ኣብ ቤት ትምህርቲ ዘጋጠመ ጃምላዊ ቕትለትን እተዋህበ መጸናንዕን
ጸሊም ገበር ዘለዋ ሓንቲ ጋዜጣ ብዓብዪ ፊደላት እተጻሕፈ “ስለምንታይ፧” ዚብል ሕቶ ነበራ። ኣብ ቪነንደን፡ ደቡባዊ ጀርመን ሓደ ወደ 17 ዓመት ብሽጉጥ 15 ሰባትን ርእሱን ድሕሪ ምቕታሉ፡ እዛ ሕቶ እዚኣ ብተደጋጋሚ ተሓቲታ እያ። ኣብ ምሉእ ጀርመን ዝነበረ ባንዴራታት ካብቲ ዝነበሮ ትሕት ኢሉ ኸም ዜንበልብል ተገብረ፡ እዚ ዜሕዝን ፍጻመ ድማ ኣብ ምሉእ ዓለም ብሓንሳእ ብዜና ተዘርግሐ።
ቪነንደን ብተኽሊ ወይንን ኦርኪድን ዘጌጸት ብልጽግትን ባህ እተብልን ከተማ እያ። ኣብዛ ኸተማ እዚኣ ብ11 መጋቢት 2009 ሰዓት 9:30 ቅ.ቀ. ኣብ ካልኣይ ደረጃ ቤት ትምህርቲ ኣልበርትቪል፡ ብሃንደበት ዓመጽን ዕግርግርን ተላዕለ።
ሓደ መንእሰይ ካብ መደቀሲ ወለዱ ዝወሰዳ ሽጉጥ ሒዙ ናብታ ዚመሃረላ ዝነበረ ቤት ትምህርቲ ኣተወ። ብቕልጡፍ ድማ ኣብ ሰለሰተ ኽፍልታትን ኮሪደርን ንዝነበሩ ትሽዓተ ተመሃሮን ሰለስተ መምሃራንን ቀተለ፡ ንሓያሎ ኻልኦት ከኣ ኣቝሰለ። ኣብ ውሽጢ ሒደት ደቓይቕ ፖሊስ መጹ። እቲ ቐታሊ ኣብ ጥቓኡ ናብ ዝነበረት ናይ ስነ-ኣእምሮ ክሊኒክ ሃደመ። ኣብኡ ኸኣ ንሓደ ሰራሕተኛ ጽገና ቐተሎ። ድሕርዚ ንሓደ ብዓል ማኪና ጨውዩ እናፈራርሐ 40 ኪሎ ሜተር ዚኣክል ከም ዝዝውር ገበሮ፡ ደሓር ግን እቲ ብዓል ማኪና ኣምለጠ። እቲ ቐታሊ፡ ማኪና ኣብ ዚሽየጠሉ ቦታ ምስ በጽሐ፡ ንሓደ ሸያጥን ንሓደ ዓዳግን ቀተለ፡ ይስዕብዎ ንዝነበሩ ኽልተ ፖሊስ ከኣ ኣቝሰለ። ኣብ መወዳእታ እቶም ፖሊስ ምስ ኣርከብዎ ርእሱ ቐተለ።
ነቲ ቐታሊ ዚፈልጥዎ ሰባት ከም ዝገለጽዎ፡ ንሱ ብኻልኦት ኪፍቶን ኣዕሩኽ ኪህልውዎን ዚደሊ ዝነበረ ተራ መንእሰይ እዩ ነይሩ። ኣብዚ እኩይ ተግባር ከም ዚጽመድ ዝገበሮ ደኣ እሞ እንታይ እዩ፧ ጭንቀት ነይርዎ ኪኸውን ይኽእል እዩ፣ ብድምጺ ጥራይ ብዝትኰስ ሽጉጥን ብብዙሓት ዝፍቶ ዓመጽ ዝመልኦ ጸወታታት ኮምፕዩተርን ይጻወት ነበረ። ይኹን እምበር፡ ‘ብኣሽሓት ዚቝጸሩ መንእሰያት ከምዚ ይገብሩዶ ኣይኰኑን፧’ ኢሎም ዚሓቱ ሰባት ኣለዉ። ብዛዕባ እቶም ዝቐተሎም ሰባትከ እንታይ ኪበሃል ይከኣል፧ ንገለ ሰባት እናመረጸ ድዩ ዚቐትል ነይሩ ወይስ ብኣልማማ እዩ ቐቲሉ፧ ሸሞንተ ኣዋልድ ቀቲሉ ኽነሱ ሓደ ወዲ ጥራይ ዝቐተለሉ ምኽንያት እንታይ ምዃኑ ዚወሃብ ግምት እኳ እንተሎ፡ ርጡብ መግለጺ ኺህብ ዝኸኣለ ግን የለን።
