ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w09 1/1 ገጽ 9-10
  • ማርያም ኣብ ዕላማ ኣምላኽ ዘለዋ ግደ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ማርያም ኣብ ዕላማ ኣምላኽ ዘለዋ ግደ
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2009
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • “ምልእቲ ጸጋ፡” “ካብ ኣንስቲ ብርኽቲ”
  • ካብ ገዛእቲ
  • ዜደንቕ በረኸት ምፍሳስ
  • “እነኹ ባርያ የሆዋ”
    ኣስኣሰር እምነቶም ስዓብ
  • “እኔኹ: ኣነ ባርያ የሆዋ”
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2008
  • ካብ ማርያም እንመሃሮ ትምህርቲ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2009
  • ንሰይፊ ሓዘን ተጻወረቶ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2014
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2009
w09 1/1 ገጽ 9-10

ማርያም ኣብ ዕላማ ኣምላኽ ዘለዋ ግደ

የሱስ ኣብ ዜገልግለሉ ዝነበረ እዋን፡ ሓንቲ ሰበይቲ ካብቲ ጫውጫውታ እኩብ ህዝቢ ንላዕሊ ቓላ ዓው ኣቢላ፡ “ዝጾረትካ ኸርስን ዝጠቦኻየን ኣጥባትን ብጹኣት እየን” በለቶ። የሱስ ንኣዲኡ ኣምልኾ ኪወሃባ እንተ ዚደሊ ነይሩ፡ ኣብቲ ግዜ እቲ ኸምኡ ዓይነት ተወፋይነት ኪወሃባ ኸም ዚግባእ ንኺገልጽ ብሉጽ ኣጋጣሚ ረኺቡ ነበረ። ኣብ ክንዳኡ ግን፡ “ብጹኣንሲ እቶም ንቓል ኣምላኽ ዚሰምዕዎን ዚሕልውዎን ደኣ እዮም” ኢሉ መለሰ።—ሉቃስ 11:27, 28።

የሱስ ንኣዲኡ ፍሉይ ክብሪ ኣይሃባን፡ ንሰዓብቱ እውን ከምኡ ኺገብሩ ኣይነገሮምን። እዚ ነገር እዚ ምስቲ ብዙሓት ቅኑዓት ኣመንቲ ንማርያም ዚህብዋ ኣምልኾ ብኸመይ ይቃዶ፧ ንገለ ኻብቲ ብዛዕባ ኣደ የሱስ ብሰፊሑ ተዘርጊሑ ዘሎ ትምህርትታት ብቕዱሳት ጽሑፋት ጌርና እስከ ንመርምሮ።

“ምልእቲ ጸጋ፡” “ካብ ኣንስቲ ብርኽቲ”

ገብርኤል መልኣኽ ንማርያም፡ ነቲ ኣብ ዕላማ ኣምላኽ ዘለዋ ግደ ሓቢርዋ ነይሩ። ኣብቲ ኣጋጣሚ እቲ፡ “ኣቲ ምልእቲ ጸጋ፡ እግዚኣብሄር ምሳኺ እዩ” ኢሉ ሰላምታ ሃባ። (ሉቃስ 1:28) ድሕርዚ ነዊሕ ከይጸንሐ፡ ኤልሳቤጥ ንማርያም፡ “ንስኺ ኻብ ኣንስቲ ብርኽቲ ኢኺ፡ ፍረ ኸርስኺውን ብሩኽ እዩ” ኢላ ሰላምታ ሃበታ። (ሉቃስ 1:42) እሞኸ እዚ ሓረጋት እዚ ንማርያም ኣምልኾ ኸም ዚግብኣ ዚሕብር ደይኰነን፧

