ኣታዊኻ እኳ እንተ ነከየ፡ ብኸመይ ክትናበር ትኽእል፧
ኦቤድ ኣቦ ኽልተ ቘልዑ እዩ። ንዓሰርተ ዓመት ኣብ ሓደ ኣብ ሓንቲ ዓባይ ከተማ ኣፍሪቃ ዚርከብ ብዓል ሓሙሽተ ኰዀብ ሆቴል ይሰርሕ ነበረ፣ ንናብራ ዚኸውን ድማ ስኢኑ ኣይፈልጥን ነበረ። ሓሓሊፉ ንስድራ ቤቱ ናብቲ እንስሳ ዘገዳም ዚርከቡሉ ፓርክ ሒዝዎም ኪኸይድ ዜኽእሎ ዓቕሚ እውን ነበሮ። ይኹን እምበር፡ ዓማዊል እቲ ዚሰርሓሉ ዝነበረ ሆቴል ብምንካዩ ኻብ ስራሑ ምስ ወጸ፡ ህይወቱ ተቐየረ።
ስቴፈን ንልዕሊ 22 ዓመት ኣብ ሓደ ዓብዪ ባንክ ኪሰርሕ ድሕሪ ምጽናሑ፡ ኣካያዲ ስራሕ ኰነ። እቲ ዚሰርሓሉ ዝነበረ ትካል ከኣ፡ ዓብዪ ቤትን ማኪናን ናይ ገዛ ሰራሕተኛታትን ሃቦ፣ ንደቁ ኸኣ ኣብ ክቡር ኣብያተ ትምህርቲ የምህረሉ ነበረ። እቲ ባንክ ኣብ ኣሰራርሕኡ ለውጢ ምስ ገበረ ግና፡ ስቴፈን ካብ ስራሕ ወጸ። “ኣነን ስድራ ቤተይን ኣመና ሰምበድና። ብጭንቀትን ብምረትን ብፍርህን ከኣ ተወሓጥኩ” በለ።
እዚ ኣብ ላዕሊ ዝረኣናዮ ተመክሮታት፡ ዘይተለምደ ኣይኰነን። ኣብ መላእ ዓለም ዜጋጥም ዘሎ ቝጠባዊ ዝሕታለ፡ ነቶም ቀዋሚ ኣታዊ ዝነበሮም ብሚልዮናት ዚቝጸሩ ሰባት፡ ስራሖም ከም ዚስእኑ ገይርዎም እዩ። እቶም ብብዙሕ ጻዕሪ ስራሕ ዝረኸቡ እውን እንተ ዀኑ፡ ምስቲ እናወሰኸ ዚኸይድ ዘሎ ዋጋታት ዚመዓራረ ኣታዊ የብሎምን። ዝማዕበለት ትኹን ዘይማዕበለት ብዘየገድስ፡ ቍጠባዊ ዝሕታለ ዘየጋጥማ ሃገር የላን።
ጥበበኛ ኹን
ኣታዊና ምስ ዚንኪ ወይ ምስ ዜቋርጽ፡ ብቐሊሉ ብኣሉታዊ ኣተሓሳስባ ኽንወሓጥ ንኽእል ኢና። ከም እንሻቐል እውን ፍሉጥ እዩ። ይኹን እምበር፡ ሓደ ጥበበኛ ሰብኣይ፡ “ብመዓልቲ መከራ እንተ ተሐለልካ፡ ሓይልኻ ቕሩብ እዩ” ኢሉ ነይሩ እዩ። (ምሳሌ 24:10) ስለዚ፡ ቍጠባዊ ቕልውላው ኣብ ዜጋጥመሉ እዋን፡ ኣብ ክንዲ ኣመና እንሻቐል፡ ነቲ ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ፡ ‘ግብራዊ ጥበብ ኣርንብ’ ዚብል ምኽሪ ኽንስዕቦ ኣሎና።—ምሳሌ 2:7፡ NW።
መጽሓፍ ቅዱስ ንቝጠባዊ ጕዳያት ብዚምልከት መምርሒ ዚህብ መጽሓፍ እኳ እንተ ዘይኰነ፡ ንዕኡ ብዚምልከት ዚህቦ ግብራዊ ምኽሪ ግና፡ ኣብ መላእ ዓለም ንዚነብሩ ሚልዮናት ሰባት ሓጊዝዎም እዩ። ንገለ ኻብቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዚህቦ መሰረታዊ ስርዓታት እስከ ንመርምሮ።