ቅልጡፍ ምላሽ
ሃይክ፡ “ወድና ብዛዕባ እቲ ኣብ ቤት ትምህርቲ ዜጋጠመ ቕትለት ደዊሉ ምስ ነገረኒ ኽኣምን ኣይክኣልኩን፡ ብዙሓት ናይ ፖሊስ ማካይንን ኣምቡላንስን ኪጐያ ምስ ሰማዕኩ ግን ብፍርሂ ተወሓጥኩ” በለት። ፖሊስ ቅልጡፍ ምላሽ እንተ ዘይህቡ ነይሮም፡ ኣብቲ ቤት ትምህርቲ ዝያዳ ሰባት ምተቐትሉ። ኵሎም ተመሃሮ ኻብቲ ቤት ትምህርቲ ምስ ወጹ፡ ሓካይምን ኣማኸርቲ ስነ-ኣእምሮን ኣቕሽሽትን መጺኦም ደኺመ ኸይበሉ ነቶም ተመሃሮ ሓገዝዎም።
ጋዜጠኛታት ብቕልጡፍ ናብቲ ቤት ትምህርቲ መጺኦም፡ ነቶም ተመሃሮ ቓለ-መጠይቕ ኪገብሩሎም ይፍትኑ ነበሩ፣ መብዛሕትኦም እቶም ተመሃሮ ኣዝዮም ሰንቢዶም እዮም ነይሮም። ካብ 26 መደበራት ተለቪዥን ዝመጻ 28 ማካይን ኣብ ቅድሚ እቲ ቤት ትምህርቲ ደው ኢለን ምንባረን ሓደ ተመሃራይ ሓበረ። ኣብቶም ሰራሕተኛታት መራኸቢ ብዙሓን ሓያል ውድድር ነበረ፣ ዘይተረጋገጸ ወረ ኸኣ የመሓላልፉ ነበሩ። ሓደ ጋዜጠኛ ኣብታ መዓልቲ እቲኣ ንወለዲ ሓንቲ እተቐትለት ጓል ስእላ ኺህብዎ ሓተቶም፡ ካልኦት ከኣ ገንዘብ ከፊሎም ንተመሃሮ ይስእልዎም ነበሩ። ገሊኦም ጋዜጠኛታት ካብ ካልኦት ቀዲሞም ኣብ ዜና ጸብጻብ ንምቕራብ ካብ ዝነበሮም ክቱር ድሌት እተላዕለ ሚዛኖም ስለ ዝሰሓቱ፡ ነቶም ግዳያት ሓልዮትን ኣኽብሮትን ምርኣይ ኣሸጊርዎም ነበረ።
ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ዘሕዝን ኵነታት ብዙሕ ግዜ ኸም ዚርአ፡ ሰባት ምጽንናዕን መልስን ንምርካብ ናብ ሃይማኖት እዮም ቍሊሕ ዚብሉ። ኣብ እዋን እቲ ጃምላዊ ቕትለት፡ ንብዙሓት ሃይማኖታት ዚሓቍፍ ስነ-ስርዓት ቀብሪ ተኻየደ። ሓያሎ ሰባት በቲ እተገብረ ደገፍ ኣመስጊኖም እዮም። እቶም ካብ ቃል ኣምላኽ ምጽንናዕ ኪወሃቦም ወይ ከኣ ነቲ ዜጨንቖም ዝነበረ ሕቶታት መልሲ ኺረኽቡ ሃረር ዚብሉ ዝነበሩ ሰባት ግን ተስፋ ቘሪጾም እዮም። ሓንቲ ስድራ ቤት ኣብ ስነ-ስርዓት ቀብሪ መማህርቲ ወዳ ተረኺባ ነበረት። እታ ኣደ ኸምዚ በለት፦ “ሓደ ኣቡን ብዛዕባ ስቓይ እዮብ ተዛረበ። ቀጺሉ እዚ እንታይ ትምህርቲ ኸም ዜመሓላልፍ ኪገልጽ ወይ ገለ ምጽንናዕ ኪህብ ተጸብየዮ እኳ እንተ ነበርኩ፡ ዋላ ሓንቲ ኣይበለን። ብዛዕባ እቲ ምኽንያት ወይ ብዛዕባ እቲ ኣብ መወዳእታ እተረኽበ ውጽኢት ሓንቲ ቓል ኣየውስአን።”
ሓደ ሰብኣይ፡ ትርጕም ዘይብሉ ዘረባ ምስ ሰምዐ በዚ ኣዝዩ ሓረቐ። እቲ ሰብኣይ 30 ዓመት ይገብር ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር መጽሓፍ ቅዱስ የጽንዕ ነበረ፡ ጸኒሑ ግን ኣቋረጸ። ሕጂ እንደገና ኣብ ኣኼባታቶም ኪእከብ ጀመረ።
ቨሊሳ ዝስማ ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣዘውቲራ መጽሓፍ ቅዱስ እተጽንዕ ጓል 14 ዓመት፡ ኣብ ጥቓ እቲ ቕትለት እተፈጸመሉ ቦታ፡ ኣብ ውሽጢ ኽፍሊ ነበረት። ተዅሲ ምስ ሰምዐት፡ ናብ የሆዋ ኽትጽሊ ጀመረት። ድሕሪ እቲ ፍጻመ፡ ነቲ ዘሕደረላ ስምዒት ብኸመይ ክትጾሮ ኸም ዝኸኣለት ምስ ተሓተት፡ እቲ ፍጻመ ብዛዕባ እዘን ክፉኣት ዳሕሮት መዓልትታት ካብ መጽሓፍ ቅዱስ እተማህረቶ ትምህርቲ ኸም ዜረጋግጽ ገለጸት። (2 ጢሞቴዎስ 3:1-5) ክልተ ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ ንጐረባብተን ንምጽንናዕ ተጊሀን ይዓያ ነበራ። ሓንቲ ብዕድመ ዝደፍአት ሰበይቲ ናብኣተን ቀሪባ፡ “ሓያሎ ኻልኦት እውን ከምዚ ንስኻትክን እትገብራኦ ዘለኽን ኪገብሩ ይግባእ” በለተን። እቲ ጃምላዊ ቕትለት ኣዝዩ ዜጕህን ዜሰንብድን ስለ ዝነበረ፡ ገሊኣቶም ካብ ቃል ኣምላኽ ንዚወሃቦም ተስፋን መጸናንዕን ኪሰምዑ ተደሪኾም እዮም።
እቲ ፍጻመ ዘሕደሮ በሰላ
እቶም በቲ ፍጻመ ብቐጥታ እተተንከፉ ሰባት ዘጋጠሞም ስንባድን ተስፋ ምቝራጽን በቲ ኣዝዩ ውሕሉል ዝዀነ ልባዊ ቓላት ምጽንናዕ እውን እንተ ዀነ ኺሕከኽ ከም ዘይክእል ፍሉጥ እዩ። ነቲ ውላዱ እተቐትሎ ወላዲ ዝጐሃዮ ጓሂ ወይ ነቲ ናብቲ ቤት ትምህርቲ ጐይዩ ምስ ከደ ሰበይቱ ተቐቲላ ዝጸንሓቶ ሓለቓ ፖሊስ እተሰምዖ ሓዘን ምሉኡ ብምሉእ ኪሓኮ ዚኽእል ቃላት የለን።
