የሱስ ናይ ገዛእ ርእሱ መጽሓፍ ቅዱስ ነይርዎዶ፧
የሱስ ናይ ገዛእ ርእሱ መጽሓፍ ቅዱስ ኣይነበሮን። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ እዚ ሕጂ ዘሎና ምሉእ መጽሓፍ ቅዱስ የሱስ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ኣይነበረን። ይኹን እምበር: ኣብ ኣባይቲ ጸሎት ኣይሁድ ክፋላት እቲ ሎሚ እንፈልጦ መጽሓፍ ቅዱስ ዝዀነ ጽሑፋት ዝዀነ እኩብ ጥቕላላት ይዕቀብ ነበረ። የሱስ ኣብ ናዝሬት ኣብ ሓደ ቤት ጸሎት ኣብ ዝነበረሉ እዋን: ካብ ጥቕላል ኢሳይያስ ኣንቢቡ እዩ። (ሉቃስ 4:16, 17) ጳውሎስ ኣብ ኣንጾክያ ናይ ጵሲድያ ‘ንሕግን ነብያትን ኪንበብ’ ከሎ ሰሚዑ እዩ። (ግብሪ ሃዋርያት 13:14, 15) ያዕቆብ እቲ ወደ መዝሙር እውን “ኣብ ቤት ጸሎቶም በብሰንበት ንሙሴ” ኸም ዜንብብዎ ተዛረበ። —ግብሪ ሃዋርያት 15:21
እቶም ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ውልቀ-ሰባትከ ናይ ገዛእ ርእሶም ጥቕላላት ቅዱሳት ጽሑፋት ነይርዎምዶ፧ እቲ ኣብ ቤተ-መንግስቲ ንግስቲ ህንደኬ ዜገልግል ዝነበረ ስሉብ ኢትዮጵያዊ: ንጋዛ ኣብ እተውርድ መገዲ ፊልጶስ ኪራኸቦ ኸሎ: “ኣብ ሰረገላኡ ተቐሚጡ ትንቢት ኢሳይያስ የንብብ” ከም ዝነበረ ተገሊጹ ስለ ዘሎ: ጥቕላላት ነይርዎ ኪኸውን ኣለዎ። (ግብሪ ሃዋርያት 8:26-30) ሃዋርያ ጳውሎስ ንጢሞቴዎስ “እቲ መጻሕፍትን: ምናዳ እቲ ብራናታት” ኬምጽአሉ ሓተቶ። (2 ጢሞቴዎስ 4:13) ዋላ እኳ ጳውሎስ ኣየኖት መጻሕፍቲ ምዃኑ እንተ ዘይተዛረበ: ገለ ኽፋል ቅዱሳት ጽሑፋት እብራይስጢ ኪኸውን ከም ዚኽእል ግን ግልጺ እዩ።
ብመሰረት እቲ ኣላን ሚላርድ ዚበሃል ፕሮፌሰር ሴማዊ ቛንቋታት: ካብ መንጎ ኣይሁድ ናይ ርእሶም ጥቕላላት ቅዱሳት ጽሑፋት ኪውንኑ ዚኽእሉ: “ኣብ ምድሪ ፍልስጥኤም ፍሉይ መሰል ዝነበሮም ሰብኡት: ኵሎም እቶም ምሁራት ኢና ዚብሉ: ገለ ኻብ ፈረሳውያን: ከምኡውን ከም ኒቆዲሞስ ዝኣመሰሉ መምህራን” ጥራይ ነበሩ። ገለ ኻብቲ ኸምዚ ዝዀነሉ ምኽንያት ዋጋኡ ኽቡር ስለ ዝነበረ እዩ። ሚላርድ ብግምት ከም ዝገለጾ: “ዋጋ ሓደ ቕዳሕ መጽሓፍ ኢሳይያስ ካብ ሽድሽተ ኽሳዕ ዓሰርተ ዲናር ዚበጽሕ እዩ:” ወሲኹ ኸም ዝበሎ ድማ ምሉእ መጽሓፍ ቅዱስ እብራይስጢ “ኻብ 15 ክሳዕ 20 ጥቕላላት እዩ ዚኸውን:” እዚ ማለት ከኣ ደሞዝ ፍርቂ ዓመት ኪውድእ ይኽእል።
የሱስን ደቀ መዛሙርቱን ናይ ርእሶም ቅዳሕ ጥቕላላት መጽሓፍ ቅዱስ ከም ዝነበሮም: መጽሓፍ ቅዱስ ኣይነግረናን እዩ። ይኹን እምበር: የሱስ ካብ ቅዱሳት ጽሑፋት ኪጠቅስ ይኽእል ስለ ዝነበረ: ንቕዱሳት ጽሑፋት ኣጸቢቑ ይፈልጦ ምንባሩ ዜተሓታትት ኣይኰነን። (ማቴዎስ 4:4, 7, 10፣ 19:4, 5) ሎሚ ብሓፈሻኡ ንመጽሓፍ ቅዱስ ብሕስር ዝበለ ዋጋን ብቐሊሉን ስለ እንረኽቦ: ኣጸቢቕና ንኽንፈልጦ ኼተባብዓናዶ ኣይግባእን፧