ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • mrt ዓንቀጽ 25
  • ንምድሪ ዜድሕና መን እዩ፧

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ንምድሪ ዜድሕና መን እዩ፧
  • ተወሳኺ ርእሰ ነገራት
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ሰባት ኣብ ጻዕርታቶም ኪዕወቱ ይኽእሉ ድዮም፧
  • ተስፋ እንገብረሉ ምኽንያት
  • ምድሪ ኽትጠፍእ ድያ፧
    መልሲ ሕቶታት መጽሓፍ ቅዱስ
  • ደቂ ሰብ ንምድሪ፡ ከም ዘይትዕረ ገይሮም ኬጥፍእዋ ድዮም፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2014
  • ፕላነትና ኻብ ጥፍኣት ከም እተምልጥ ኣምላኽ ኣተስፍዩ
    ንቕሑ!—2023
  • ካብ ፈጣሪ እተዋህበትና ዘለኣለማዊት ህያብ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2007
ዝያዳ ርአ
ተወሳኺ ርእሰ ነገራት
mrt ዓንቀጽ 25
ሓንቲ ንእሽቶ ቘልዓ ዕንባባ ተስቲ። ኣብ መንጽራ ኸኣ፡ ካብ ፋብሪካታት ዚወጽእ ትኪ ንኣካባቢ ይብክል።

ንምድሪ ዜድሕና መን እዩ፧

ደቂ ሰብ ኣብ ልዕሊ ምድርን ኣብ ልዕሊ እቶም ኣብኣ ዘለዉ ህይወታውያንን ዜውርድዎ ዘለዉ ጕድኣት ንሓያሎ ሰባት የተሓሳስቦም እዩ። ገሊኦም ክኢላታት ኣካባቢ ብዝገለጽዎ መሰረት፡ ብሰንኪ ተግባራት ደቂ ሰብ፡ ምጽናት እቲ ኣብ ምድሪ ዘሎ ጅራትን ስነ ህይወትን ከም ሎሚ ገይሩ ኣስጊኡ ኣይፈልጥን እዩ።

ደቂ ሰብ ንምድሪ ኼጥፍእዋ ድዮም፧ ወይስ ምስ ተፈጥሮ ተሳንዮም ኪነብሩ ይኽእሉ እዮም፧

ሰባት ኣብ ጻዕርታቶም ኪዕወቱ ይኽእሉ ድዮም፧

ሓያሎ ኽኢላታት፡ ሰባት ንምድሪ ኸም ዜዕቊብዋን ምስ ተፈጥሮ ኸኣ ተሰማሚዖም ከም ዚነብሩን እምንቶ ኣለዎም። ገሊኦም ተመራመርቲ፡ ሰባት ኣብ ዚገብርዎ ጻዕሪ ምእንቲ ኺዕወቱ፡ ኣብ ብዙሕ መዳያት ብሓንሳእ ለውጥታት ኪገብሩ ኸም ዘለዎም ይምጉቱ። ገለ ኻብቲ ለውጥታት ነዚ ዚስዕብ የጠቓልል፦

  • ኣብ ኣተሓሕዛ ምድርን ጫካታትን ሕርሻን ውቅያኖሳትን ምምሕያሽ።

  • ኣብ ሕርሻን ኣብ ጽዓትን እተፈላለየ ኣማራጺታት ምጥቃም።

  • ኣብ ስርዓት ኣመጋግባ ለውጢ ምግባር፡ ማለት ሰባት ኣብ አመጋግባኦም ስጋን ዓሳን ኣብ ክንዲ ዜብዝሑ፡ ኣብ ኣሕምልትን ፍረታትን ከም ዜተኵሩ ብምግባር ዜህልኽዎ ምግቢ ምንካይ።

  • ጽቡቕ ህይወት ምምራሕ ኪብሃል ከሎ፡ ኣብ ብዝሒ እትውንኖ ንዋታዊ ነገራት ከም ዘይምርኰስ ምቕባሉ።

እንታይ ይመስለካ፧ መንግስትታት፡ ትካላት፡ ውልቀ ሰባት፡ ካብ ቅድሚ ሕጂ ብእተፈልየ ኺተሓባበሩ ኢልካ ምጽባይ ርትዓዊ ድዩ፧ ወይስ ሰባት ኣዝዮም ስሱዓትን ኣብ ጥቕሚ ርእሶም ጥራይ ዜተኵሩን ብዛዕባ መጻኢ ዘይግደሱን ስለ ዝዀኑ፡ እዚ ዘይከውን ኰይኑ እዩ ዚስምዓካ፧—2 ጢሞቴዎስ 3:1-5።

