ብስራት ኣብ ሃይቲ ምዝርጋሕ
ሃይቲ ኸምኡውን ዶመኒካን ሪፓብሊክ ኣብታ ሂስፓንዮላ እትበሃል ትሮፒካዊት ደሴት እየን ዚርከባ: ኣብዚ ቦታ እዚ ኸኣ ኣብ ካሪብያን እቲ ዝበረኸ ኣኽራን ይርከብ። ንውሓት እዚ ኣኽራን እዚ ልዕሊ 2,400 ሜተር እዩ ዚበጽሕ። ኣብ እዋን እቲ “ዛሕሊ” ዝበዝሖ ኣዋርሕ: እቲ ኣብ ከበሳ ዚርከብ ንእሽቶ ራህያታት ብረቂቕ ቀጸላ በረድ እዩ ዚሽፈን።
ኣብ ደቡብ ሃይቲ ዘሎ ኣኽራንን ስንጭሮታትን ብልሙዕ ትሮፒካዊ ጫካ እተሸፈነ እዩ። ኣብ ካልእ ቦታታት ግን ኣግራቡ ብምብራሱ ቐላጥን ረቂቕ ዝመሬቱን እተባሕጐጐን እዩ። ናብ ሰሜንን ደቡብን ገጽካ እንተ ተጓዒዝካ: ንሃይቲ መሳጢት ኰይና ኢኻ እትረኽባ። ኣብቲ እተጠዋወየን ጸቢብን መገድታት እቲ ኣኽራን: ካብ ርሑቕ ኴንካ ነቲ ዚምስጥን ወትሩ ዚቀያየርን ትርኢት መሬትን ባሕርን ክትርኢ ትኽእል ኢኻ። ኣዝዩ ብዙሕን ደሚቕ ዝሕብሩን ዕምባባታት እውን ትርኢ ኢኻ።
መብዛሕትኦም እቶም ኣብዛ ውቅብቲ ሃገር ዚነብሩ 8.3 ሚልዮን ዝዀኑ ሰባት: መበቈሎም ካብ ኣፍሪቃ ዝዀነ ሰብ ገጠር እዮም። ብስጋዊ መዳይ ብዙሕ እኳ እንተ ዘይብሎም: ሕያዎትን ተቐበልቲ ኣጋይሽን እዮም። ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንልዕሊ 60 ዓመት ነቲ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ናብዞም ሰባት እዚኣቶም ኬብጽሕዎ ጸኒሖም እዮም: እቶም ሰባት እውን ብጽቡቕ ተቐቢሎምዎም እዮም።—ማቴዎስ 24:14
ኣብ ሓውስ ከተማ ምስባኽ
ነቲ ሓንቲ ሚስዮናዊት ንፈለማ እዋን ናብ ሓውስ ከተማ ዝገበረቶ ምብጻሕ ከም ኣብነት ክንወስዶ ንኽእል ኢና። ከምዚ ብምባል ድማ ጸሓፈት:-
“ኣብ መጋቢት 2003 ካብታ ሚስዮናውያን ዘበልና እንነብረላ: ካብ ርእሲ ኸተማ ዝዀነት ፖርት ኡ ፕራንስ ብሸነኽ ሰሜን 30 ኪሎ ሜተር ርሒቓ ካብ እትርከብ ካባሬ: መገዲ ፍርቂ ሰዓት ተጓዒዝካ ናብ ዘላ ካዛል እትበሃል ንእሽቶ ኸተማ ንኽንሰብኽ ከድና። ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብ1999 ናብዛ ቦታ እዚኣ መጺኦም ነይሮም እዮም፣ ነቲ ጕዕዞና ድማ ሰዓት 7:00 ናይ ንግሆ ብዓብዪ ህንጥዮት ኢና ጀሚርናዮ። ዕስራን ክልተን እንኸውን: ዳርጋ ዅላ ጉባኤና ማለት እዩ: በተን ክልተ ሚኒባስ ማካይን ክንጐዓዝ ጀመርና። በቲ ቕጥራን ዘይተለበጠ መገዲ ኽንከይድ ከለና ድማ ብሓጐስ ነዕልልን ንስሕቕን ነበርና: ኣብቲ ብብዝሒ ዓበይቲ ኣእዋም ዚርከቦ ስንጭሮ ኸኣ በጻሕና። በዚ ስንጭሮ እዚ ዚውሕዝ ፈለግ ኣሎ: ከተማ ካዛል ድማ ኣብ ክልቲኡ ወገን እቲ ፈለግ እያ እትርከብ።
