መልሲ ንምርካብ ዚግበር ጻዕሪ
“ነታ ‘ብኸመይ’ ድራር ዕለት ከም እንምእርር እትለዓል ሕቶ መልሲ ብምርካብና: ነቲ ኽንረኽቦ ኢና ኢልና ዘይንሓስቦ ዝነበርና ምሾት: ማለት መዝሓሊ ኣየርን ብሉጽ ናይ ድምጺ መሳርሕን ምሉእ ዓመት ዚርከብ ሓድሽ ፍረታትን ብምርካብና: ‘ስለምንታይ’ ንነብር ከም ዘለና ብዚምልከት እትለዓል ሕቶ ተሪፋትና ኣላ። ስለምንታይ ኢና ሃለኽለኽ እንብል፧ እዚኸ እንታይ ዕላማ ኣለዎ፧” —ዴቪድ ጂ. ማየርስ: ኣብ ሆላንድ: ሚሽጋን: ሕ.መ.ኣ. ኣብ ዚርከብ ኮለጅ ሆፕ: ፕሮፌሰር ስነ-ልቦና
ነዘን እዚ ፕሮፌሰር ዝሓተተን ሕቶታት እንታይ ኢልካ ምመለስካየን፧ ገሊኦም ሰባት: መልሲ እዘን ሕቶታት እዚኣተን ንምርካብ ኢልካ ግዜኻ ምጥፋእ ኣድላዪ ኣይኰነን ኢሎም ይሓስቡ። ይኹን እምበር: ንኸምዚ ዝኣመሰለ ሕቶታት ዕሽሽ ምባል: ነቲ ኣብ ጫማኻ ዘሎ ጸጸር ዕሽሽ ከም ምባል ጌርካ እዩ ዚርአ፣ ከመይሲ: መገድኻ ትቕጽል ትኸውን: እንተዀነ ግን ምሹው ጕዕዞ ኣይትጐዓዝን ኢኻ።
ብዛዕባ ትርጕም ህይወት ትሓስብ እንተ ዄንካ: ንስኻ ጥራይ ኣይኰንካን ብዛዕባ እዚ እትሓስብ። ከመይሲ: ካብቲ ንስነ-ምግባራዊ ስርዓታት ሰባት ብዚምልከት እተገብረ መጽናዕትታት እቲ ዝዓበየ ዝዀነ ስነ-ምግባራዊ ስርዓታት ዓለም ዚበሃል መጽናዕቲ ኸም ዝሓበሮ: ኣብ ብዙሓት ሃገራት ዚነብሩ ቝጽሮም እናወሰኸ ዚኸይድ ዘሎ ሰባት ብዛዕባ “ትርጕምን ዕላማን ህይወት” ይሓስቡ እዮም።
ናይ ሓቂ ኣእምሮኣዊ ሰላም ክትረክብ እንተ ደሊኻ: ነዘን ዚስዕባ ሰለስተ ዓበይቲ ሕቶታት መልሲ ኽትረኽበለን ኣሎካ።
ካበይ ኢና መጺእና፧
ዕላማ ህይወት እንታይ እዩ፧
ኣብ መጻኢ እንታይ እዩ ዚጽበየና፧
ነዘን ኣገደስቲ ሕቶታት እዚኣተን ዚኸውን ዜተኣማምን መልሲ ኻበይ ኢኻ ኽትረክብ እትኽእል፧ ኣብዘን ዚስዕባ ገጻት: ኣብ ግምታዊ ሓሳብ ወይ ኣብ ፍልስፍና እተመስረተ ዘይኰነስ: ኣብቲ ቓል ኣምላኽ ዝዀነ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ መልሲ ተዋሂቡ ኣሎ። ንመጽሓፍ ቅዱስካ ገንጺልካ: ነቲ ዚብሎ ባዕልኻ ኽትርእዮ ንዕድመካ።