ትሕዝቶ
15 ሚያዝያ 2012
© 2012 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania. All rights reserved.
ሕታም መጽናዕቲ
ዓንቀጻት መጽናዕቲ
28 ግንቦት 2012–3 ሰነ 2012
4-10 ሰነ 2012
ጥልመት—ኣብ ዳሕሮት መዓልትታት ንነብር ከም ዘለና ዚሕብር ምልክት
11-17 ሰነ 2012
18-24 ሰነ 2012
የሆዋ ንህዝቡ ብኸመይ ከም ዜድሕኖም ይፈልጥ እዩ
25 ሰነ 2012–1 ሓምለ 2012
ዕላማ ዓንቀጻት መጽናዕቲ
ዓንቀጽ መጽናዕቲ 1 ገጽ 3-7
የሱስ ንደቀ መዛሙርቱን ንኻልኦት ሰባትን ብዛዕባ ኣቦኡ ዝገለጸሎም በየናይ ክልተ መገድታት እዩ ነይሩ፧ ንኻልኦት ብዛዕባ ኣቦ ብምግላጽ፡ ንየሱስ ክንመስሎ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧ እዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ ነዘን ሕቶታት እዚኣተን ክትምልሰን እያ።
ዓንቀጽ መጽናዕቲ 2 ገጽ 8-12
ኣብዛ ዘለናላ ዓለም፡ ጥልመት ኣስፋሕፊሑ እዩ ዘሎ፣ ኰይኑ ግና፡ ሰላምን ሓድነትን ናይታ ክርስትያናዊት ስድራ ቤትን ጉባኤን በዚ ባህርይ እዚ ንኺዝረግ ክንፈቅድ የብልናን። እዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ ንኣምላኽን ንሓድሕድናን እሙናት ክንከውን ከም እንኽእል ክትገልጽ እያ።
ዓንቀጽ መጽናዕቲ 3 ገጽ 13-17
ንየሆዋ ብፍጹም ልቢ ኸም እነገልግሎ ኸነርኢ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧ ንልብና ኻብ ምንታይ ሓደጋ ኢና ኽንሕልዎ ዘሎና፧ ንየሆዋ ብፍጹም ልቢ ንኸነገልግሎ ኺሕግዘና ዚኽእልከ እንታይ እዩ፧ ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ መልሲ እዚ ሕቶታት እዚ ኽትረክብ ኢኻ።
ዓንቀጻት መጽናዕቲ 4, 5 ገጽ 22-31
ኣብ ብርቱዕ “መከራ፡” ህዝቢ ኣምላኽ ቀንዲ ዕላማ መጥቃዕቲ ኪዀኑ እዮም። (ማቴ. 24:21) የሆዋ ኸም ዜድሕነና ርግጸኛታት ክንከውን እንኽእል ስለምንታይ ኢና፧ የሆዋ፡ ኣብዚ ንመወዳእታ እንጽበየሉ ዘለና እዋን ንጽህናና ንኽንሕሉ ዚሕግዘና ብኸመይ እዩ፧ ኣብዘን ዓንቀጻት እዚኣተን፡ እምነት ዜደልድል መልሲ ኽትረክብ ኢኻ።
ካልእ ኣብዛ ሕታም እዚኣ
18 ንሰብዓ ዓመት፡ ዘፈር ክዳን ኣይሁዳዊ ሓዝኩ
32 ትዝክሮዶ፧
ገበር፦ ሓንቲ ሓብቲ ኣብቲ ኣብ ኢኳልዪት፡ ኑናቩት፡ ካናዳ ዚርከብ ብበረድ እተሸፈነ ገማግም ልሳን ባሕሪ ፍሮቢሸር፡ ብቛንቋ ኢኑክቲቱት እተዳለወ ብሮሹር ከተበርክት ከላ
ካናዳ
ብዝሒ ህዝቢ
34,017,000
ኣስፋሕቲ
113,989
ዕዮ ትርጕም
ቤት ጽሕፈት ጨንፈር ካናዳ፡ ነቲ ብ12 ቛንቋ ደቀባት ዚካየድ ዕዮ ትርጕም ብሓላፍነት ይከታተሎ