ትሕዝቶ
15 ሓምለ 2009
ሕታም መጽናዕቲ
ኣብዚ ሰሙናት ዚጽናዕ ዓንቀጻት መጽናዕቲ፦
31 ነሓሰ 2009–6 መስከረም 2009
ገጽ 3
ዚዝመር መዝሙራት፦ 21 (191), 7 (51)
7-13 መስከረም 2009
ገጽ 7
ዚዝመር መዝሙራት፦ 9 (37), 23 (200)
14-20 መስከረም 2009
ገጽ 15
ዚዝመር መዝሙራት፦ 18 (162), 22 (130)
21-27 መስከረም 2009
ገጽ 19
ዚዝመር መዝሙራት፦ 3 (32), 25 (204)
ዕላማ ዓንቀጻት መጽናዕቲ
ዓንቀጽ መጽናዕቲ 1 ገጽ 3-7
የሆዋ ንዅሎም ኣገልገልቱ ነቲ ኣብ ክርስቶስ “ተሰዊሩ” ዘሎ መወዳድርቲ ዘይብሉ መዝገብ ኬናድዩ ዓዲምዎም ኣሎ። እዚ መዝገብ እዚ እንታይ እዩ፧ ብኸመይ ክንረኽቦ ንኽእል፧ ብኸመይከ እዩ ዚጠቕመና፧ እዛ ዓንቀጽ እዚኣ ነዚ መልሲ ኽንረኽበሉ ኽትሕግዘና እያ።
ዓንቀጽ መጽናዕቲ 2 ገጽ 7-11
ካብ ግዜ ፍጥረት ኣትሒዙ፡ የሱስ ብዛዕባ ድሕንነት ደቂ ሰብ ይግደስ እዩ። እዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ ትምህርትታት የሱስን ኣብ ምድሪ ኸሎ ዝሓደጎ ኣብነትን ምስ ኣባላት ስድራ ቤትና ጽቡቕ ርክብ ንኺህልወና ብኸመይ ከም ዚሕግዘና ኽትምርምር እያ።
ዓንቀጻት መጽናዕቲ 3, 4 ገጽ 15-23
የሱስ ውጽኢታዊ መምህር ኪኸውን ዝኸኣለ ብኸመይ እዩ፧ ልዕሊ ዅሉ ንየሆዋን ንሰባትን ነቲ ዚሰብኮ መልእኽትን የፍቅር ስለ ዝነበረ እዩ። ምጽራር እናኣጋጠሞ ኽነሱ፡ ብትብዓት ንኺሰብኽ ፍቕሪ ደረኸቶ። ኣብዘን ዓንቀጻት እዚኣተን፡ ብኸመይ ንየሱስ ክንመስሎ ኸም እንኽእል ከምኡውን ፈቃራት መምህራንን ተባዓት ሰበኽትን ክንከውን እንኽእለሉ መገዲ ኽንመያየጥ ኢና።
ካልእ ኣብዛ ሕታም እዚኣ ዚርከብ፦
ገጽ 12
ቅድሚ ተስዓ ዓመት ‘ንፈጣርየይ ክዝክሮ’ ጀመርኩ
ገጽ 24
ገጽ 28
ገጽ 29
ገጽ 32