ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስ ዚግበር ዝርርብ መንፈስ ቅዱስ እንታይ እዩ፧
ናይ የሆዋ መሰኻኽር ምስ ሰባት ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስ ምምይያጥ ባህ ይብሎም እዩ። ክትዘራረበሉ እትደሊ መጽሓፍ ቅዱሳዊ ሕቶ ኣሎካዶ፧ ብዛዕባ እምነትን ሃይማኖታዊ ልምድታትን ናይ የሆዋ መሰኻኽር ክትፈልጦ እትደሊ ኣሎካዶ፧ እንተ ኣልዩካ፡ ምስ ናይ የሆዋ ምስክር ክትራኸብ ከለኻ፡ ከይተሰከፍካ ነቲ ጕዳይ ኣበግሶ። ንሱ እውን ተሓጒሱ ኺምልሰልካ እዩ።
ሓደ ናይ የሆዋ ምስክር ምስ ካልእ ሰብ ዚገብሮ ዝርርብ ከምዚ ዚስዕብ ኪመስል ይኽእል እዩ። ስምኦን ዚበሃል ናይ የሆዋ ምስክር፡ ናብ እንዳ ሓደ ብንያም ዚበሃል ሰብኣይ ከም ዝኸደ ጌርና ንሕሰብ።
መንፈስ ቅዱስ እንታይ ከም ዝዀነ ኢኻ እትኣምን፧
ብንያም፦ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ክርስትያናት ከም ዘይኰኑ ሰሚዐ። ኣብ መንፈስ ቅዱስ ኣይትኣምኑን ኢኹም።
ስምኦን፦ ብቐዳምነት፡ ክርስትያናት ምዃንና ኸረጋግጸልካ እፈቱ። ሎሚ ናብ ገዛኻ ዘምጸኣኒ ጕዳይ እውን፡ ኣብ የሱስ ክርስቶስ ዘሎኒ እምነት እዩ። ከመይሲ፡ ንሰዓብቱ ኺሰብኩ ዝኣዘዞም ንሱ እዩ። ንምዃኑ፡ መንፈስ ቅዱስ እንታይ ከም ዝዀነ ኢኻ እትኣምን፧
ብንያም፦ መንፈስ ቅዱስ ሳልሳይ ኣካል ስላሴ፡ የሱስ ንኺሰደልና ቓል ዝኣተወልና መጸናንዒ ኸም ዝዀነ እየ ዝኣምን። እዚ መጸናንዒ ንዓይ ኣገዳሲ እዩ። ኣብ ህይወተይ መንፈስ ቅዱስ ኪህልወኒ እደሊ እየ።
ስምኦን፦ ብዙሓት ሰባት፡ መንፈስ ቅዱስ ከምዚ ንስኻ ዝበልካዮ ኸም ዝዀነ እዮም ዚኣምኑ። ቅድሚ እተወሰነ ግዜ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እዚ እንታይ ከም ዚብል ክምርምር ኣጋጣሚ ረኺበ ነይረ። ሒደት ደቓይቕ እንተ ኣልዩካ፡ ዝረኸብክዎ ነጥብታት ከካፍለካ ምፈተኹ።
ብንያም፦ ሕራይ፡ ሕጽር ዝበለ ግዜ ኣሎኒ።
ስምኦን፦ ኣቐዲመ ኸይተላለኹኻ፡ ስምኦን እበሃል። ንስኻኸ መን ትበሃል፧
