ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w10 1/11 ገጽ 5
  • ንርእስኻ ምስ ካልኦት ኣይተወዳድር

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ንርእስኻ ምስ ካልኦት ኣይተወዳድር
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2010
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • የሆዋ እንታይ ክንገብር እዩ ዝደልየና፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2003
  • ንኣሉታዊ ስምዒታት ብኸመይ ከተሰንፎ ትኽእል፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2010
  • የሆዋ “ኻባኻ ዚደልዮ እንታይ እዩ፧”
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2012
  • ንዘለኣለም ብስም የሆዋ ኽንመላለስ ኢና!
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2003
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2010
w10 1/11 ገጽ 5

ረቛሒ 2

ንርእስኻ ምስ ካልኦት ኣይተወዳድር

መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይምህር፧ “ነፍሲ ወከፍ ነታ ግብሪ ርእሱ ይመርምር፡ ሽዑ ብናይ ካልእ ዘይኰነስ፡ በታ ናይ ርእሱ ጥራይ ትምክሕቲ ኺረክብ እዩ።”—ገላትያ 6:4።

በዳሂ ዚገብሮ እንታይ እዩ፧ ንርእስና ምስ ካልኦት ናይ ምውድዳር ዝንባለ ይህልወና ይኸውን። ሓድሓደ ግዜ፡ ንርእስና ምስ ካባና ዚትሕቱ ሰባት ነወዳድር ኢና፣ መብዛሕትኡ ግዜ ግን፡ ንርእስና ምስ ካባና ዚብርትዑ፡ ዚህብትሙ፡ ወይ ዝያዳ ኽእለት ዘለዎም ሰባት ኢና እነወዳድር። ክልቲኡ መገዲ፡ ኣሉታዊ ውጽኢት እዩ ዘለዎ። ንሰብ በቲ ዘለዎ ወይ በቲ ኺገብሮ ዚኽእል ርኢና ናይ ምግማት ግጉይ ኣተሓሳስባ ኺህልወና ይኽእል እዩ። ምናልባት እውን ናይ ቅንእን ናይ ውድድርን መንፈስ ነለዓዕል ንኸውን።—መክብብ 4:4።

እንታይ ክትገብር ትኽእል፧ ንርእስኻ ኸምቲ ኣምላኽ ዚርእየካ ጌርካ ርአ። ኣረኣእያኡ ነቲ ብዛዕባ ርእስኻ ዘሎካ ግምት ኪጸልዎ ፍቐደሉ። “ሰብ ነቲ ኣብ ቅድሚ ዓይኑ ዘሎ እዩ ዚርኢ። እግዚኣብሄር ግና ልቢ እዩ ዚርኢ።” (1 ሳሙኤል 16:7) የሆዋa ምስ ካልኦት ሰባት ብምንጽጻር ዘይኰነስ፡ ልብኻ ብምንባብ፡ ሓሳብካን ስምዒትካን ሃቐናኻን ከኣ ብምምርማር እዩ ዚልክዓካ። (እብራውያን 4:12, 13) ዓቕምኻ ውሱን ምዃኑ ይፈልጥ እዩ፣ ከም ዓቕምኻ ኽትነብር እውን ይደልየካ እዩ። ንርእስኻ ምስ ካልኦት ተወዳድር እንተ ዄንካ፡ ወይ ብትዕቢት እተወጠርካ፡ ወይ ዕግበት ዚበሃል ዘይብልካ ኽትከውን ኢኻ። ስለዚ፡ ኵሉ ሳዕ ብሉጽ ክትከውን ከም ዘይትኽእል ብትሕትና ኣሚንካ ተቐበል።—ምሳሌ 11:2።

ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ዋጋ ንኺህልወካ፡ እንታይ ክትገብር ይግብኣካ፧ ነብዪ ሚክያስ ብመንፈስ ኣምላኽ ተደሪኹ፡ “ኣታ ሰብ፡ ንሱ ሰናይ ዘበለ ኣፍለጠካ፤ እግዚኣብሄርሲ፡ ቅንዕና ኽትገብር፡ ምሕረት ከኣ ክትፈቱ፡ ምስ ኣምላኽካውን ብትሕትና ኽትመላለስ እንተ ዘይኰይኑስ፡ ካባኻ ዚደልዮ እንታይ እዩ፧” ኢሉ ጽሒፉ እዩ። (ሚክያስ 6:8) ነዚ ምኽሪ እዚ እንተ ስዒብካ፡ ኣምላኽ ኪሓልየልካ እዩ። (1 ጴጥሮስ 5:6, 7) ዕግበት ንምርካብ ዚሕግዝ፡ ካብዚ ዚዓቢ እንታይ ኣሎ፧

[እግረ-ጽሑፍ]

a ኣብቲ ብበዅሪ ቛንቋ እተዳለወ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ስም ኣምላኽ እዩ።

[ኣብ ገጽ 5 ዘሎ ስእሊ]

የሆዋ በቲ ኣብ ልብና ዘሎ ገይሩ እዩ ዚግምተና

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