ትሕዝቶ
15 ታሕሳስ 2010
ሕታም መጽናዕቲ
ኣብዚ ሰሙናት ዚጽናዕ ዓንቀጻት መጽናዕቲ፦
31 ጥሪ 2011–6 ለካቲት 2011
ገጽ 7
ዚዝመር መዝሙራት፦ 10, 17
7-13 ለካቲት 2011
ገጽ 11
ዚዝመር መዝሙራት፦ 44, 47
14-20 ለካቲት 2011
በቲ ብመንፈስ ኣምላኽ ዚምራሕ ንጉስ ኣቢልካ በረኸት ዕጸድ!
ገጽ 16
ዚዝመር መዝሙራት፦ 30, 5
21-27 ለካቲት 2011
ገጽ 20
ዚዝመር መዝሙራት፦ 28, 43
ዕላማ ዓንቀጻት መጽናዕቲ
ዓንቀጻት መጽናዕቲ 1, 2 ገጽ 7-15
ካብዘን ዓንቀጻት እዚኣተን፡ የሱስ ብኸመይ ናይ ሓቂ ቕንኣት ከም ዘርኣየ፡ እዚ ድማ ብኸመይ ንዓና ኣብነት ከም ዚዀነና ኽንመሃር ኢና። ይኹን እምበር፡ ብፍላይ ኣብዚ ግዜና ኣብ ኣገልግሎት ቅንኣት ከነርኢ ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧ እዚ እንነብረሉ ዘለና እዋን፡ “ቅብልቲ ጊዜ” ተባሂሉ ኺጽዋዕ ዚኽእልከ ብኸመይ እዩ፧
ዓንቀጽ መጽናዕቲ 3 ገጽ 16-20
ሰብኣዊ ኣገዛዝኣ ኣብ ዝፈሸለሉ እዋን ኢና እንነብር ዘለና። እዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ የሆዋ ንየሱስ ክርስቶስ፡ ገዛኢ ደቂ ሰብ ኪኸውን ዝመረጸሉ ምኽንያትን ንየሱስ ምስ እንግዝኦ ብዛዕባ እንረኽቦ ማእለያ ዘይብሉ በረኸትን ንኽንፈልጥ ትሕግዘና።
ዓንቀጽ መጽናዕቲ 4 ገጽ 20-24
ሙዚቃ ኣብ ኣምልኾና ኣገዳሲ ግደ ኺህልዎ ቕዱስ ጽሑፋውን ግቡእን ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧ እዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ ነዛ ሕቶ እዚኣ ኽትምልሳ እያ፣ ነቲ ሙዚቃ ዘለዎ ግደ ኣብ ምዕባይ ብኸመይ እጃምና ኸም እነበርክት ንኽንፈልጥ ድማ ክትሕግዘና እያ።
ካልእ ኣብዛ ሕታም እዚኣ፦
ትዝክሮዶ፧ 6