ብንያም፦ ብንያም እበሃል።
ስምኦን፦ ጽቡቕ ሌላ ይግበረልና። ሕጽር ዝበለ ግዜ ጥራይ ስለ ዘሎካ፡ ኣብ ሓደ ነጥቢ ጥራይ ከተኵር። መንፈስ ቅዱስ፡ የሱስ ንኺሰደልና ቓል ዝኣተወልና መጸናንዒ ምዃኑ ጠቒስካ ኔርካ። ኣብዚ ምሳኻ እሰማማዕ እየ። እንተዀነ ግን፡ መንፈስ ቅዱስ ብርእሱ ሓሲቡ ዚዓዪ ኣካልን ማዕረ ኣምላኽን ከም ዝዀነ ዲኻ እትኣምን፧
ብንያም፦ እወ፡ ከምኡ እየ ተማሂረ።
መንፈስ ቅዱስ ብርእሱ ሓሲቡ ዚዓዪ ኣካል ድዩ፧
ስምኦን፦ መንፈስ ቅዱስ ብርእሱ ሓሲቡ ዚዓዪ ኣካል እንተ ዀይኑ ወይ እንተ ዘይኰይኑ፡ መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ከም ዚብል እስከ ንርአ። ነዚ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ጥቕሲ ኣንቢብካዮ ትፈልጥ ትኸውን። ኣብ ግብሪ ሃዋርያት 2:1-4 ኸምዚ ዚብል ነንብብ፦ “ኣብ መበል ሓምሳ መዓልቲ ድማ ኵላቶም ሐቢሮም ብሓንሳእ ነበሩ። ብድንገት ከኣ ከም ብርቱዕ ህቦብላ ንፋስ ካብ ሰማይ ደሃይ መጸ፡ ነታ ኣብኣ ተቐሚጦም ዘለውዋ ቤትውን ንብዘላ መልኣ። እተመቓቐለ ልሳን ሓዊ ዚመስል ድማ ተራእዮም፡ ኣብ ልዕሊ ነነፍሲ ወከፎም ከኣ ተቐመጠ። ኵሎም ድማ መንፈስ ቅዱስ መልኦም፡ መንፈስ ቅዱስ ኪዛረቡ ኸም ዝሀቦምውን ብኻልእ ቋንቋታት ኪዛረቡ ጀመሩ።”
ብንያም፦ ነዚ ቕድሚ ሕጂ ኣንቢበዮ እፈልጥ እየ።
ስምኦን፦ ኣብዚ ግን ብንያም፡ ሓደ ብርእሱ ሓሲቡ ዚዓዪ ኣካል፡ ንበል ሓደ ሰብ ብኻልእ ሰብ ኪምላእ ይከኣል ድዩ፧
ብንያም፦ ከምኡሞ ኣይከኣልን እዩ።
ስምኦን፦ ኣብዛ ምዕራፍ እዚኣ ውርድ ኢልና ኣብ ቍጽሪ 17 እስከ ንርአ። ቀዳማይ ክፋል እታ ጥቕሲ፡ “በተን ዳሕሮት መዓልትታት ኪኸውን እዩ፡ ይብል ኣምላኽ፡ ኣብ ልዕሊ ስጋ ዘበለ ዅሉ ኻብ መንፈሰይ ከፍስስ እየ” ትብል። ሕጂ እውን ክሓተካ፣ ኣምላኽ ንኽፋል እቲ ማዕሪኡ ዝዀነ ኣምላኽ ኬፍስሶ ይኽእል ድዩ፧
ብንያም፦ እዚ እውን ኪኸውን ዘይክእል እዩ።
