ትሕዝቶ
15 ታሕሳስ 2012
© 2012 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania. All rights reserved.
ሕታም መጽናዕቲ
ዓንቀጻት መጽናዕቲ
28 ጥሪ 2013–3 ለካቲት 2013
4-10 ለካቲት 2013
11-17 ለካቲት 2013
18-24 ለካቲት 2013
ዕላማ ዓንቀጻት መጽናዕቲ
ዓንቀጻት መጽናዕቲ 1, 2 ገጽ 4-13
ኣብ ህይወት ናይ ሓቂ ኣሳልጦ ምርካብ እንታይ ማለት እዩ፧ እዘን ዓንቀጻት እዚአን፡ ቅኑዕ መልሲ እዛ ሕቶ እዚኣ፡ ካብቲ ዓለም ዘለዋ ኣረኣእያ ኸም ዚፍለ ይገልጻ። ብዘይካዚ፡ ናይ ሓቂ ኣሳልጦ ንምርካብ፡ ንኣምላኽ እሙናት ክንከውን፡ ነቲ ዚውሃበና ሓላፍነታት ድማ ክንቅበሎ ኸም ዘሎና ኽንርኢ ኢና።
ዓንቀጻት መጽናዕቲ 3, 4 ገጽ 19-28
ቅቡኣት ክርስትያናትን እቶም “ካልኦት ኣባጊዕ” ዝዀኑ ብጾቶምን “ስደተኛታት” ዝዀኑ ብኸመይ እዮም፧ (ዮሃ. 10:16፣ 1 ጴጥ. 2:11) እዘን ዓንቀጻት እዚአን፡ ብዛዕባ መልሲ እታ ሕቶ እቲኣ ኺገልጻ እየን፣ ብዘይካዚ፡ ነቲ ስደተኛታት ኴንና ንኽንቅጽል ዝገበርናዮ ቘራጽነት ኬደልድላልና እየን። ክፍሊ እቲ ዓለምለኻዊ ሕውነት ኴንና ብሓድነት ንኽንሰብኽ ከኣ ኬተባብዓና እየን።
ካልእ ኣብዛ ሕታም እዚኣ
18 ትዝክሮዶ፧
29 ብቕልል ዝበለ እንግሊዝኛ እትዳሎ ግምቢ ዘብዐኛ እተጀመረት ስለምንታይ እያ፧
ገበር፦ ኣብ ደቡብ ኮሪያ ልዕሊ 100,000 ዚዀኑ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣለዉ። ካብ ፖለቲካ ገለልተኛ ስለ ዝዀኑን ምስ ሰባት ንምውጋእ ኣጽዋር ስለ ዘይዕጠቑን፡ ብዙሓት ተኣሲሮም ኣለዉ። ይኹን እምበር፡ ኣብኡ እውን እንተ ዀነ፡ ደብዳበ ብምጽሓፍን ካልእ ነገራት ብምግባርን ጽቡቕ ምስክርነት ንምሃብ ይጽዕሩ እዮም
ደቡብ ኮሪያ
ብዝሒ ህዝቢ
48,184,000
ኣስፋሕቲ
100,059
ዝሓለፈ ዓመት እተኣስሩ
731
ኣብ ነፍሲ ወከፍ ወርሒ ኣብ ኣገልግሎት ዘሕለፍዎ ሰዓታት
9,000