ትሕዝቶ
15 ለካቲት 2011
ሕታም መጽናዕቲ
ኣብዚ ሰሙናት ዚጽናዕ ዓንቀጻት መጽናዕቲ፦
4-10 ሚያዝያ 2011
ገጽ 6
ዚዝመር መዝሙራት፦ 15, 2
11-17 ሚያዝያ 2011
ስምረት ኣምላኽ ናብ ናይ ዘለኣለም ህይወት ይመርሕ
ገጽ 13
ዚዝመር መዝሙራት፦ 27, 51
18-24 ሚያዝያ 2011
ገጽ 24
ዚዝመር መዝሙራት፦ 22, 40
25 ሚያዝያ 2011–1 ግንቦት 2011
ገጽ 28
ዚዝመር መዝሙራት፦ 29, 6
ዕላማ ዓንቀጻት መጽናዕቲ
ዓንቀጽ መጽናዕቲ 1 ገጽ 6-10
ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ ዘሎ ነጥብታት፡ ኣምላኽ ንመንፈስ ቅዱሱ፡ ንሰማያትን ንምድርን ንምፍጣር ብኸመይ ከም እተጠቕመሉ ዘሎና ግንዛበ ኼስፍሓልና እዩ። ኣብ ርእሲ እዚ፡ ነቲ የሆዋ ጥበበኛን ሓያልን ፈጣሪና ምዃኑ ዝነበረና እምነት እውን ኬደልድለልና እዩ።
ዓንቀጽ መጽናዕቲ 2 ገጽ 13-17
መብዛሕትኡ ግዜ፡ ሰባት ብዛዕባ እቲ ብስጋ ዜድልዮም ነገራት እዮም ዚሻቐሉ። መጽሓፍ ቅዱስ ግን፡ ስምረት ኣምላኽ ምርካብ ብዝያዳ ኼተሓሳስበና ኸም ዘለዎ ይገልጽ እዩ። እዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ ኣብ የሆዋ ኽንውከል ከም ዜድልየና ተጕልሕ፡ ሞገሱ ንምርካብ እንታይ ክንገብር ከም ዘሎና ድማ ትገልጽ።
ዓንቀጻት መጽናዕቲ 3, 4 ገጽ 24-32
‘የሱስ ጽድቂ ፈተወ፡ ዓመጻ ኸኣ ጸልአ።’ (እብ. 1:9) እዘን ዓንቀጻት እዚኣተን፡ ንዕኡ ብኸመይ ክንመስሎ ኸም እንኽእል ይገልጻ። ጽድቂ ኽንፈቱን ዓመጻ ኽንጸልእን ዘሎና ስለምንታይ ምዃኑ እውን ይሕብራ።
ካልእ ኣብዛ ሕታም እዚኣ
11 ጻማ ኣለዎ!