ትፈልጥዶ፧
እቶም ብጳውሎስ ኣቢሎም ናብ ሰብ ፊልጲ ክርስትያናዊ ሰላምታ ዝለኣኹ “ኻብ ቤት ቄሳር ዘበሉ” ተባሂሎም ተጠቒሶም ዘለዉ ሰባት፡ እንታዎት እዮም ነይሮም፧
▪ ሃዋርያ ጳውሎስ ኣብ ከባቢ 60 ኽሳዕ 61 ድ.ክ. ኣብ ሮሜ ዀይኑ እዩ ናብ ጉባኤ ፊልጲ መልእኽቲ ጽሒፉ፣ እቲ ዝጠቐሶ ቄሳር ከኣ ሃጸይ ኔሮ እዩ ነይሩ። እቶም ኣብ ፊልጲ ንዝነበሩ ክርስትያናት ሰላምታ ዝለኣኹ ኣብ ቤት ኔሮ ዝነበሩ ሰባት ግን መን እዮም፧—ፊልጲ 4:22።
እቲ “ኻብ ቤት ቄሳር ዘበሉ” ዚብል ኣገላልጻ፡ ግድን ንናይ ቀረባ ዘመድ እቲ ሃጸይ ከም ዜመልክት ምሕሳብ ጌጋ እዩ። የግዳስ፡ ንዅሎም እቶም ነቲ ሃጸይ ዜገልግሉ ዝነበሩ ሰባት፡ እንተላይ ኣብ ሮሜን ኣብ ካልእ ግዝኣታትን ንዝነበሩ ባሮትን ናጻ ዝወጹ ሰባትን፡ ዜጠቓልል እዩ። ስለዚ፡ “ቤት ቄሳር” ብኣሽሓት ንዚቝጸሩ ኣገልገልቲ ዚሓቍፍ እዩ ነይሩ። ኣብ ቤተ መንግስቲ ዀነ ኣብ መሬትን ጥሪትን እቲ ሃጸይ፡ እተፈላለየ ምምሕዳራዊ ሓላፍነታት ዝነበሮም፡ ወይ ድማ ትሑት ስራሕ ዚሰርሑ እዮም ነይሮም። አረ ገሊኦምሲ ኣብ ምምሕዳር እቲ መንግስቲ ዓብዪ እጃም ዝነበሮም ኪዀኑ ይኽእሉ እዮም።
ኣብ ሮሜ ዝነበሩ ገሊኦም ኣገልገልቲ እቲ ሃጸይ ክርስትያናት ነይሮም ኪዀኑ ኣለዎም። ክርስትያን ዝዀኑሉ ምኽንያት፡ ሳላ እቲ ጳውሎስ ኣብ ሮሜ ዝሰበኾ ስብከት እንተ ዀይኑ ወይ እንተ ዘይኰይኑ ዚፍለጥ ነገር የልቦን። ዝዀነ ዀይኑ ግን፡ እዞም ሰባት እዚኣቶም ኣብ ጉባኤ ፊልጲ ፍሉይ ተገዳስነት ነበሮም። ፊልጲ፡ ጡረታ ዝወጹ ወተሃደራትን ሰራሕተኛታት መንግስትን ዚነብሩላ ግዝኣት ሮሜ ስለ ዝነበረት፡ ኣብታ ዓዲ ዝነበሩ ገሊኦም ክርስትያናት ፈተውቲ እቶም ብጳውሎስ ኣቢሎም ሰላምታ ዝለኣኹ ክርስትያናት ነይሮም ኪዀኑ ይኽእሉ እዮም።
እቲ ኣብ ሕጊ ሙሴ ተጠቒሱ ዘሎ፡ ሰብኣይ ንሰበይቲ ምዉት ሓዉ ኼእትዋ እተገብረ መሰናድዎ እንታይ እዩ ነይሩ፧
▪ ኣብ ጥንታዊት እስራኤል፡ ሓደ ሰብኣይ ወዲ ኸይወለደ እንተ ሞይቱ፡ ሓዉ ነታ መበለት ዝዀነት ሰበይቲ ሓዉ ኺምርዓዋ ነበሮ፣ እዚ ኸኣ መስመር ወለዶ እቲ ምዉት ንኪቕጽል ዚሕግዝ ውሉድ ንኺውለድ የኽእል ነበረ። (ዘፍጥረት 38:8) እዚ ስርዓት እዚ ኸኣ፡ ጸኒሑ ኣብ ሕጊ ሙሴ ተጠቓለለ። (ዘዳግም 25:5, 6) እቲ ኣብ መጽሓፍ ሩት ተጠቒሱ ዘሎ ቦኣዝ ዝወሰዶ ስጕምቲ ኸም ዚሕብሮ፡ ኣሕዋት እቲ ምዉት ብህይወት እንተ ዘየልዮም፡ ካልኦት ሰብኡት ዝዀኑ ኣዝማዱ ነቲ ሓላፍነት እቲ ይስከምዎ ነበሩ።—ሩት 1:3, 4፣ 2:19, 20፣ 4:1-6።
እቲ ኣብ ማርቆስ 12:20-22 ተመዝጊቡ ዘሎ ሰዱቃውያን እተዛረብዎ ሓሳብ፡ እቲ ስርዓት እቲ ብግዜ የሱስ እውን ከም ዝነበረ ዚሕብር እዩ። ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበረ ፍላቭየስ ጆሰፈስ ዝስሙ ጸሓፍ ታሪኽ ከም ዝገለጾ፡ እቲ ስርዓት እቲ ንስም ስድራ ቤት እቲ ምዉት ይዕቅብ ነይሩ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ንብረቱ ንስድራ ቤቱ ንኪኸውንን እታ መበለት ዚኣልያ ንኽትረክብን ዚሕግዝ እዩ ነይሩ። ኣብቲ ግዜ እቲ፡ ሰበይቲ፡ ርስቲ ሰብኣያ ኽትወርስ መሰል ኣይነበራን። ካብ ሓሙታ ዝወለደቶ ውሉድ ግን፡ ርስቲ እቲ ምዉት ኪወርስ ይኽእል ነበረ።
ብመሰረት ሕጊ ሙሴ፡ ኣዝማድ፡ ከምዚ ዝኣመሰለ መውስቦ ኻብ ምፍጻም ኪኣብዩ ይኽእሉ ነይሮም እዮም። ኰይኑ ግን፡ እቲ ‘ቤት ሓዉ ኺሰርሕ’ ፍቓደኛ ዘይኰነ ሰብ ይዋረድ ነበረ።—ዘዳግም 25:7-10፣ ሩት 4:7, 8።