ተስፋ እንገብረሉ ምኽንያት

መጽሓፍ ቅዱስ፡ መጻኢ ምድርና ውሑስ ምዃኑ የረጋግጸልና እዩ። ሰባት ንምድሪ ንምድሓን ዚገብርዎ ጻዕሪ እኹል ከም ዘይኰነን ናይ ብሓቂ ለውጢ ምእንቲ ኺመጽእ እንታይ ኪግበር ከም ዘለዎን ይገልጽ እዩ። እዚ ለውጢ እዚ፡ ብኸመይ ከም ዚመጽእ እውን የብርህ እዩ።

ጻዕርታት ደቂ ሰብ ንምድሪ ንምድሓን እኹል ዘይኰነሉ ምኽንያት እንታይ እዩ፧ የሆዋa ኣምላኽ ንምድሪ ፈጢርዋ፡ ንሰባት ከኣ ኪከናኸንዋ ሓላፍነት ሂብዎም እዩ። (ዘፍጥረት 1:28፣ 2:15) ሰባት ነዚ ሓላፍነት እዚ ኺዋጽኡሉ ዚኽእሉ፡ መምርሒ ኻብ ፈጣሪኦም ምስ ዚደልዩን ምስ ዚእዘዝዎን ጥራይ እዩ ነይሩ። (ምሳሌ 20:24) ንሳቶም ግና፡ ንየሆዋ ነጺጎም ብመገዲ ርእሶም ኪመላለሱ መሪጾም። (መክብብ 7:29) ደቂ ሰብ ብርእሶም ተመሪሖም ንምድሪ ኼመሓድሩ ኽእለት ስለ ዘይብሎም፡ ርኡይ ለውጢ ኼምጽኡ ኣይክእሉን እዮም።—ምሳሌ 21:30፣ ኤርምያስ 10:23።

ኪግበር ዘለዎ ለውጢ። ሰባት ንምድሪ ኼጥፍእዋ ኣምላኽ ኣይኪፈቕደሎምን እዩ። (ራእይ 11:18) ነቶም ንምድሪ ዜባላሽውዋ ዘለዉ ሰብኣውያን መንግስትታት ኰነ፡ ንማሕበረሰብ ምድሪ፡ ከም ዚመሓየሹ ኺገብሮም ዘይኰነስ፡ ኪትክኦም እዩ። (ራእይ 21:1) በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ፡ የሆዋ፡ “እንሆ፡ ንዅሉ እሕድሶ ኣለኹ” በለ።—ራእይ 21:5።

እቲ ለውጢ ብኸመይ እዩ ዚመጽእ፧ የሆዋ ንሰብኣውያን መንግስትታት፡ በታ መንግስቲ ኣምላኽ እትብሃል ሰማያዊት መንግስቱ ኽትክአን እዩ። እታ ብየሱስ ክርስቶስ እትምራሕ መንግስቲ፡ ንጕዳያት ምድሪ ኸተመሓድር እያ።—ዳንኤል 2:44፣ ማቴዎስ 6:10።

መንግስቲ ኣምላኽ ንሰባት ብጽድቃዊ ስርዓታት ኣምላኽ ኪመላለሱ ኽትምህሮም እያ። ሰባት ንፈጣሪኦም ምስ ዚፈልጡን ንመምርሒታቱ ምስ ዚስዕቡን፡ ምስ ተፈጥሮ ብስኒት ኪነብሩ ይኽእሉ እዮም። (ኢሳይያስ 11:9) መንግስቲ ኣምላኽ ንዜጋታታ፡ ንምድሪ ኸይጐድኡ ብኸመይ ብሉጽ ህይወት ኪነብሩ ኸም እተኽእሎም፡ መጽሓፍ ቅዱስ ይገልጽ እዩ። ኣብ ትሕቲ መንግስቲ ኣምላኽ፡ እዚ ዚስዕብ ኪፍጸም እዩ፦

  • ንዅሉ ዚኸውን ኣኽል ታርፍ ምግቢ ኺህሉ እዩ።—መዝሙር 72:16።

  • ናይ ተፈጥሮ ሃብቲ ናብ ዝነብሮ ኺምለስ እዩ።—ኢሳይያስ 35:1, 2, 6, 7።

  • ኣብ መንጎ ሰባትን እንስሳታትን ስኒት ኪህሉ እዩ።—ኢሳይያስ 11:6-8፣ ሆሴእ 2:18።

  • ኣካባብያዊ ዕንወት ኪውገድ እዩ።—ማርቆስ 4:37-41።

መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ቀረባ እዋን፡ ነዚ ለውጥታት እዚ ኸም እተምጽእ ርግጸኛ ኽትከውን ትኽእል ኢኻ። ዝያዳ ሓበሬታ ንምርካብ፡ “መዓስ እያ መንግስቲ ኣምላኽ ንምድሪ እትገዝኣ፧” ዘርእስታ ዓንቀጽ ኣንብብ።

a የሆዋ ብሕታዊ ስም ኣምላኽ እዩ።—መዝሙር 83:18።

ንምድርና ኣኽቢርና ኸም እንርእያ ኸነርኢ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

መንግስቲ ኣምላኽ ነቲ ንምድሪ ኣጋጢምዋ ዘሎ ኣካባብያዊ ጸገማት ምሉእ ብምሉእ ክሳዕ እተውግዶ፡ ብእንገብሮ ጻዕርታት ንምድርና ኣኽቢርና ኸም እንርእያ ኸነረጋግጽ ንኽእል ኢና። ንኣብነት፡ ኣባኸንቲ ብዘይምዃንን ንሕግታት ዳግመ መስርሕ ብምእዛዝን ክንገብሮ ንኽእል ኢና።—ዮሃንስ 6:12, 13፣ ሮሜ 13:1, 5።