እቶም ካብቲ ጸበባ ዘምለጡ ተመሃሮ ምስ ስድራ ቤቶም ነናቶም ዝዀነ በሰላ ኣለዎም። እቲ ብዓል ሽጉጥ ተዅሲ ምስ ጀመረ፡ ቫሲልዮስ በቲ ንግዜ ሓደጋ ተባሂሉ እተዳለወ መውጽኢ ዘሊሉ ወጸ። “በቲ መስኮት ዘሊለ ኽወጽእ ከለኹ፡ ናብ የሆዋ ጸለኹ። ዝመውት እዩ ዝመስለኒ ነይሩ። እታ ጸሎት እቲኣ ናይ መወዳእታ ጸሎተይ ከም ዝዀነት ደምዲመ ነበርኩ” ኸኣ በለ። ኣብቲ ስዒቡ ዝነበረ ሰሙናት፡ ለይቲ ይብህርር፡ ምስ ማንም ሰብ ኪዛረብ እውን ኣይደልን እዩ ነይሩ። ብፍላይ ከኣ በቶም ጃምላዊ ቕትለት ምስ ተፈጸመ ዜና ንምቕራብ ዚቀዳደሙ ዝነበሩ ጋዜጠኛታትን ዝርዝር ሓበሬታ ንምርካብ ጥራይ ዚግደሱ ዝነበሩ ድንዙዛት ሰባትን ኣዝዩ ጕህዩ ነበረ። ድሕሪ ገለ ግዜ ግን ነቲ ህሉው ኵነታት ኪቕበሎ ኸኣለ።
ዮናስ፡ ወዲ ኽፍሉ ንቫሲልዮስ፡ ሓሙሽተ ኻብ ደቂ ኽፍሉ ኪቕተላ ኸለዋ ረኣየ። ከምዚ ድማ በለ፦ “ደድሕሪ እቲ ፍጻመ፡ ብዛዕባ እቲ ዘጋጠመ ኽዛረብ ኣየጸግመንን እዩ ነይሩ፣ ከም ሓደ ዜፍርህ ፊልም እዩ ነይሩ። ሕጂ ግን ከመይ ከም ዘለኹ እኳ ኽዛረብ ይኸብደኒ እዩ። ስምዒታተይ ይቀያየር እዩ። ሓድሓደ ግዜ ብዛዕባኡ ኽዛረብ ኣይደልን፣ ኣብ ካልእ ግዜያት ከኣ ብዛዕባኡ ብዙሕ እዛረብ።” ብዘይካዚ፡ ዮናስ ለይቲ ይብህርር፡ ድቃስ እውን የሸግሮ እዩ።
ድሕሪ ገለ መዓልታት፡ እቶም ተመሃሮ ነቲ ኣብ ከክፍሎም ዝነበረ ብሕታዊ ንብረቶም ተቐበሉ። ንኸምዚ ዝኣመሰለ ነገራት ምርኣይ ነቲ ሓደጋ ኼዘኻኽር ከም ዚኽእል ሓካይም ኣጠንቀቑ። ዮናስ ጁባኡን ቦርሳኡን ብብሽክለታ ሞተር ኪኸይድ ከሎ ዝገብሮ ቖብዕን ኣብ መጀመርታ ኽትንክፎ እውን ኣይደለየን። ነቲ ብዓል ሽጉጥ ዚመስል ሰብ ኪርኢ ኸሎ ወይ ናይቲ ብዓል ሽጉጥ ዝመስል ቦርሳ እተሓንገጠ ኽርኢ ኸሎ እውን ይርዕድ ነበረ። ወለዱ ፊልም ኪርእዩ ኸለዉ ተዅሲ እንተ ተሰሚዑ፡ ይስንብድ ነበረ። ግዳያት ነቲ በሰላ ዝፈጠረሎም ፍጻመ ከም ዚርስዕዎ ንምግባር ሓካይም ስነ-ኣእምሮ ጻዕርታት ገይሮም እዮም።
