ትሕዝቶ
15 መስከረም 2014
© 2014 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
ሕታም መጽናዕቲ
27 ጥቅምቲ 2014–2 ሕዳር 2014
ንሓቂ ኸም ዝረኸብካያ ኣሚንካ ዲኻ፧ ስለምንታይ፧
3-9 ሕዳር 2014
“ብዙሕ ጸበባ” እናሃለወ፡ ንኣምላኽ ብተኣማንነት ኣገልግሎ
10-16 ሕዳር 2014
17-23 ሕዳር 2014
24-30 ሕዳር 2014
ዓንቀጻት መጽናዕቲ
▪ ንሓቂ ኸም ዝረኸብካያ ኣሚንካ ዲኻ፧ ስለምንታይ፧
እዛ ዓንቀጽ እዚ፡ ገለ ኻብቲ ንሓያሎ ሰባት፡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንሓቂ ኸም ዝረኸብዋ ዘእመኖም ምኽንያታት ትገልጽ። ብዘይካዚ፡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንገዛእ ርእሶም፡ ንሓቂ ኸም ዝረኸብዋ ዘእመኖም እንታይ ምዃኑ ኽንምርምር ኢና።
▪ “ብዙሕ ጸበባ” እናሃለወ፡ ንኣምላኽ ብተኣማንነት ኣገልግሎ
ኣብዛ ናይ ሰይጣን ዓለም ንነብር ስለ ዘለና ጸበባ ኣይፍለየናን እዩ። ገሊኡ ፈተናታት፡ ኣብ እምነትና ዚወርድ ቀጥታዊ መጥቃዕቲ ኪኸውን ከሎ፡ ገሊኡ ኸኣ ሰላሕታዊ እዩ። እዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ ነቲ ሰይጣን ዚፍንዎ መጥቃዕትታት ንኸነለልዮን ኣቐዲምና ንኽንዳለወሉን ተዕጥቐና።
▪ ኣቱም ወለዲ፡ ንደቅኹም ጓስይዎም
ወለዲ ንደቆም፡ “ብተግሳጽን ብምዕዶን የሆዋ” ኼዕብይዎም ይግባእ። (ኤፌ. 6:4) እዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ ወለዲ ነዚ ብኸመይ ኪገብርዎ ኸም ዚኽእሉን ነቶም ንኣሽቱ ደቆም ከም መንፈሳውያን ጓሶት ኰይኖም ብኸመይ ኬዕብይዎም ከም ዚኽእሉን ዚገልጽ ሰለስተ መገድታት ትሕብር።
▪ ሞት—እቲ ዚሰዓር ናይ መወዳእታ ጸላኢ
ሞት ኣብ ሰባት ዝመጸ ብኸመይ እዩ፧ እዚ “ናይ መወዳእታ ጸላኢ” ዝዀነ ሞት ብኸመይ እዩ ‘ዚሰዓር፧’ (1 ቈረ. 15:26) መልሲ እዛ ሕቶ እዚኣ፡ ንፍትሕን ንጥበብን የሆዋ ብፍላይ ከኣ ንፍቕሩ ብኸመይ ከም ዜጕልሖ ንርአ።
▪ ነቶም ኣብ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ዘለዉ ዘክሮም
የሆዋ ኻብ ቀደም ኣትሒዙ፡ ኣብዚ ስርዓት እዚ ጸገማት እናኣጋጠሞም ክነሱ፡ ኣብ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ዚካፈሉ እሙናት ኣገልግልቲ ኣለውዎ። ‘ነቲ ብእምነት ዝገበርዎ ግብርን ብፍቕሪ ዝጸዓርዎ ጻዕርን ንኽንዝክሮ’ እንታይ ክንገብር ንኽእል፧—1 ተሰ. 1:3።
ገበር፦ ክልተ ኣሕዋት ኣብ ምዕራባዊ ኽፋል ገማግም ስሪ ላንካ ንሓደ ገፋፍ ዓሳ መልእኽቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኪነግርዎ ኸለዉ
ስሪ ላንካ
ብዝሒ ህዝቢ
20,860,000
ኣስፋሕቲ
5,600
ስሩዓት ፈለምቲ
641