ወጻኢታትካ ጸብጽብ። ነቲ ኣብ ሉቃስ 14:28 ዚርከብ፡ “ካባኻትኩምከ፡ ምስራሕ ግምቢ ዚደሊ እሞ . . . መወድኢኡ ዚአኽሎ ገንዘብ እንተለዎ፡ ቅድም ተቐሚጡ ዘይጽብጽብ፡ እንታዋይ እዩ፧” ዚብል ቃላት የሱስ ነስተብህለሉ። ነቲ ኣብዚ ቓላት እዚ ዚርከብ መሰረታዊ ስርዓት ምትግባር፡ ባጀት ምውጻእን ንዕኡ ምስዓብን የጠቓልል። ኰይኑ ግና፡ ከምቲ ኦቤድ ዝገለጾ፡ እዚ ኣጸጋሚ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ንሱ፡ “ካብ ስራሕ ቅድሚ ምውጽአይ፡ ዘየድልየና ነገራት ንዕድግ ነበርና። ዝደለናዮ ነገራት ክንዕድግ ዜኽእለና ገንዘብ ስለ ዝነበረና፡ ብዛዕባ ባጀት ምውጻእ ኣይንግደስን ኢና ኔርና” በለ። ኣቐዲምካ መደብ ምውጻእ፡ ኣታዊኻ ንኸተካውን ይሕግዘካ እዩ።
ኣነባብራኻ ኣተዓራሪ። ብትሑት ኣታዊ ምንባር ኣጸጋሚ እኳ እንተ ዀነ፡ ኣገዳሲ እዩ። ሓደ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ምሳሌ፡ “ኣስተውዓሊ ሰብሲ እከይ ይርኢ እሞ ይሕባእ” ይብል። (ምሳሌ 22:3) ስቴፈን፡ “ገንዘብ ምእንቲ ኽንቍጥብ፡ ናብቲ ንእሽቶን ውሽጡ ዘይተዛዘመን ቤትና ኽንግዕዝ ነይሩና። ደቅና ኸኣ ጽቡቕ ትምህርቲ ናብ ዚወሃበሉ ግናኸ ትሑት ናብ ዝዋጋኡ ቤት ትምህርቲ ኪቕይሩ ነበሮም” በለ።
ኣነባብራኻ ንኸተተዓራሪ ኣብ እትሓስበሉ እዋን ምእንቲ ኽትዕወት፡ ምስ ኣባላት ስድራ ቤትካ ብንጹር እሂን ምሂን ክትበሃሃል ኣሎካ። ኣብ ሓደ ቝጠባዊ ትካል ንትሽዓተ ዓመት ድሕሪ ምስራሑ ኻብ ስራሕ ዝወጸ ኦስቲን ከምዚ በለ፦ “ኣነን ሰበይተይን ኮፍ ኢልና፡ ነቲ ብሓቂ ዜድልየና ነገራት ጸሓፍናዮ። ክቡር ኣስቤዛ ምዕዳግ፡ ብዙሕ ወጻኢ ዘለዎ እዋን ዕረፍቲ ምሕላፍ፡ ከምኡውን ዘየድሊ ኽዳውንቲ ምግዛእ ከነቋርጾ ነበረና። እዚ ዅሉ ምትዕርራይ ክንገብር ከለና፡ ስድራ ቤተይ ስለ እተሓባበሩኒ ኣዝየ እየ ተሓጒሰ።” ሓቂ እዩ፡ ቈልዑ ነቲ ዚግበር ምትዕርራይ ከይርድእዎ ይኽእሉ እኳ እንተ ዀኑ፡ ወለዲ ግና ኪሕግዝዎም ይኽእሉ እዮም።
ስራሕ ኣይትንዓቕ። ናይ ቤት ጽሕፈት ስራሕ ለሚድካ እንተ ጸኒሕካ፡ ናይ ጕልበት ስራሕ ኪኸብደካ ይኽእል እዩ። ኦስቲን፡ “ኣብ ዓብዪ ትካል ከም ኣካያዲ ስራሕ ኰይነ እሰርሕ ስለ ዝነበርኩ፡ ትሑት ስራሕ ምስራሕ ብስነ ኣእምሮኣዊ መዳይ ኣመና ኸበደኒ” በለ። መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ምሳሌ 29:25፡ “ንሰብ ምፍራህ ኣብ መፈንጠራ የእቱ” ስለ ዚብል፡ እዚ ኣየገርምን እዩ። ኰይኑ ግና፡ ካልኦት እንታይ ከይብሉኒ ኢልካ ምፍራህ፡ ድራር ዕለት ንኽትረክብ ኣይሕግዘካን እዩ። ንኸምዚ ዝኣመሰለ ኣሉታዊ ኣተሓሳስባ ንኽትዋጽኣሉ እንታይ ኪሕግዘካ ይኽእል፧
