ትሕዝቶ
15 መስከረም 2012
© 2012 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania. All rights reserved.
ሕታም መጽናዕቲ
ዓንቀጻት መጽናዕቲ
22-28 ጥቅምቲ 2012
29 ጥቅምቲ 2012–4 ሕዳር 2012
5-11 ሕዳር 2012
12-18 ሕዳር 2012
“እታ . . . መዓልትን ሰዓትን ኣይትፈልጡን ኢኹም”
19-25 ሕዳር 2012
ዕላማ ዓንቀጻት መጽናዕቲ
ዓንቀጻት መጽናዕቲ 1, 2 ገጽ 3-12
ኣብዚ ቐረባ ዓመታት ኣገደስቲ ነገራት ኪፍጸም እዩ። እዘን ዓንቀጻት እዚኣተን ከነተኵረሉ ዚግባእ ዓሰርተ ፍጻመታት የጕልሓ። እቲ ሓሙሽተ ፍጻመታት ምስ ጥፍኣት ናይ ሰይጣን ዓለም እተተሓሓዘ ኪኸውን ከሎ፡ እቲ ሓሙሽተ ኸኣ ምስ ሓዳስ ዓለም እተተሓሓዘ እዩ።
ዓንቀጽ መጽናዕቲ 3 ገጽ 18-22
እዚ እኩይ ኣገባብ ጠፊኡ ሓዳስ ዓለም ኪመጽእ፡ ኵላትና ሃረር ንብል ኢና። ንኣዋርሕ ወይ ንዓመታት እኳ እንተ ተጸበኻ፡ ክትዕገስ ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧ እዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ ትዕግስቲ ኸነማዕብል ትሕግዘና እያ።
ዓንቀጽ መጽናዕቲ 4 ገጽ 23-27
ኵሎም ህዝቢ ኣምላኽ እዚ እኩይ ስርዓት እዚ ኺጠፍእ ሃረር ይብሉ እዮም። እዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ ነቲ መወዳእታ ዚመጽኣሉ መዓልቲ ወይ ሰዓት ዘይምፍላጥና፡ ረብሓታት ከም ዘለዎ ትገልጽ።
ዓንቀጽ መጽናዕቲ 5 ገጽ 28-32
ዓበይቲ ኣኼባታት ካብ ቅድም ኣትሒዙ መዳይ ንጹህ ኣምልኾ ዀይኑ ጸኒሑ እዩ። እዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ ኣብ ግዜ መጽሓፍ ቅዱስ ኰነ ኣብዚ ግዜና ንእተራእየ ጕሉሕ መንፈሳዊ ኣኼባታት ተብርህ። ኣብዚ ኣኼባታት እዚ ምእካብና እንታይ ረብሓታት ከም ዘለዎ ኸኣ ትገልጽ።
ካልእ ኣብዛ ሕታም እዚኣ
13 ቲኦክራስያዊ ኣብያተ ትምህርቲ—መግለጺ ፍቕሪ የሆዋ
ገበር፦ ኣብ ፊሊፒንስ ዚነብሩ ኣሕዋት ንዅሎም ሰባት ኪበጽሕዎም ጻዕሪ ይገብሩ እዮም። ንኣብነት፡ እዚ ስእሊ እዚ፡ ኣብ ሰሜን ሉዞን ዚነብሩ ኣሕዋት ነዚ ብሽክለታ ሞተር ዚዝውር ሰብኣይ ኪምስክሩሉ ኸለዉ የርኢ
ፊሊፒንስ
ኣብ ፊሊፒንስ ዚነብሩ ኣስፋሕቲ
177,635
ስሩዓት ፈለምቲ
29,699
ኣብ 2011 እተጠምቁ
8,586
ጽሑፋትና ዚትርጐመሉ ቛንቋታት
21