ትሕዝቶ
15 መስከረም 2010
ሕታም መጽናዕቲ
ኣብዚ ሰሙናት ዚጽናዕ ዓንቀጻት መጽናዕቲ፦
25-31 ጥቅምቲ 2010
ገጽ 7
ዚዝመር መዝሙራት፦ 1, 38
1-7 ሕዳር 2010
ገጽ 12
ዚዝመር መዝሙራት፦ 20, 53
8-14 ሕዳር 2010
ገጽ 16
ዚዝመር መዝሙራት፦ 20, 25
15-21 ሕዳር 2010
ገጽ 21
ዚዝመር መዝሙራት፦ 5, 25
22-28 ሕዳር 2010
ገጽ 25
ዚዝመር መዝሙራት፦ 6, 44
ዕላማ ዓንቀጻት መጽናዕቲ
ዓንቀጽ መጽናዕቲ 1 ገጽ 7-11
ኣገልገልቲ ኣምላኽ ነቲ ንሱ ዘውጽኦ ጽድቃዊ ስርዓታት ምእንቲ ኼማልኡ በረኸቱ የድልዮም እዩ። ነዚ ንምግባር እንታይ ዓይነት ጻዕሪ የድሊ፧ ናይ የሆዋ መንፈስ ቅዱስ ንዜጋጥመና ዝዀነ ይኹን ጸገማት ንኽንዋጽኣሉ ብኸመይ ኪሕግዘና ይኽእል፧
ዓንቀጻት መጽናዕቲ 2, 3 ገጽ 12-20
እዘን ዓንቀጻት እዚኣተን፡ ምስ ኣሕዋትና ብሓድነት ምንባር ክሳዕ ክንደይ ጽቡቕን ባህ ዜብልን ምዃኑ ንኽንግንዘብ ኪሕግዛና እየን። ካብ ኵሎም ኣህዛብ ንዝመጹ ሰባት ሓድነት ከም ዚህልዎም ኪገብር ዚኽእል የሆዋ ጥራይ ዝዀነሉ ምኽንያት ክንርኢ ኢና። ድሕሪኡ፡ ነፍሲ ወከፍና ብኸመይ ሓድነት ጉባኤ ኽንዕቅብን ንየሆዋ ኸነኽብርን ከም እንኽእል ክንመያየጥ ኢና።
ዓንቀጻት መጽናዕቲ 4, 5 ገጽ 21-29
እዘን ክልተ ዓንቀጻት እዚኣተን፡ እቲ ሰማያዊ ንጉስና ዝዀነ የሱስ ክርስቶስ ከም ንጡፍ መራሒና መጠን ንዘለዎ ግደ ኸነተኵረሉ ኺሕግዛና እየን። የሱስ፡ ኣብ ነፍሲ ወከፍ እተን ደቀ መዛሙርቱ ዚርከቡለን ጉባኤታት ንዚግበር ነገራት ብንቕሓት ይከታተል እዩ።
ካልእ ኣብዛ ሕታም እዚኣ፦
መስተንክር ዕቤት ኣብ ዘለዎ እዋን ኣገልገልኩ 3
ኣብ ቡልጋርያ እተገብረ ፍሉይ ወፈራ ተዓዊቱ 30