ዩርገን ኣቦ ዮናስ፡ ኣብታ ሓደ ሰራሕተኛ እተቐትለላ ክሊኒክ እዩ ዚሰርሕ። ብዙሓት ወለድን መሳርሕቱን፡ ‘ስለምንታይ፧ ከምዝን ከምትን እንተ ዚኸውን፧’ ብዚብል ሕቶታት ርእሶም ከም ዜጨንቑ ገለጸ። ንኣብነት፡ እቲ ብዓል ሽጉጥ ኪኸይድ ከሎ ኣብ ሰገነት ኰይና ዝረኣየቶ ኣብቲ ክሊኒክ እትሰርሕ ሓንቲ ሰበይቲ፡ ‘ንዓይ እውን ክቐትለኒ እኮ ምኸኣለ ነይሩ’ ኢላ ብምሕሳብ ኣዝያ ስለ እተጨነቐት፡ ናይ ስነ-ኣእምሮ ሕክምና ኪግበረላ ኣድለየ።
ገሊኦም ሓገዝ ዝረኸቡሉ መገዲ
ገሊኦም ሰባት ከምዚ ዓይነት ዜሰንብድ ፍጻመ ኣጋጢምዎም ክነሱ፡ ኪዋጽኡሉ ዝኸኣሉ ብኸመይ እዮም፧ ዩርገን፡ “ሓድሓደ እዋን ኣጸጋሚ እኳ እንተ ዀነ፡ ምስ ካልኦት ምሕባር ኣዝዩ ባህ ዜብል እዩ። ካልኦት ከም ዚሓልዩልካን በይንኻ ኸም ዘይኰንካን ምፍላጥ ሓጋዚ እዩ” በለ።
ዮናስ እውን እንተ ዀነ፡ ነቲ ኻልኦት ዜርእይዎ ሓልዮት ከም ዜማስወሉ ኺገልጽ ከሎ፡ “ብዙሓት ሰባት ካርድታትን መልእኽትታትን ሰደዱለይ። ገሊኦም ጥቕስታት መጽሓፍ ቅዱስ እዮም ጽሒፎምለይ፣ ምስ ኣንበብክዎ ኸኣ ጽቡቕ ተሰምዓኒ” በለ። ካልእከ እንታይ እዩ ሓጊዝዎ፧ “ለይቲ ኽበራበር ከለኹን ዓቕለይ ክጸበኒ ኸሎን፡ እጽሊ እየ። ሓድሓደ ግዜ ኸኣ ሙዚቃ ወይ እተቐድሐ ዓንቀጻት መጽሔት ንቕሑ!a እሰምዕ” በለ። ወሲኹ ድማ፡ “እዚ ዅሉ ዜጋጥም ዘሎ፡ ሰይጣን ነዛ ዓለም ስለ ዚገዝኣን ኣብ እዋን መወዳእታ ንነብር ስለ ዘለናን ምዃኑ መጽሓፍ ቅዱስ ይገልጽ እዩ” በለ። ኣቦኡ እውን እንተ ዀነ፡ እዚ ፍልጠት እዚ ነቲ ጸገም ንኺዋጽኣሉ ኸም ዝሓገዞ ገሊጹ እዩ።
ድሕሪ ሓጺር እዋን መከራ ኣይኪህሉን እዩ
ኣብ ውሽጢ ሓጺር መዓልትታት፡ ናይቲ ቤት ትምህርቲ ኣፍ ደገ ብሽምዓን ዕምባባታትን ደብዳበታትን መሊኡ ነበረ። ክሪስቲን፡ ብዙሓት ሰባት ስለምንታይ እዚ ፍጻመ እዚ ኸም ዘጋጠመን ስለምንታይ ኣምላኽ ከም ዝፈቐዶን ዚሓትት ወረቓቕቲ ኸም ዝጸሓፉ ኣስተብሃለት። እዚ ሕቶታት እዚ ኺምለስ ዚግብኦ ዀይኑ ስለ እተሰምዐን፡ ንሳን ካልኦት ክልተ ናይ የሆዋ መሰኻኽርን ደብዳበ ጽሒፈን ኣብ መንጎ እቲ ኻልእ ደብዳበታት ኣቐመጣኦ።
