ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w13 15/11 ገጽ 1-2
  • ትሕዝቶ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ትሕዝቶ
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2013
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ሕታም መጽናዕቲ
  • ዓንቀጻት መጽናዕቲ
  • ካልእ ኣብዛ ሕታም እዚኣ
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2013
w13 15/11 ገጽ 1-2

ትሕዝቶ

15 ሕዳር 2013

© 2013 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania.

ሕታም መጽናዕቲ

30 ታሕሳስ 2013–5 ጥሪ 2014

‘ንጸሎት ንቕሑ’

ገጽ 3 • መዝሙር፦ 51, 54

6-12 ጥሪ 2014

‘ብተስፋ’ ኽንጽበ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

ገጽ 10 • መዝሙር፦ 20, 32

13-19 ጥሪ 2014

ሸውዓተ ጓሶትን ሸሞንተ መሳፍንትን—ሎሚ ብኸመይ ይጠቕሙና፧

ገጽ 16 • መዝሙር፦ 43, 42

20-26 ጥሪ 2014

ንጓሶት የሆዋ ተኣዘዞም

ገጽ 21 • መዝሙር፦ 43, 31

27 ጥሪ 2014–2 ለካቲት 2014

ኣቱም ጓሶት፡ ነቶም ዓበይቲ ጓሶት ምሰልዎም

ገጽ 26 • መዝሙር፦ 5, 25

ዓንቀጻት መጽናዕቲ

▪ ‘ንጸሎት ንቕሑ’

መወዳእታ እዚ እኩይ ስርዓት ሰይጣን ኣብ ዚቐርበሉ ዘሎ እዋን፡ ብመንፈሳዊ መዳይ ክንድቅስ የብልናን። እዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ ንጸሎት ንቑሕ ምዃን፡ ብመንፈሳዊ መዳይ ንቑሓት ንኽንከውን ብኸመይ ከም ዚሕግዘና ትገልጽ።

▪ ‘ብተስፋ’ ኽንጽበ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ ካብቲ ነብዪ ሚክያስ ዘርኣዮ ትዕግስቲ እንታይ ክንመሃር ከም እንኽእል ክንምርምር ኢና። የሆዋ ነዚ እኩይ ስርዓት እዚ ዜጥፍኣሉ እዋን ከም ዝቐረበ ዚሕብር ፍጻመታት እንታይ ምዃኑ መርምር። ብዘይካዚ፡ ንትዕግስቲ ኣምላኽ ዘሎና ሞሳ ኸነርኢ እንኽእል ብኸመይ ምዃኑ ርአ።

▪ ሸውዓተ ጓሶትን ሸሞንተ መሳፍንትን—ሎሚ ብኸመይ ይጠቕሙና፧

እቲ ሰናክሬብ ኣብ ልዕሊ የሩሳሌም ብዛዕባ ዘውረዶ መጥቃዕቲ ዚገልጽ ጸብጻብ፡ ንዓና ዚኸውን ግብራዊ ትምህርቲ ዝሓዘ እዩ። ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ ዚርከብ ትምህርቲ፡ ነቶም ንክርስትያናዊት ጉባኤ ኺጓስዩ ሓላፍነት እተዋህቦም ኣሕዋት ፍሉይ ኣገዳስነት ኣለዎ።

▪ ንጓሶት የሆዋ ተኣዘዞም

▪ ኣቱም ጓሶት፡ ነቶም ዓበይቲ ጓሶት ምሰልዎም

እታ ናይ መጀመርታ ዓንቀጽ፡ ብዛዕባ እቲ የሆዋን የሱስን ሎሚ ንምድራዊ መጓሰኦም ዚጓስዩሉ ዘለዉ መገድን እተን ኣባጊዕ ነቲ ዚጓሰያሉ መገዲ እንታይ ምላሽ ኪህባ ኸም ዘለወንን ትገልጽ። እታ ኻልአይቲ ዓንቀጽ ድማ፡ ሽማግለታት ከም ንኡሳን ጓሶት ኰይኖም ኪዓይዩ ኸለዉ፡ እንታይ ዓይነት ኣመለኻኽታ ኺህልዎም ከም ዚግባእ ትሕብር።

ካልእ ኣብዛ ሕታም እዚኣ

8 ሓገዝ ንዜድልዮም ሰባት ብኸመይ ክንድግፎም ንኽእል፧

15 ንኣምላኽ ምግልጋል፡ መድሃኒት ኰኖ

31 ካብ መዛግብትና

ገበር፦ ኣብ መደብር ባቡር ዚግበር ምስክርነት መገዲ። ልዕሊ 2.8 ሚልዮን ዝዀኑ ሰባት፡ ንስራሕ ናብ ቶክዮ ይጓዓዙ እዮም። ካብ ቤት ናብ ቤት ኣብ እነካይዶ ዕዮ ስብከት ኣብ ቤቶም ንዘይርከቡ ሰባት ንምምስካር፡ ብዙሕ ጻዕሪ እዩ ዚግበር

ጃፓን

ብዝሒ ህዝቢ፦

126,536,000

ኣስፋሕቲ፦

216,692

ስሩዓት ፈለምቲ፦

65,245

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