ከም ሓቂ፡ ኣይኰነን። እዘን ቃላት እዚኣተን ኣብቲ ሰዓብቲ እምነት ካቶሊክ ናብ ማርያም ዚጽልይዎ ጸሎት ዚኣትዋ እኳ እንተ ዀና፡ መጽሓፍ ቅዱስ ንባዕሉ ግን ናብኣ ንኽንጽሊ ምኽንያት ኣይህበናን እዩ። ገብርኤልን ኤልሳቤጥን ነቲ ማርያም ንመሲሕ ብምውላድ እትረኽቦ ፍሉይ መሰል ኣፍልጦ እኳ እንተ ሃቡ፡ ናብኣ ምጽላይ ዚብልዎ ሓሳብ ግን ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት ኣይርከብን እዩ። ብኣንጻሩ እኳ ደኣስ፡ ንየሱስ ካብ ደቀ መዛሙርቱ ምጽላይ ኪምህሮም ሕቶ ምስ ቀረበሉ፡ ናብ ኣቦኡ ኺጽለ ኸም ዚግባእ ሓበሮም። እታ የሱስ ኣብነት ክትኰነና ዝሃበና ፍልጥቲ ጸሎት እውን፡ “ኣብ ሰማያት እትነብር ኣቦና” ብዚብላ ቓላት እያ እትጅምር።—ማቴዎስ 6:9።

ካብ ገዛእቲ

ካልእ ብዛዕባ ማርያም ዘሎ ልሙድ ትምህርቲ፡ ሕጂ “ንግስቲ ሰማይ” ምዃና ዚምህር እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ በዚ ኸምዚ ዝኣመሰለ መዓርግ ፈጺሙ ኣይጽውዓን እዩ። ይኹን እምበር፡ ኣብቲ ኣምላኽ ዝገበሮ ሰማያዊ መሰናድዎ ፍሉይ ቦታ ኸም ዘለዋ ይሕብር እዩ። እቲ ቦታ እንታይ እዩ፧

የሱስ፡ ገለ ኻብቶም እሙናት ደቀ መዛሙርቱ፡ ምስኡ ኣብ መንግስቱ ኸም ዚገዝኡ ሓቢሩ ነይሩ። (ሉቃስ 22:28-30) ነዞም እተሓርዩ ሰባት፡ “ንኣምላኽና . . . ካህናት” ኪዀኑ መዘዞም፣ “ኣብ ምድሪ ድማ ኪነግሱ እዮም።” (ራእይ 5:10) ማርያም ካብዞም እዚ ልዑል መሰል እተዋህባ ምዃና ንኽንድምድም፡ መጽሓፍ ቅዱስ ንጹር ሓበሬታ ይህበና እዩ። ከመይ ኢልና ኸምኡ ኽንብል ንኽእል፧

ድሕሪ ሞት የሱስ፡ ማርያም ምስ ደቀ መዛሙርትን ኣሕዋትን የሱስ ሓቢራ ‘ኸየብኰረት ትጽሊ’ ምንባራ ትዝክሮ ትኸውን። ኣስታት 120 ዚዀኑ ሰባት ነዚ ዕላማ እዚ ተኣኪቦም ነበሩ፡ ኣብ መንጎኦም ድማ “ኣንስቲ” ነበራ። (ግብሪ ሃዋርያት 1:12-15) እቲ “ኣብ መበል ሓምሳ መዓልቲ” ዚበዓል በዓል ኣብ ዚካየደሉ ዝነበረ እዋን፡ “ኵላቶም ሐቢሮም ብሓንሳእ ነበሩ።” ኣብቲ ግዜ እቲ፡ ናይ ኣምላኽ መንፈስ ቅዱስ ኣብ ልዕሊኦም ፈሰሰ፡ ብቛንቋታት ወጻኢ ንኺዛረቡ ድማ ክእለት ሃቦም።—ግብሪ ሃዋርያት 2:1-4።

