ትሕዝቶ
15 ሕዳር 2012
© 2012 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania. All rights reserved.
ሕታም መጽናዕቲ
ዓንቀጻት መጽናዕቲ
24-30 ታሕሳስ 2012
31 ታሕሳስ 2012–6 ጥሪ 2013
7-13 ጥሪ 2013
14-20 ጥሪ 2013
የሆዋ ይቕረ በሃሊ ምዃኑ፡ ንዓኻ እንታይ ትርጕም ኣለዎ፧
21-27 ጥሪ 2013
ዕላማ ዓንቀጻት መጽናዕቲ
ዓንቀጽ መጽናዕቲ 1 ገጽ 3-7
እቲ ንጉስ ጥንታዊት እስራኤል ዝነበረ ዳዊት፡ ንስምን ንዕላማን የሆዋ ኽብ ኣቢሉ ይርእዮ ነበረ። ብዘይካዚ፡ ከምቲ እዛ ዓንቀጽ እዚኣ እትገልጾ፡ ንመሰረታዊ ስርዓት ሕጊ ሙሴ ይርድኦ፡ የሆዋ ፍቓዱ ንኺምህሮ ኸኣ ይጽሊ ነበረ። ብዘይካዚ፡ እዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ ነዚ ነጥብታት እዚ ኽትሽፍኖ እያ፣ ወትሩ ኸም ናይ የሆዋ ዓይነት ኣረኣእያ ኺህልወና ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ ምዃኑ ንኽንርዳእ ከኣ ክትሕግዘና እያ።
ዓንቀጻት መጽናዕቲ 2, 3 ገጽ 10-19
ናይ ሓቂ ክርስትያናት፡ ሰዓብቲ የሱስ ከም ምዃኖም መጠን፡ ትሑታት ኪዀኑ ኣለዎም። እታ ናይ መጀመርታ ዓንቀጽ፡ ብዛዕባ እቲ የሱስ ንኽንስዕቦ ኢሉ ዝሃበና ኣርኣያ ትሕትና ትምርምር። እታ ኻልአይቲ ዓንቀጽ ከኣ፡ ብኸመይ መንፈስ ትሕትና ኸነማዕብል ከም እንኽእልን ብኸመይ ኣብ ህይወትና ኸም እነንጸባርቖን ትገልጽ።
ዓንቀጻት መጽናዕቲ 4, 5 ገጽ 21-30
እዘን ዓንቀጻት እዚአን፡ የሆዋ ኸቢድ ሓጢኣት እውን ይቕረ ኸም ዚብል ንኽንርዳእ ኪሕግዛና እየን። ኣብ ገሊኡ ዅነታት፡ ይቕረ ምባል ኪኸብደና ይኽእል እኳ እንተ ዀነ፡ ቅዱስ ጽሑፋዊ ስርዓታት ግና ንኣሉታዊ ስምዒታትና ንኽንሰግሮ ኺሕግዘና ይኽእል እዩ።
ካልእ ኣብዛ ሕታም እዚኣ
31 ካብ መዛግብትና
ገበር፦ ኣብታ ኣብ ማእከላይ ስጳኛ ኣብ ኣልባራሲን እትርከብ ንእሽቶ ሓውሲ ኸተማ ዚግበር ዕዮ ስብከት። እታ ንኣልባራሲንን ን188 ከተማታትን ኣቝሻትን እተጠቓልል ጉባኤ ተሩወል፡ 78 ኣስፋሕቲ ኣለውዋ
ስጳኛ
ብዝሒ ህዝቢ
47,042,900
ኣስፋሕቲ
111,101
ቍጽሪ ተኣከብቲ በዓል ዝኽሪ 2012
192,942