ካብ መክሲኮ እተላእከት ደብዳበ
“ዋላ እኳ ህንዳውያን እንተ ዀንና፡ የሆዋ የፍቅረና ድዩ፧”
መለስዮ ዚበሃል ቋንቋ ኦኦዳም ዚዛረብ ሰብኣይ፡ ስራሕ ኪረክብ ኢሉ፡ ሓሓሊፉ ኻብቲ ዚነብረሉ ኣኽራን ይመጽእ ነበረ። ኪመጽእ ከሎ ኸኣ፡ ኣብ ክርስትያናዊ ኣኼባታት ይእከብን ንደቂ ዓዱ ኺህቦም ኢሉ መጽሓፍ ቅዱሳዊ ጽሑፋት ይወስድን ነበረ። ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስ ምእንቲ ኺመሃሩ፡ ካባና ሰብ ኪበጽሖም እውን ለመነና።
ካብ ካልኦት ተገሊሎም ዚነብሩ ቐቢላ ኦኦዳም፡ ኣብቲ ኣብ ሰሜን ማእከላይ መክሲኮ ዚርከብ ሰንሰለት ኣኽራን እዮም ዚነብሩ፣ ካብታ ዝቐረበት ጉባኤ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ከኣ፡ ኣስታት 240 ኪሎ ሜተር ዚኣክል ርሒቖም ይርከቡ። ገሌና ኽንበጽሖም ወሰንና።
ማኪናን ድንኳናትን መደቀስን ንሰለስተ መዓልቲ ዚኣክል ምግብን ነዳድን ሒዝና፡ ካብ ከተማ ዱራንጎ ነቐልና። ሰዓት ኣርባዕተ ናይ ንግሆ ተበጊስና፡ ንሸሞንተ ሰዓት በቲ ናብ ኣኽራን ዜደይብ ዶራን መገዲ ተጓዓዝና። ኣብ መወዳእታ፡ ናብ ዞባ ኦኦዳም ኣተና። ገና ብድሕሪኡ ዓሚቝ ስንጭሮን ካልእ ከረንን ይጽበየና ነበረ።
ነታ ማኪና ኣብ ሓደ ደምበ ሓዲግና፡ ንዚቕጽል ሰለስተ ሰዓት ጾርና ተሰኪምና ናብ እግሪ እቲ ስንጭሮ ብእግርና ወረድና። ኣብኡ መሕደሪ ድሕሪ ምስራሕ፡ ንመጋርያ ዚዀነና ዕንጨይቲ ኣራረና፣ ድሕሪኡ፡ ኣራዊት ምእንቲ ኸይቀርቡና፡ ገሌና እናደቀስና፡ ገሌና ኸኣ በብናይ ሰለስተ ሰዓት እብረ እናተበራረና፡ ነቲ መጋርያ ኣንደድናዮ።
ንጽብሒቱ ኣንጊህና ተንሲእና፡ ነቲ ኸረን ክንድይቦ ጀመርና። ሓያሎ መገድታት ስለ ዝነበረ፡ ብተደጋጋሚ መገዲ ሰሓትና። ሓደ ኻባና ቝሩብ ቋንቋ ኦኦዳም ይኽእል ስለ ዝነበረ፡ ንእግረ-መገድና ኣብ ዚርከባ ኣባይቲ ንዚነብሩ ሰባት መልእኽቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኣካፈልናዮም። እቲ ዜገርም ከኣ፡ ገሊኦም ሰባት ኣብቲ እንኸዶ ዝነበርና ሎስ ኣሬናሌስ፡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኢና ዚብሉን መጽሓፍ ቅዱሳዊ ኣኼባታት ዚገብሩን ከም ዘለዉ ነገሩና። እዚ ዘይተጸበናዮ እኳ እንተ ዀነ፡ ኣተባቢዑና እዩ።