ትሕትና ኣገዳሲት እያ። ኦቤድ ካብቲ ኣብ ሆቴል ዝነበሮ ስራሕ ምስ ወጸ፡ ቀደም መሳርሕቱ ዝነበረ፡ ምስኡ ኣብ ጋራዥ ኪሰርሕ ሓተቶ። እቲ ስራሕ፡ ንማካይን ዚኸውን ሕብርን ናውትን ንምዕዳግ ንነዊሕ ሰዓታት ኣብ ዶራን መገዲ ብእግርኻ ምኻድ ዚሓትት ነበረ። ኦቤድ፡ “ዋላ እኳ ነቲ ስራሕ እንተ ዘይፈተኽዎ፡ ካልእ ኣማራጺ ግና ኣይነበረንን። ካብቲ ቕድሚኡ ዝኽፈሎ ዝነበርኩ ብኣርባዕተ ኢድ ዚንእስ ግናኸ ንስድራ ቤተይ ዜድልዮም ነገራት ንኸማልኣሎም ዜኽእለኒ ስራሕ ንኽሰርሕ፡ ትሕትና ሓጊዛትኒ እያ” በለ። ንስኻኸ ኸምኡ ዓይነት ኣረኣእያ ብምሓዝ ጥቕሚ ኽትረክብ ትኽእልዶ፧
ዕጉብ ኩን። ሓደ መዝገበ ቓላት ንሓደ ዕጉብ ሰብ፡ “ሕጉስን በቲ ዘለዎ ዅነታት ዕጉብን” ከም ዝዀነ ገሊጹ ነበረ። እዚ መግለጺ እዚ፡ ንሓደ ቝጠባዊ ጸገም ዘለዎ ሰብ፡ ዘይመስል ኰይኑ ኺረኣዮ ይኽእል እዩ። ይኹን እምበር፡ እቲ ምስኣን እንታይ ማለት ምዃኑ ዚፈልጥ ዝነበረ ሃዋርያ ጳውሎስ፡ “ኣነስ በቲ ዘሎኒ ይአኽለኒ ምባል ተምሂረ እየ፡ . . . ትሕት ምባል እፈልጥ፡ ሕልፍን ትርፍን እፈልጥ እየ” በለ።—ፊልጲ 4:11, 12።
ምናልባት ሕጂ ዘለናሉ ዅነታት ዝሓሸ ኪኸውን ይኽእል እኳ እንተ ዀነ፡ ብምኽንያት እዚ ዘለናሉ ተቐያያሪ ግዜ፡ ኵነታትና ዝኸፍአ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ስለዚ፡ ነቲ ጳውሎስ ብመንፈስ ኣምላኽ ተደሪኹ ዝበሎ ኣብ ልብና ኸነሕድሮ ኣሎና፣ ንሱ፡ “ኣምልኾ ምስ ይአኽለኒ ምባል ዓብዪ ረብሓ እዩ። ቀለብናን ክዳንናን እንተ አሎናስ፡ ንሱ ይእከለና” በለ። ከምኡ ኺብል ከሎ፡ ህኩያት ንኽንከውን ዘይኰነስ፡ ነቲ ብስጋ ዜድልየና ነገራት ኣብ ግቡእ ቦታኡ ኽንሰርዖ ኸም ዘሎና ንምትብባዕ እዩ ነይሩ።—1 ጢሞቴዎስ 6:6, 8።
ምንጪ ናይ ሓቂ ሓጐስ
ናይ ሓቂ ሓጐስ፡ ዝደለናዮ ብምርካብ ወይ ምሹእ ናብራ ብምንባር ኣይኰነን ዚርከብ። የሱስ፡ “ካብ ምቕባልሲ ምሃብ ኣዝዩ ይባረኽ” ኢሉ ነይሩ እዩ። እወ፡ ሓጐስን ዕግበትን፡ ንኻልኦት ብምሕጋዝን ብምትብባዕን እዩ ዚርከብ።—ግብሪ ሃዋርያት 20:35።
እቲ ፈጣሪና ዝዀነ የሆዋ ኣምላኽ፡ ዜድልየና ዘበለ ይፈልጥ እዩ። በቲ ቓሉ ዝዀነ መጽሓፍ ቅዱስ ኣቢሉ፡ ንብዙሓት ዝሓገዞምን ካብ ዘየድሊ ጭንቀት ዝሰተሮምን ግብራዊ ምኽሪ ሂቡና ኣሎ። ሓቂ እዩ፡ ነቲ ምኽሪ ስለ ዝሰዓብናዮ፡ ቍጠባዊ ዅነታትና ብሃንደበት ይፍታሕ እዩ ማለት ኣይኰነን። ኰይኑ ግና፡ የሱስ ነቶም “ቅድም መንግስቲ ኣምላኽን ጽድቁን” ዚደልዩ ሰባት፡ ዜድልዮም ዘበለ ነገራት በብመዓልቱ ኸም ዚወሃቦም ኣረጋጊጹሎም ነይሩ እዩ።—ማቴዎስ 6:33።