ስምኦን፦ ዮሃንስ መጥምቕ፡ ብመንፈስ ቅዱስ ብዛዕባ ምምላእ፡ እተፈልየ መግለጺ ተጠቒሙ ነይሩ እዩ። እዚ ኣብ ማቴዎስ 3:11 ይርከብ። ነዛ ጥቕሲ እዚኣ ኸተንብባዶ፧
ብንያም፦ “ኣነስ ንንስሓ ብማይ ኤጥምቐኩም አሎኹ፡ እቲ ድሕረይ ዚመጽእ ግና ካባይ ይሕይል እዩ፡ ኣነስ ኣሳእኑ ኽጸውር እኳ ኣይበቅዕን። ንሱ ብመንፈስ ቅዱስን ብሓውን ኬጥምቐኩም እዩ።”
ስምኦን፦ አመስግነካ። ዮሃንስ መጥምቕ ብመንፈስ ቅዱስ እንታይ ከም ዚግበር እዩ ተዛሪቡ፧
ብንያም፦ ብመንፈስ ቅዱስ ብዛዕባ ምጥማቕ እዩ ተዛሪቡ።
ስምኦን፦ ልክዕ። ብሓዊ ብዛዕባ ምጥማቕ ከም እተዛረበ እውን ኣስተብህል። ሓዊ ብርእሱ ሓሲቡ ዚዓዪ ኣካል ዘይምዃኑ ፍሉጥ እዩ። እዛ ጥቕሲ እዚኣ፡ መንፈስ ቅዱስ ብርእሱ ሓሲቡ ዚዓዪ ኣካል ከም ዝዀነ ድያ እትሕብር ዘላ፧
ብንያም፦ ኣይፋልን።
ስምኦን፦ ስለዚ፡ ብመሰረት እዚ ዝረኣናዮ ቕዱሳት ጽሑፋት፡ መንፈስ ቅዱስ ብርእሱ ሓሲቡ ዚዓዪ ኣካል ኣይኰነን።
ብንያም፦ ኣሃ፡ ተረዲኡኒ።
“መጸናንዒ” ዝዀነ ብኸመይ እዩ፧
ስምኦን፦ ኣቐዲምካ ግን፡ “መጸናንዒ” እትብል ቃል እውን ጠቒስካ ኔርካ። የሱስ ኣብ ዮሃንስ 14:26 ንመንፈስ ቅዱስ “መጸናንዒ” ኢሉ ጸዊዕዎ እዩ። ነታ ጥቕሲ ብሓባር ነንብባ፦ “እቲ ኣቦይ ብስመይ ዚሰዶ መጸናንዒ፡ መንፈስ ቅዱስ፡ ንሱ ዅሉ ኺምህረኩም፡ ዝነገርኩኹም ዘበለውን ኬዘክረኩም እዩ።” ገሊኦም ሰባት፡ እዛ ጥቕሲ እዚኣ፡ መንፈስ ቅዱስ ብርእሱ ሓሲቡ ዚዓዪ ኣካል ከም ዝዀነ፡ ማለት ከም ሓደ ዜጸናንዕን ዚምህርን ኣካል ከም ዝዀነ እትድግፍ ኰይኑ ይስምዖም።
ብንያም፦ እወ፡ ኣነ እውን ከምኡ እዩ ዚስምዓኒ።
ስምኦን፦ ኣብዚ ግን፡ የሱስ ምሳልያዊ ዘረባ ተጠቒሙ ደዀን ይኸውን፧ የሱስ ኣብ ሉቃስ 7:35 ብዛዕባ ጥበብ እተዛረቦ እሞ ርአ፦ “ጥበብ ግና ብዅሎም ደቃ ጸደቐት።” ጥበብ ብሓቂ ደቂ ዘለውዋ ብርእሳ ሓሲባ እትዓዪ ኣካልዶ ምበልካያ፧
ብንያም፦ ኣይ። እዚ ምሳልያዊ ዘረባ ምዃኑ ንጹር እዩ።