  • ብረት።

    ጡረታ ዝወጸ ብረት ዝስሙ ብዓል ሞያ ኣካባቢ፡ ብዛዕባ ስነ ኣካባቢ ዘለዎ ፍልጠት፡ ንምድሪ ኼድሕን ዚኽእል ፈጣሪ ኸም ዘሎ ኺግንዘብ ኣኽኢልዎ እዩ። ታሪኽ ህይወቱ ኣንብብ።

  • ክልተ ሰራሕተኛታት፡ ኣብ ዓለምለኻዊ ቐንዲ ቤት ጽሕፈት ናይ የሆዋ መሰኻኽር እተሃንጸ ሓደስቲ ህንጻታት፡ ኣማዕድዮም ይጥምቱ።

    ሓደ ኻብቲ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንፈጣሪኦም ኣኽብሮት ከም ዘለዎም ዜርእዩሉ መገዲ፡ ዓበይቲ ህንጻታት ኪሃንጹ ኸለዉ፡ ንኣካባቢ ዘይብክል ሜላታት ብምጥቃም እዩ። እንታይ ከም ዝዓመሙ ንምርኣይ፡ ኢኮ ፍሬንድሊ ዲዛይን ብሪንግስ ኦነር ቱ ጂሆቫ ዘርእስታ ቪድዮ ርአ።

ብዛዕባ ምድሪ ዚገልጽ ጥቕስታት መጽሓፍ ቅዱስ

ዘፍጥረት 2:15፦ “የሆዋ ኣምላኽ ከኣ ንሰብ ወሲዱ፡ ምእንቲ ኺዓይያን ኪከናኸናን ኣብ ገነት ኤደን ኣቐመጦ።”

ትርጉሙ፦ ኣምላኽ ንሰባት፡ ንምድሪ ኪከናኸኑ ሕድሪ ሂብዎም እዩ።

ዘፍጥረት 1:28፦ “ኣምላኽ ከኣ ባረኾም፣ ኣምላኽ ድማ፡ ‘ፍረዩን ተባዝሑን፡ ንምድሪ ኸኣ ምልእዋን ግዝእዋን፣ ንዓሳ ባሕርን ንበረርቲ ፍጡራት ሰማያትን ኣብ ምድሪ ለመም ንዚብል ኵሉ ህያው ፍጡርን ከኣ ግዝኡ’ በሎም።”

ትርጉሙ፦ ሰባት ንእንስሳታት ኪከናኸኑ ሓላፍነት ተዋሂብዎም እዩ።

ኢሳይያስ 45:18፦ “እቲ ፈጣር ሰማያት፡ እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ፡ እቲ ንምድሪ ዝደኰናን ዝገበራን ዘጽንዓን፡ እቲ ኺንበረላ እምበር፡ ንኸንቱ ኢሉ ዘይፈጠራ የሆዋስ ከምዚ ይብል፦ ‘ኣነ የሆዋ እየ፡ ካልእ እውን የልቦን።’”

ትርጉሙ፦ ኣምላኽ ንምድሪ ዘለዎ ዕላማ ኣይተቐየረን። ምድሪ በቶም ነቲ ናይ መጀመርታ ዕላማኡ ዚፍጽሙ ሰባት ክትመልእ እያ።

መዝሙር 37:29፦ “ጻድቃን ንምድሪ ኺርስተይዋ፡ ኣብኣ እውን ንዘለኣለም ኪነብሩ እዮም።”

ትርጉሙ፦ እቶም ንጽድቃዊ ስርዓታት ኣምላኽ ዚስዕቡ ሰባት፡ ኣብ ምድሪ ንዘለኣለም ናይ ምንባር ኣጋጣሚ ኺረኽቡ እዮም።

መዝሙር 98:6-8፦ “ኣብ ቅድሚ የሆዋ እቲ ንጉስ፡ . . . ጭድርታ ዓወት ጨድሩ። ባሕርን ኵሉ እቲ ዝመልኦን፡ ምድርን ኣብኣ ዚቕመጡን የንጐድጕዱ። ኣፍላግ ብኣእዳዎም የጣቕዑ፣ ኣኽራን ሓቢሮም እልል ይበሉ።”

ትርጉሙ፦ ግዝኣት ኣምላኽ ንኣካባቢ ኺጠቅም እዩ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