ናብ ሎስ ኣሬናሌስ፡ ኣእጋርና ማይ ምዒጉ በጻሕና። እቲ ማሕበረሰብ፡ ብጥረ-ሕጡብ ኣብ እተሃንጸን ብካርቶን እተሰርሐ ናሕሲ ኣብ ዘለዎን ፋሕ ዝበለ ኣባይቲ እዩ ዚነብር። ቤት ትምህርቲ ዀነ ኤለክትሪክ የብሉን። እቶም ህዝቢ፡ ካብ ካልእ ክፋል ዓለም እተገለሉ ስለ ዝዀኑ፡ ብዕፉን እተሰርሐ እንጌራ ምስ ንእሽቶ መማቕርቲ እናበልዑ ኣብ ሕማቕ ድኽነት እዮም ዚነብሩ። ነቲ ሽንቅጥ ዝበለ መለስዮ ረኸብናዮ፣ ንሱ እውን ምስ ረኣየና፡ ኣዝዩ ተሓጐሰ። ናብታ ንእሽቶ ቤቱ ዓደመና፣ ስድራ ቤቱን ካልኦት ደቂ ኦኦዳምን መጽሓፍ ቅዱስ ምእንቲ ኺመሃሩ፡ የሆዋ ንመሰኻኽሩ ኺልእኽ መዓልታዊ ይጽሊ ኸም ዝነበረ ነገረና። ኵሉ ሕቶታቶም ኪምልሰሎም ዘይክእል ኰይኑ ተሰሚዕዎ ነበረ።
ህዝቢ ኦኦዳም ሻማንነት ዚበሃል ዓይነት እምነት እዮም ዚስዕቡ። ከም ክንቲትን ዓጽምን ንስሪ ዝኣመሰለ ነገራት ንስራይ ይጥቀሙ፣ ንሓይልታት ተፈጥሮ የምልኹ፣ ነቶም ሻማን ዚበሃሉ ዚምዝምዝዎም ካህናቶም እናፈርሁ ኸኣ ይነብሩ። መለስዮ ናብ ከተማ ኣብ ዝኸደሉ እዋን፡ የሆዋ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ምዃኑ ስለ እተማህረ፡ ንዅሉ እቲ ምስ ኣምልኾ ጣኦት እተተሓሓዘ ኣቕሑ ኣወገዶ። እቶም ማሕበረሰቡ ኸኣ፡ ብኣማልኽቲ ኪቕዘፍ ተጸበዩ። ዋላ ሓንቲ ኸይኰነ ምስ ተረፈ፡ የሆዋ ኻብ ኣማልኽቶም ዝሓየለ ምዃኑ ተገንዘቡ። በዚ ምኽንያት እዚ ድማ፡ በቲ መለስዮ ብጽሑፋትና ገይሩ ንስድራ ቤቱ ኣብ ዚመርሓሎም መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኪእከቡ ጀመሩ።
መለስዮ፡ “ፈለማ፡ ኵሉ ኽታባቶምን ጣኦታቶምን ኬቃጽሉ ኸም ዘለዎም ነጊረዮም እየ” በለና። ብዙሓት ነቲ ማሪታዊ ፍርሆም ኬሰንፉ ጀመሩ፣ ቍጽሪ እቶም ተኣከብቲ ድማ ናብ 80 በጽሐ። በዚ ተደኒቕና፡ በታ መዓልቲ እቲኣ፡ ድሕሪ ቐትሪ ኣኼባ ኺግበር ወሰንና። ነቶም ኣዘውቲሮም ኣብ ቤት መለስዮ ዚእከቡ ሰባት፡ ብፈረሰኛታት ጌርና መልእኽቲ ለኣኽናሎም። ኣብ መንጎ ሰሙን እኳ እንተ ነበረ፡ ኣብ ውሽጢ ሓጺር እዋን 25 ሰባት ብእግርን ብኣድግን መጹ።