ስምኦን፦ ልክዕ ኣለኻ። የሱስ፡ ጥበብ ብፍሪኣ ኸም እትልለ እዩ ዚዛረብ ነይሩ። መጽሓፍ ቅዱስ ብዙሕ ግዜ ምሳልያዊ ዘረባ ይጥቀም እዩ፣ ህያው ንዘይኰነ ነገር፡ ህይወት ከም ዘለዎ ገይሩ ይዛረበሉ እዩ። ንሕና እውን ከምዚ ዝኣመሰለ ምሳልያዊ ዘረባ ኣብ መዓልታዊ ዝርርብና ንጥቀመሉ ኢና። ንኣብነት፡ ኣብዚ ሎሚ ጸሓይ ደሚቓ ወጺኣትሉ ዘላ ንግሆ፡ ሓደ ሰብ፡ “ጸሓይ ምእንቲ ኺኣቱ፡ ነቲ መጋረጃ ኽፈቶ” እንተ ዚብል፡ ኣዘራርባኡ ዘይልሙድ ምዀነዶ፧
ብንያም፦ ኣይምዀነን። ኣነ እውን ከምኡ ምበልኩ።
ስምኦን፦ ከምኡ ኽትብል ከለኻኸ፡ ንጸሓይ ከም ሓንቲ ናብ ቤትካ እትኣቱ ጋሻ ጌርካ ትዛረበላ ኣለኻ ማለት ድዩ፧
ብንያም፦ ከምኡ ማለት ኣይኰነን። ብምሳልያዊ መገዲ እየ ዝዛረብ ዘለኹ ማለት እዩ።
ስምኦን፦ ስለዚ፡ የሱስ ብዛዕባ መንፈስ ቅዱስ ከም መጸናንዒ ወይ ከም መምህር ገይሩ ኺዛረበሉ ኸሎ፡ ምሳልያዊ ዘረባ ይዛረብ ነይሩ ኽንብል ኣይንኽእልንዶ፧
ብንያም፦ እወ ሓቅኻ። እዚ ምስቲ መንፈስ ቅዱስ ከም ዚፈስስን ሰባት ብእኡ ኸም ዚጥመቑን ዘንበብናዮ ጥቕስታት ይሰማማዕ እዩ። መንፈስ ቅዱስ ብርእሱ ሓሲቡ ዚዓዪ ኣካል እንተ ዘይኰይኑ ግን፡ እንታይ ደኣ እዩ፧
መንፈስ ቅዱስ እንታይ እዩ፧
ስምኦን፦ ኣብ ግብሪ ሃዋርያት 1:8፡ መንፈስ ቅዱስ እንታይ ምዃኑ፡ የሱስ ገሊጹልና ኣሎ። ነዛ ጥቕሲ እዚኣ ኸተንብባዶ፧
ብንያም፦ “መንፈስ ቅዱስ ናባኻትኩም ምስ ዚወርድ ግና፡ ሓይሊ ኽትቅበሉ፡ ኣብ የሩሳሌምን ኣብ ኵላ ይሁዳን ኣብ ሰማርያን ክሳዕ ወሰን ምድሪ ምስክር ክትኰኑኒ ኢኹም፡ በሎም።”
ስምኦን፦ የሱስ ንመንፈስ ቅዱስ ምስ ሓይሊ ኸም ዘተኣሳሰሮ ኣስተብህል። ብመሰረት እተን ኣቐዲምና ዘንበብናየን ጥቕስታት መጽሓፍ ቅዱስ ከኣ፡ እቲ ሓይሊ ኻበይ ዚመጽእ ይመስለካ፧
ብንያም፦ ካብ ኣምላኽ፡ ካብ ኣቦ።
ስምኦን፦ ኣይተጋገኻን። መንፈስ ቅዱስ፡ ኣምላኽ ንሰማይን ንምድርን ንምፍጣር እተጠቕመሉ ሓይሊ እዩ። ዘፍጥረት 1:2 ነቲ መንፈስ እቲ ትጠቕሶ እያ፦ “መንፈስ ኣምላኽ ድማ ኣብ ልዕሊ ማያት ይዝምቢ ነበረ።” ኣብዚ ኸም እትርእዮ ዘለኻ፡ ኣምላኽ ኪፈጥር ከሎ፡ ንመንፈሱ ተጠቒሙሉ እዩ። ስለዚ፡ መንፈስ ቅዱስ፡ ኣምላኽ ዕላማኡ ንምፍጻምን ፍቓዱ ንምግላጽን ዚጥቀመሉ ንጡፍ ሓይሊ እዩ። ሓንቲ ተወሳኺት ጥቕሲ ጥራይ ንርአ። ሉቃስ 11:13። ነዛ ጥቕሲ እዚኣ ኸተንብባዶ፧