ማርያም ኣብ መንጎ እቶም በዚ መገዲ እዚ እተባረኹ ምንባራ፡ ንሳን እተን መንፈስ ቅዱስ እተቐበላ ካልኦት ኣንስትን ክፍሊ እታ ሰማያዊት መንግስቲ የሱስ ንኪዀና ኸም እተሓርያ እዩ ዚሕብር። ስለዚ፡ ማርያም ሕጂ ምስ የሱስ ኣብ ሰማያዊ ኽብሪ ኾፍ ኢላ ኸም ዘላ ንኽንኣምን ብቑዕ ምኽንያት ኣሎና። (ሮሜ 8:14-17) ገለ ኻብቲ ንሳን ካልኦት መጋዝእቲ የሱስን ኣብ ምፍጻም ዕላማ ኣምላኽ ዘለዎም ፍሉይ መሰል እስከ ንርአ።

ዜደንቕ በረኸት ምፍሳስ

ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እትርከብ መጽሓፍ ራእይ ዮሃንስ፡ 144,000 ሰባት ኣብ ጐድኒ የሱስ ከም ካህናትን ፈራዶን ነገስታትን ኰይኖም ንኼገልግሉ ናብ ሰማያዊ ኽብሪ ኸም ዚትንስኡ ትገልጽ እያ። (ራእይ 14:1, 4፣ 20:4, 6) ከም ካህናት መጠን፡ ንዅሎም እዙዛት ደቂ ሰብ ናብ መንፈሳውን ስነ-ምግባራውን ኣካላውን ፍጽምና ኸም ዚበጽሑ ብምግባር፡ ዋጋ መስዋእቲ የሱስ ከም ዚጠቕሞም ኪገብሩ እዮም። (ራእይ 21:1-4) ኵሎም እሙናት ኣምለኽቲ የሆዋ ነቲ ዜደንቕ ግዜ ኽርእዩስ ከመይ ዝበለ ፍሉይ ኣጋጣሚ ዀን እዩ!a

ማርያም ኣብ ምፍጻም ዕላማ የሆዋ ግደ ነይርዋ እዩ፡ ሕጂ እውን ኣለዋ። ከም ኣደ መጠን ዝነበራ ትሕትናን እምነትን ተኣዛዝነትን ተወፋይነትን ኰነ ኣብ ትሕቲ ፈተና ዘርኣየቶ ጽንዓት፡ ክንቀድሖ ዚግባእ ኣብነት ይዀነና እዩ። ስለቲ ንመሲሕ ብምውላድን ንደቂ ሰብ ዘለኣለማዊ በረኸት ብምፍሳስን ዘለዋ ግደ፡ ልዑል ኣኽብሮት ይግብኣ እዩ።

ይኹን እምበር፡ ካብ ማርያም እንመሃሮ ልዕሊ ዅሉ ኣገዳሲ ዝዀነ ትምህርቲ፡ ንሳን ካልኦት እሙናት ኣገልገልቲ ኣምላኽን ብዘይካ ንየሆዋ፡ ንኻልእ ኣምላኽ ዘየምልኹ ምዃኖም እዩ። ማርያም ምስ ካልኦት ኣብ ሰማይ ዚርከቡ መጋዝእቲ ክርስቶስ ሓቢራ፡ ድምጻ ዓው ኣቢላ፡ “በረኸትን ክብርን ግርማን ስልጣንን ንዘለኣለመ ኣለም ነቲ ኣብ ዝፋን ተቐሚጡ ዘሎን [የሆዋ ኣምላኽ] ነቲ ገንሸልን [የሱስ ክርስቶስ] ይኹን” ትብል እያ።—ራእይ 5:13፣ 19:10።

[እግረ-ጽሑፍ]

a ብዛዕባ እዚ በረኸት እዚ ዝያዳ ሓበሬታ እንተ ደሊኻ፡ ኣብታ ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተሓትመት መጽሓፍ ቅዱስ ብሓቂ እንታይ እዩ ዚምህር፧ ዘርእስታ መጽሓፍ፡ ኣብ ምዕራፍ 8 ርአ።

[ኣብ ገጽ 10 ዘሎ ስእሊ]

ትሕትናን እምነትን ተኣዛዝነትን ማርያም፡ ክንቀድሖ ዚግባእ ኣብነት ይዀነና

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