መለስዮ እናተርጐመ፡ ብሕቶን መልስን ጌርና መጽሓፍ ቅዱሳዊ ትምህርቲ ኣቕረብና። “ዋላ እኳ ህንዳውያን እንተ ዀንና፡ የሆዋ የፍቅረና ድዩ፧” “ብኦኦዳም ዚጽለ ጸሎት ይሰምዕ ድዩ፧” “ካብ ከተማታት ተገሊልና እንነብር እኳ እንተ ዀንና፡ ኣርማጌዶን ኣብ እትመጸሉ እዋን፡ የሆዋ ኣብ ግምት ኬእትወና ድዩ፧” ዚብልን ካልእ ከምኡ ዝኣመሰለ ሕቶታትን ኣቕረቡልና። ነዞም ትሑታት ህዝቢ እዚኣቶም፡ ዚዛረብዎ ቛንቋ ዀነ ኽሳዕ ክንደይ ግሉላት ምዃኖም ብዘየገድስ፡ የሆዋ ንትሑታት ከም ዚሓልየሎም፡ ብመጽሓፍ ቅዱስ ጌርና ተሓጒስና ኣረጋገጽናሎም። ድሕሪኡ፡ ዚምህሮም ሰብ ክንልእከሎም ለመኑና።
ድሕሪ እቲ ኣኼባ፡ ነቲ ሒዝናዮ ዝኸድና ምግቢ ምስቶም ሓደስቲ ፈተውትና ተማቒልና በላዕናዮ። ምስ መሰየ፡ እቲ ዓዲ በሪኽ ብምዃኑ፡ ብርቱዕ ቍሪ መጸ፣ ስለዚ ድማ፡ መሕደሪ እትዀነና ሓንቲ እትህነጽ ዝነበረት ክፍሊ ምስ ሃቡና፡ ብዙሕ ጠቐመትና። ንጽብሒቱ፡ ብኣቋራጭ መገዲ ገይሮም ናብ ማኪናና መርሑና፣ ካብኡ ኸኣ፡ ዋላ እውን እንተ ደኸምና፡ ዕግበት እናተሰምዓና ናብ ዱራንጎ ተመለስና።
ምስዞም ቅኑዓት ሰባት እዚኣቶም ምርኻብና ዓብዪ ኽብሪ እዩ ተሰሚዑና። መብዛሕትኦም ኬንብቡ፡ ኪጽሕፉ፡ ወይ ብስጳንኛ ኺዛረቡ ዘይክእሉ እኳ እንተ ዀኑ፡ ነቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ኪፈልጥዎን ኬምልኽዎን ግን ይደልዩ እዮም። ድሕሬና፡ ሽዱሽተ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ናብቲ ማሕበረሰብ እቲ ኸይዶም፡ ንሰለስተ ሰሙን ኣብኡ ጸኒሖም እዮም። ካብ ልቦም ንየሆዋ ኼገልግልዎ ንዚደልዩ 45 ዚኣኽሉ ሰባት ከኣ ብመንፈሳዊ መዳይ ሓጊዞምዎም እዮም። ኵሎም እቶም እተሓገዙ ሰባት እውን፡ ኣብ ኣኼባታት ኣዘውቲሮም ይእከቡ ኣለዉ።
ኣብ መወዳእታ ኸይጠቐስናዮ ኽንሓልፍ ዘይንደሊ ነገር ከኣ፡ እታ ኣብ ሎስ ኣሬናሌስ እትርከብ እንኮ ንእሽቶ ድኳን፡ ሽጋራ ምሻጥ ሓዲጋቶ ኣላ። ብዙሓት ሰባት መጽሓፍ ቅዱስ ድሕሪ ምጽናዖም፡ ሽጋራ ምትካኽ ስለ ዝገደፍዎ እዩ ኸምኡ ዀይኑ። ንመርዓኦም እውን ሕጋዊ ገይሮምዎ ኣለዉ።
[ኣብ ገጽ 24 ዘሎ ስእሊ]
መለስዮ ምስ ሰበይቱን ምስ ኣርባዕተ ደቁን ምስ ሓማቱን እተሳእሎ ስእሊ
[ኣብ ገጽ 25 ዘሎ ስእልታት]
ኣብ ሎስ ኣሬናሌስ ዚካየድ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስን ክርስትያናዊ ኣኼባን
[ኣብ ገጽ 25 ዘሎ ምንጪ ስእሊ]
Servicio Postal Mexicano, Correos de Mexico