ብንያም፦ “ንስኻትኩም እኳ ኽፉኣት ክነስኹም፡ ንደቅኹም ጽቡቕ ህያብ ምሃብ ካብ ፈለጥኩም፡ እቲ ኣብ ሰማይ ዘሎ ኣቦ ግዳ ንዚልምንዎ ኽንደይ ኣብዚሑ መንፈስ ቅዱስ ዘይህቦም፧”
ስምኦን፦ እቲ ኣብ ሰማይ ዘሎ ኣቦ ንመንፈስ ቅዱስ ዚቈጻጸሮን ንዝለመኖ ዘበለ ዚህቦን እንተ ዀይኑ፡ መንፈስ ቅዱስ ማዕረ ኣምላኽ ኪኸውን ይኽእልዶ፧
ብንያም፦ ኣሃ፡ እትብሎ ዘለኻ ተረዲኡኒ።
ስምኦን፦ ነዊሕ ግዜ ኸም ዘይብልካ ነጊርካኒ ስለ ዝነበርካ፡ ብዙሕ ግዜ ኽወስደልካ ኣይደልን እየ። ምይይጥና ንምዝዛም ግን፡ ሓንቲ ሕቶ ኽሓተካ። ብመሰረት እዚ ዝረኣናዮ ጥቕስታት፡ መንፈስ ቅዱስ እንታይ እዩ ምበልካ፧
ብንያም፦ ንጡፍ ሓይሊ ኣምላኽ እዩ።
ስምኦን፦ ልክዕ። የሱስ ኣብ ዮሃንስ 14:26 ንመንፈስ ቅዱስ ከም መጸናንዒ ወይ ከም መምህር ገይሩ ኺዛረበሉ ኸሎ፡ ምሳልያዊ ዘረባ እዩ ዚዛረብ ነይሩ።
ብንያም፦ ከምኡ ምዃኑ ኣይፈልጥን እየ ነይረ።
ስምኦን፦ ካብቲ የሱስ እተዛረቦ ቓላት ግን፡ ሓደ ዜተባብዕ ሓሳብ ክንረክብ ንኽእል ኢና።
ብንያም፦ እንታይ፧
ስምኦን፦ ጸገማት ኬጋጥመና ኸሎ፡ ኣምላኽ ብመንፈስ ቅዱሱ ገይሩ ንኺሕግዘና ኽንልምኖ ንኽእል ኢና። ብዛዕባኡ ሓቂ ንኽንፈልጥ ምእንቲ ኺሕግዘና እውን፡ መንፈሱ ንኺህበና ኽንልምኖ ንኽእል ኢና።
ብንያም፦ ዜገርም እዩ። ነዚ ሓሲበሉ ኣይፈልጥን እየ።
ስምኦን፦ ቅድሚ ምኻደይ፡ ሓደ ኽትሓስበሉ እትኽእል ነጥቢ ኸካፍለካ። መንፈስ ቅዱስ ንጡፍ ሓይሊ ኣምላኽ ካብ ኰነ፡ ኣምላኽ ዝደለዮ ዘበለ ንምፍጻም ኪጥቀመሉ ኸም ዚኽእል መቸም ትሰማምዓሉ ኢኻ።
ብንያም፦ እወ።
ስምኦን፦ እሞ ደኣ ንዅሉ እቲ ኣብ ዓለም እንርእዮ ዘለና ጸበባን እከይን ንምውጋድ ነዚ ማእለያ ዘይብሉ ሓይሉ ስለምንታይ ዘይተጠቕመሉ፧ ብዛዕባ እዚ ሓሲብካዶ ትፈልጥ፧a
ብንያም፦ እወ፡ እዚ የተሓሳስበኒ እዩ።
ስምኦን፦ እሞ ኣብ ዚመጽእ ሰሙን፡ ኣብ ተመሳሳሊ ሰዓት ብዛዕባ እዚ ኽንመያየጥ ፍቓደኛ ዲኻ፧
ብንያም፦ ሕራይ፡ ባህ ይብለኒ። ክሳዕ ሽዑ፡ ደሓን ኩን።
[እግረ-ጽሑፍ]