ትሕዝቶ
15 ነሓሰ 2014
© 2014 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
ሕታም መጽናዕቲ
29 መስከረም 2014–5 ጥቅምቲ 2014
6-12 ጥቅምቲ 2014
13-19 ጥቅምቲ 2014
20-26 ጥቅምቲ 2014
ዓንቀጻት መጽናዕቲ
▪ ኣንስቲ ኣብ ዕላማ የሆዋ እንታይ ግደ ኣለወን፧
እቲ ኣብ ገነት ኤድን፡ ኣብ ኣምላኽ እተገብረ ዕልወት ንሰብኡትን ንኣንስትን እንታይ ጽልዋ ኸም ዝገበረሎም ተምሃር። ብዛዕባ ተመክሮ እተን ኣብ ዝሓለፈ እዋን ፍርሃት ኣምላኽ ዝነበረን ኣንስቲ መርምር። ብተወሳኺ፡ ሎሚ ዘለዋ ክርስትያን ኣንስቲ ኣብ ዕላማ ኣምላኽ እንታይ ግደ ኸም ዘለወን ፍለጥ።
▪ ንቓል ኣምላኽ ተጠቐመሉ—ህያው እዩ!
ኣስፋሕቲ መንግስቲ ኣምላኽ፡ ኣብ ኣገልግሎት ኣሳልጦ ኽንረክብ ንደሊ ኢና። ምስ ሰባት ዝርርብ ኣብ እንጅምረሉ እዋን ነቲ ህያው ዝዀነ ቓል የሆዋ ምስ እንጥቀም ልቦም ክንትንክፍ ንኽእል ኢና። ስለዚ፡ ትራክትታት ከነበርክት ከለና ንመጽሓፍ ቅዱስ ብኸመይ ክንጥቀመሉ ኸም እንኽእል ዜርኢ ግብራዊ ርእይቶታት ንመርምር።
▪ የሆዋ ብኸመይ ይቐርበና፧
ምስ ፈጣሪና ናይ ብሕቲ ርክብ ኪህልወና ንደሊ ኢና። በጃን መጽሓፍ ቅዱስን፡ የሆዋ ናብኡ ንኽንቀርብ ኢሉ ተበግሶ ኸም ዝወሰደ ዜረጋግጽ መሰናድዎ ዚኸውን ብኸመይ ምዃኑ ተምሃር።
▪ ኣብ ዘለኻ ኣሊኻ፡ ድምጺ የሆዋ ስማዕ
ብመገዲ ሓቂ ምእንቲ ኽንመላለስ፡ ነቲ የሆዋ ዚብሎ ኽንሰምዖ ኣሎና። ጽልዋ ሰይጣንን ዘይፍጽምናናን እናሃለወ ኽነሱ፡ ንድምጺ የሆዋ ብኸመይ ክንሰምዖ ኸም እንኽእል ተምሃር። እዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ ምስቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ክንዘራረብ ኣገዳሲ ምዃኑ ንኽንግንዘብ ትሕግዘና።
ገበር፦ ኣሓት ኣብ ቴል ኣቪቭ፡ ኣብ መናፈሲ ቦታ ብሩስያኛ ኺሰብካ ኸለዋ። እቲ ኣብ ድሕሪት ዘሎ ስእሊ፡ ነቲ ኣኻውሕ ዚርከቦ ዅድዅዶታት ዘመናዊ ጃፋ፡ ጥንታዊት ወደብ ጆፓ፡ የርኢ
እስራኤል
ብዝሒ ህዝቢ
8,050,000
ብ2013 ዝነበረ ዝለዓለ ቝጽሪ ኣስፋሕቲ
1,459
ብ2013 ዝነበረ ቝጽሪ ተኣከብቲ ብዓል ዝኽሪ
2,671