ወግዓዊ ስነ-ስርዓት ቀብሪ ኣብ እተገብረሉ እዋን፡ ሓደ መደበር ተለቪዥን ካብታ ደብዳበ ነታ ናይ መጀመርታ መስመር ብምጥቃስ ከምዚ በለ፦ “ስለምንታይ፧ እዛ ሕቶ እዚኣ፡ ብፍላይ ከኣ እተን ‘ኣምላኽ ኣበይ ነይሩ፧ ስለምንታይከ ፈቒድዎ፧’ ዚብላ ሕቶታት፡ ኣብዘን ዳሕሮት መዓልትታት ብተደጋጋሚ እየን ዚሕተታ።” እቲ ዜሕዝን ግን፡ እቲ መደበር ተለቪዥን ካብዚ ንላዕሊ ኣይቀጸለን።
ዜሕዝን ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧ እታ ደብዳበ ቐጺላ ብዛዕባ ምንጪ እዚ ዅሉ መከራ ኸምኡውን ኣምላኽ “ነቲ ሰባት ዜውርድዎ ዘለዉ ጕድኣት ከም ዜወግዶ” ስለ እትገልጽ እያ። ኣስዕብ ኣቢላ እውን ከምዚ በለት፦ “ኣምላኽ ኣብታ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እትርከብ ናይ መወዳእታ መጽሓፍ፡ ንብዘሎ ንብዓት ሰባት ካብ ኣዒንቶም ከም ዚደርዝ፡ እቲ ቐዳማይ ሐሊፉ እዩ እሞ፡ ድሕሪ ደጊም ሞት ከም ዘይከውን፡ ድሕሪ ደጊምውን ሓዘን፡ ወይ ጫውጫው፡ ወይ ጻዕሪ ኸም ዘይከውን ገሊጹ ኣሎ።” የሆዋ ኣምላኽ ንምዉታት እውን እንተ ዀነ ኻብ ሞት ኬተንስኦም እዩ። ኣብ ትሕቲ ግዝኣት እታ ድሕሪ ሓጺር እዋን እትመጽእ መንግስቱ፡ ዜሕዝን ፍጻመታትን ጃምላዊ ቕትለትን መከራን ኣይኪህሉን እዩ። ከመይሲ፡ ኣምላኽ “እንሆ፡ ንዅሉ እሕድሶ አሎኹ” ኢሉ ተመባጺዑ እዩ።—ራእይ 21:4, 5።
[እግረ-ጽሑፍ]
a ብጽሑፍ ይኹን ብኣውድዮ ዚቐርብ መጽሔት ንቕሑ! ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እዩ ዚዳሎ።
[ኣብ ገጽ 12 ዘሎ ምንጪ ስእሊ]
ዮናስ፡ “ኵሉ ሳዕ ንዝክረካ ኢና” እትብል ካርድ ተቐበለ
[ኣብ ገጽ 9 ዘሎ ምንጪ ስእሊ]
Focus Agency/WPN
[ኣብ ገጽ 9 ዘሎ ምንጪ ስእሊ]
© imagebroker/Alamy
[ኣብ ገጽ 10 ዘሎ ምንጪ ስእሊ]
Foto: picture alliance
[ኣብ ገጽ 11 ዘሎ ምንጪ ስእሊ]
Foto: picture alliance