ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w10 1/11 ገጽ 6
  • መማሰዊ ኹን

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • መማሰዊ ኹን
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2010
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ሞሳና ኽንገልጽ ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2019
  • የሆዋ መማሰዊ ኣምላኽ እዩ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2007
  • መማሰውቲ ኽንከውን ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2008
  • “ዚከኣላ እያ ገይራ”
    ብትብዓት ምስ ኣምላኽ ተመላለስ
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2010
w10 1/11 ገጽ 6

ረቛሒ 3

መማሰዊ ኹን

መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይምህር፧ “ብዅሉ ኣመስግኑ።”—1 ተሰሎንቄ 5:18።

በዳሂ ዚገብሮ እንታይ እዩ፧ ብዕቡያትን ብዘየማስዉን ሰባት ኢና ተኸቢብና ዘለና፣ እዚ ባህርያት እዚ እውን ኪለግበና ይኽእል እዩ። (2 ጢሞቴዎስ 3:1, 2) ብዘይካዚ እውን፡ ኣብቲ ዕረፍቲ ዘይብሉ ህይወትና፡ ዝያዳ ንጥፈታት ክንውስኽ ከም ዘሎና ይስምዓና ይኸውን። ጸገማት ስለ ዚኸብደና ወይ ኣብ ጥቕሚ ርእስና ስለ ዘተኰርና፡ ንዘሎና ወይ ንዚግበረልና ነገራት ንምምሳው ግዜ ኣይህልወናን ይኸውን።

እንታይ ክትገብር ትኽእል፧ ነቲ ዘሎካ ጽቡቕ ነገራት ኣስተንትነሉ። ሓቂ እዩ፡ ጸገማት ኪኸብደካ ይኽእል እዩ። እንተዀነ ግን፡ ንጉስ ዳዊት ዝሓደጎ ኣብነት እሞ ርአ። ፈተናታት ምስ ኣጋጠሞ፡ እተደቝሰን ልቡ ዝሰምበደን ኰይኑ ተሰሚዕዎ ነይሩ እዩ። ኰይኑ ግን፡ “ኵሉ ተግባርካ ኤስተንትን፡ ግብሪ ኣእዳውካ እሐስብ አሎኹ” ኢሉ ናብ ኣምላኽ ጸለየ። (መዝሙር 143:3-5) ፈተናታት እኳ እንተ ኣጋጠሞ፡ መማሰውን ዕጉብን እዩ ነይሩ።

ብዛዕባ እቲ ሰባት ዝገበሩልካ ነገራት ሕሰብ፣ ንጻዕርታቶም ድማ ኣማስወሉ። ኣብዚ መዳይ እዚ፡ የሱስ ጕሉሕ ኣብነት ሓዲጉ እዩ። ንኣብነት፡ ሓንቲ ማርያም እትበሃል ሰበይቲ፡ ክቡር ዝዋግኡ ቕብኢ ኣብ ርእሱን ኣብ እግሩን ምስ ኣፍሰሰትሉ፡ ገሊኦም ሰባት፡ “ንምንታይ እዚ ጥፍኣት ቅዱይ ቅብኢ ዀነ፧” ኢሎም ነቐፉ።a እቶም ነቐፍቲ፡ እቲ ቕብኢ ተሸይጡ፡ ንድኻታት እንተ ዚወሃብ ከም ዚሓይሽ ተሰሚዕዎም ነበረ። የሱስ ግን፡ “ስለምንታይ ተጕህይዋ አሎኹም፧ ሕደግዋ” ኢሉ መለሰሎም። ኣስዕብ ኣቢሉ እውን፡ “ዚከአላ ገበረት” በሎም። (ማርቆስ 14:3-8፣ ዮሃንስ 12:3) የሱስ ኣብቲ ማርያም ዘይገበረቶ ኣብ ክንዲ ዘተኵር፡ ነቲ ዝገበረቶ ኣማሰወሉ።

ገሊኦም ሰባት ንስድራ ቤቶም ወይ ንፈተውቶም ምስ ሰኣንዎም እዮም ዜማስዉሎም። ብዛዕባ እቲ ሕጂ ረኺብካዮ ዘለኻ ነገራት ብምስትንታን፡ ካብ ከምዚ ዝኣመሰለ ጌጋ ኸተምልጥ ትኽእል ኢኻ። እሞኸ እተመስግነሉ ነገራት ስለምንታይ ዘይትጽብጽብ፧

“ጽቡቕ ውህበት” ካብ ኣምላኽ ስለ ዝዀነ፡ ንዕኡ ብጸሎት ከነመስግኖ ኣሎና። (ያእቆብ 1:17) ኣዘውቲርና ኸምኡ ንገብር እንተ ዄንና፡ መማሰውትን ዕጉባትን ክንከውን ንኽእል ኢና።—ፊልጲ 4:6, 7።

[እግረ-ጽሑፍ]

a ኣብ ቀዳማይ ዘመን፡ ቅብኢ ኣብ ርእሲ ጋሻ ምፍሳስ ከም እንግዶት፡ ኣብ እግሪ ምፍሳስ ድማ ከም ትሕትና ጌርካ እዩ ዚርአ ነይሩ።

[ኣብ ገጽ 6 ዘሎ ስእሊ]

ነቲ እተገብረልካ ተማስወሉ ዲኻ፧

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