ትሕዝቶ
15 ሕዳር 2011
ሕታም መጽናዕቲ
ኣብዚ ሰሙናት ዚጽናዕ ዓንቀጻት መጽናዕቲ፦
26 ታሕሳስ 2011–1 ጥሪ 2012
ገጽ 6
ዚዝመር መዝሙራት፦ 49, 23
2-8 ጥሪ 2012
ገጽ 10
ዚዝመር መዝሙራት፦ 52, 6
9-15 ጥሪ 2012
ገጽ 16
ዚዝመር መዝሙራት፦ 40, 26
16-22 ጥሪ 2012
ገጽ 24
ዚዝመር መዝሙራት፦ 42, 1
23-29 ጥሪ 2012
ንኻልኦት፡ ሓላፍነት ንምስካም ድሌት ንኺሓድሮም ሓግዝዎም
ገጽ 28
ዚዝመር መዝሙራት፦ 45, 10
ዕላማ ዓንቀጻት መጽናዕቲ
ዓንቀጽ መጽናዕቲ 1 ገጽ 6-10
ነቲ መሰናድዎ ኣምላኽ ዝዀነ ጸሎት ምሉእ ብምሉእ ትጥቀመሉዶ ኣሎኻ፧ ዜጨንቕ ኵነታት ኬጋጥመካ ኸሎ፡ ኣገዳሲ ውሳነታት ክትገብር ከለኻ፡ ወይ ብፈተና ንኸይትስነፍ ክትቃለስ ከለኻ፡ ጸሎት ብኸመይ ኪሕግዘካ ኸም ዚኽእል ተምሃር።
ዓንቀጽ መጽናዕቲ 2 ገጽ 10-14
ሃዋርያ ጳውሎስ ነቶም ኣብ ሮሜ ዝነበሩ ክርስትያናት ህይወትን ሰላምን ምእንቲ ኺረኽቡ ብሓሳቦም ኣብ ምንታይ ከተኵሩ ኸም ዘለዎም ነጊርዎም እዩ። ካብቲ ዝሃቦም ምኽሪ ብኸመይ ክትጥቀም ከም እትኽእል ተምሃር።
ዓንቀጻት መጽናዕቲ 3 ገጽ 16-20
ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ ጥንቲ ዝነበሩ እሙናት ሰባት ብኸመይ ከም “ስደተኛታት” ኰይኖም ይነብሩ ኸም ዝነበሩ ተገሊጹ ኣሎ። እቶም ቀዳሞት ሰዓብቲ የሱስ እውን ከም “ስደተኛታት” ኰይኖም እዮም ዚነብሩ ነይሮም። ብዛዕባ እዞም ሎሚ ዘለዉ ናይ ሓቂ ክርስትያናትከ እንታይ ኪበሃል ይከኣል፧ ኣብዛ እክይቲ ዓለም ከም ስደተኛ ዄንካ ምንባር ኪበሃል ከሎ እንታይ ማለት ምዃኑ ተምሃር።
ዓንቀጻት መጽናዕቲ 4, 5 ገጽ 24-32
ኣብ መንፈሳዊ ጉዳያት መሪሕ ግደ ኺህልዎም ዚኽእሉ ሰብኡት ይድለዩ ኣለዉ። የሱስ ንሓያሎ ሰብኡት ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ኪሰምዑ፡ ቀጺሎም ከኣ ንሓላፍነት ኪበቕዑ ሓጊዝዎም እዩ። ንሕና እውን ነቲ ንሱ እተጠቕመሉ ሜላታት ብምጽናዕ፡ ነቶም ኣብ ኣገልግሎት እንረኽቦም ሰብኡት ብኸመይ ክንሕግዞም ከም እንኽእል፡ ነቶም ኣብ ጉባኤ ዘለዉ እተጠመቑ ሰብኡት ድማ ኣብ ውድብ የሆዋ ሓላፍነት ምእንቲ ኺስከሙ ብኸመይ ክንድግፎም ከም እንኽእል ክንመሃር ኢና።
ካልእ ኣብዛ ሕታም እዚኣ
15 “ ሕጂ ስንክልቲ እየ፡ ንዘለኣለም ግና ኣይኰነን!”