ንምድሪ ኼድሕና ዚኽእል፡ ኣምላኽ ጥራይ እዩ
“ሰማያውን ጻዕዳን ዝሕብራ ዕንቊ።” ኤድጋር ሚሸል ዚበሃል ጠፈርተኛ ንምድሪ ኣብ ጸልማት ጠፈር ምስ ረኣያ፡ ከምዚ ኣቐዲሙ እተጠቕሰ ኢሉ ገለጻ።
ኣምላኽ ንምድሪ መንበሪ ሰብ ንኽትከውን ምእንቲ ኼዳልዋ፡ ብዙሕ እዩ ዓዪዩ። ምድሪ ኽትፍጠር ከላ፡ መላእኽቲ “እልል” ኢሎም እዮም። (እዮብ 38:7) ነቲ ኣብዛ ፕላነት ዘሎ ድንቂ ነገራት ድሕሪ ምጽናዕና፡ ንሕና እውን እልል ንኽንብል ምኽንያት ኣሎና። ኣብ ምድሪ ህይወት ከም ዚስስን ዚገብር ብዙሕ እተሓላለኸ ስርዒት ኢኮ ኣሎ። ሓደ ኻብቲ ኣጸቢቑ ዚፍለጥ ስርዓታት፡ ኣትክልቲ ብብርሃን ጸሓይን በቲ ኣብ ኣየር ዚርከብ ካርቦን ዳይኦክሳይድን ብማይን ገይሮም ምግቢ ዜዳልዉሉ ስርዓት እዩ። ከም ተረፍ ፍርያት እዚ መስርሕ እዚ፡ ንህልውናና ኣገዳሲ ዝዀነ ኦክስጅን ናብ ሃዋህው ይፍንዉ።
ኣምላኽ ንሰብ፡ ንምድሪ ኺከናኸና ኸም ዝመዘዞ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ይገልጽ እዩ። (ዘፍጥረት 1:28፣ 2:15) ኢኮሎጂ ምድሪ ሚዛኑ ሓልዩ ንኪቕጽል ግን፡ ሰብ ቅኑዕ ኣረኣእያ ኺህልዎ ኣለዎ። ነታ ምድራዊት መንበሪቱ ኺፈትዋ ኣለዎ። ጽብቕቲ ገይሩ ኺሕዛ ድሌት ኬሕድር ኣለዎ። ኰይኑ ግን፡ ሰብ ዝደለዮ ናይ ምምራጽ ናጽነት ስለ ዘለዎ፡ ንምድሪ ኺምዝምዛን ብሕማቕ መገዲ ኺሕዛን ይኽእል እዩ። ከምኡ ኸኣ እዩ ገይሩ። ሳዕቤን ሸለልትነቱን ስስዐኡን ድማ፡ ብዙሕ ዕንወት ኣስዒቡ እዩ።
ገለ ኻብቲ ጸገማት እንተ ጠቒስና፦ (1) ምብራስ ኣግራብ ነቲ ምድሪ ካርቦን ዳይኦክሳይድ ንምስሓብ ዘለዋ ዓቕሚ ኣዳኺምዎ እዩ፡ እዚ ኸኣ ሕማቕ ኵነታት ኣየር የስዕብ ኣሎ። (2) መጠኑ ዝሓለፈ ኣጠቓቕማ ፈውሲ ባልዕ፡ ነቶም ኣብ ኢኮሎጂ፡ እንተላይ ኣትክልቲ ኣብ ምውሳብ ዓብዪ ግደ ዘለዎም ሓሸራታት ከም ዚጠፍኡ ይገብር ኣሎ። (3) መጠኑ ዝሓለፈ ምግፋፍ ዓሳ ኸምኡውን ምብካል ባሕርታትን ኣፍላጋትን ንብዝሒ ዓሳታት ከም ዚንኪ ይገብሮ ኣሎ። (4) ንተፈጥሮኣዊ ሃብቲ ምድሪ ብስስዐ ምጥቃም፡ ነቶም ዚመጹ ወለዶታት ዋላ ሓንቲ ዘየትርፈሎም ኣብ ርእሲ ምዃኑ፡ ንምውሳኽ ሙቐት ዓለም የቀላጥፎ ኣሎ። ገሊኦም ብዛዕባ ምዕቃብ ኣከባቢ ዚጣበቑ ሰባት፡ እቲ ኣብ ኣርክቲክን ኣንታርክቲክን ዜጋጥም ዘሎ ምምካኽ ኣኻውሕ በረድ፡ ብሰንኪ ምውሳኽ ሙቐት ዓለም ምዃኑ እዮም ዚጠቕሱ።
ባህርያዊ ሓደጋታት እናበዝሐ ይኸይድ ስለ ዘሎ፡ ገሊኦም ሰባት፡ ምድሪ ኣብ ልዕሊ ሰብ ጸበባ ብምምጻእ ትቃለስ ከም ዘላ ይዛረቡ። ኣምላኽ ንምድሪ ብዘይ ክፍሊት እዩ ሂቡና። ብምሳልያዊ ኣዘራርባ፡ ሰብ፡ ክራይ ከይከፈለ እዩ ዚነብር። (ዘፍጥረት 1:26-29) ኰይኑ ግን፡ ህሉው ኵነታት ዓለም ከም ዚሕብሮ፡ ብዙሓት ሰባት ነዛ ጽብቕቲ ምድራዊት መንበሪቶም ኪከናኸንዋ ድሌት የብሎምን። ኣብ ክንዳኡስ፡ በቲ ስስዐ ዝመልኦ ትምኒታቶምን ንጥፈታቶምን እዮም ተታሒዞም ዘለዉ። በዚ ኸምዚ ኸኣ ከምቲ ኣብ ራእይ 11:18 ተገሊጹ ዘሎ “መጥፋእቲ ምድሪ” ብምዃን፡ ክፉኣት ተኻረይቲ ዀይኖም ኣለዉ።
እቲ ነዚ ኣብ ምድሪ ዘሎ ህይወት ንኪቕጽል ዚሕግዝ ስርዒት ኢኮ ዝፈጠረ ዅሉ ዚኽእል የሆዋ ኣምላኽ፡ ነቶም ክፉኣት ተኻረይቲ ኸም “ዚሰጎም፡” ትንቢት መጽሓፍ ቅዱስ ይሕብር። (ጸፎንያስ 1:14፣ ራእይ 19:11-15) ሰብ ንምድሪ ቕድሚ ምጥፋኡ፡ ኣምላኽ ካብቲ እንጽበዮ ንላዕሊ ቐልጢፉ ስጕምቲ ኺወስድ እዩ።a (ማቴዎስ 24:44) እወ፡ ንምድሪ ኼድሕና ዚኽእል፡ ኣምላኽ ጥራይ እዩ።
[እግረ-ጽሑፍ]
a ብዛዕባ ህጹጽነት እዚ ግዜና ዝያዳ ሓበሬታ እንተ ደሊኻ፡ ነታ ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተሓትመት ንቑሕ ኩን! ዘርእስታ ብሮሹር ርአ።