣባል ዝዀነት ትኹን ሃይማኖት ኩን ብዘየገድስ፡ ንኣምላኽ ከተሐጕሶ እንተ ደሊኻ፡ ቅንዕና ጥራይ ኣኻሊ ኸም ዝዀነ ገይሮም ይሓስቡ። እዘን ዓንቀጻት እዚአን፡ ንህዝቢ ኣምላኽ ምልላዮምን ምሳታቶም ኴንካ ንየሆዋ ምግልጋልን ኣገዳሲ ምዃኑ ይገልጻ።
ገበር፦ ኣስፋሕቲ መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ሳንቲያጎ ደ ኩባ ኺሰብኩ ኸለዉ፣ እዛ ኸተማ እዚኣ ኣብታ ብሙዚቃን ብባህላዊ ሳዕስዒትን እትፍለጥ ደሴት፡ ብዕቤታ ኻልአይቲ እያ
ኩባ
ብዝሒ ህዝቢ
11,163,934
ኣስፋሕቲ
96,206
ስሩዓት ፈለምቲ
9,040