“ታሪኽ እዛ ህድእቲ ኸተማ እዚኣ ንድሕሪት ክሳዕ መጀመርታ መበል 19 ዘመን እዩ ዚበጽሕ: ኣብቲ ግዜ እቲ ወተሃደራት ፖላንድ ነቶም ኣብ ሃይቲ ባሮት ዝነበሩ ሰባት ናጽነቶም ንኺረኽቡ ኺሕግዝዎም ምስ መጹ ኣብኡ ምስ ኣንስቶም ተረፉ። በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ ባህ ዜብል ሕውስዋስ ህዝቢ ተፈጥረ። ጻዕዳ: ጸሊም: ከደራይ ዝሕብሩ ቘርበት ዘለዎም ከምኡውን ቀጠልያን ደሚቕ ቡናውን ዝሕብሩ ብሌን ዘለዎም ነበርቲ እቲ ዓዲ ምርኣይ ዚስሕብ እዩ።
“ኣብታ መጀመርታ ዝዃሕኳሕናያ ማዕጾ ዚነብር ሰብኣይ ተገዳስነት ኣየርኣየን። ካብኡ ምስ ከድና ግን ሓደ ሰብኣይ ናባና መጸ። ኣብ መንጎ የሱስን ኣምላኽን ፍልልይ ከም ዘሎ ንኣምን እንተ ዄንና እዩ ኺፈልጥ ደልዩ። መጽሓፍ ቅዱሱ ሒዙ ንኺመጽእ ምስ ሓተትናዮ ኸይዱ ኣምጽኦ፣ እቲ ቐጺልና ኻብ ቅዱሳት ጽሑፋት ዝገበርናዮ ምይይጥ: የሱስ ወዲ ኣምላኽ ከም ዝዀነን የሆዋ ድማ ‘በይኑ ኣምላኽ’ ምዃኑን ኣእመኖ። (ዮሃንስ 17:3) ብዙሓት ሰባት ምስኦም ኮፍ ኢልና ንኽንዘራረብ ዓደሙና። ገሊኦም ድማ ‘መዓስ ኢኹም ተመሊስኩም መጺእኩም ምሳና መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ እትገብሩ፧’ ኢሎም ሓተቱና።
“ፍርቂ መዓልቲ ኣኺሉ ጽቡቕ ጽላል ዘለዎ ቦታ ምስ ረኸብና: ምሳሕና ኽንበልዕ ተዳለና። ክልተ ኣሓት ብዓብዪ ድስቲ ገይረን ዓሳ ኸሺነን ነበራ። ኣዝዩ ጥዑም እዩ ነይሩ! እናበላዕናን እናዕለልናን ከለና ድማ እግረ መገድና ነቶም ሓለፍቲ መገዲ ንሰብከሎም ነበርና። ብድሕርዚ ነቲ ፈለግ ብምስጋር ናብ ካልእ ሸነኽ እቲ ኸተማ ኸድና። ምስቶም ኣብ ትሕቲ እቲ ኣብ ጥቓ ገዛኦም ዚርከብ ኣእዋም ኮፍ ኢሎም ዝነበሩ ጥዑማት ሰባት ምዝርራብና ኣሐጒሱና እዩ። ድምጺ እቶም ዚጻወቱ ዝነበሩ ቘልዑ: ድምጺ እተን ኣብቲ ፈለግ ክዳውንቲ ዚሓጽባ ዝነበራ ደቀ ኣንስትዮ: ከምኡውን ድምጺ እተን ቡን ዚወቕጣ ዝነበራ ዓበይቲ ኣንስቲ ምስማዕ ባህ ዜብል እዩ።
“ሰዓት ኣርባዕተ ድሕሪ ቐትሪ ምስ ኰነ: እታ ጕጅለና ናብ ካባሬ ንኽትምለስ ተዳለወት። ኣነን ሰብኣየይን ናብታ ተቐበልቲ ኣጋይሽ ዝዀኑ ሰባት ዚነብሩላ ካዛል ንመጀመርታ ግዜ ብምኻድና ባህ እዩ ኢሉና።”
እቶም ናይ መጀመርታ ሚስዮናውያን ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብ1945 ካብ ዝመጹ ኣትሒዙ: ቍጽሪ እቶም ኣወጅቲ መንግስቲ ኣምላኽ ብቐጻሊ እዩ ወሲኹ፣ ኣብዚ እዋን እዚ ኣብቲ ዕዮ ስብከት ዚካፈሉ ኸምኡውን ንልዕሊ 22,000 ዝዀኑ ሰባት መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዚመርሑ 14,000 ኣስፋሕቲ ኣለዉ። ንልቢ እቶም ኣብ መጋቢት 2005 ኣብ በዓል ዝኽሪ እተኻፈሉ 59,372 ዝዀኑ ሰባት ተንኪፎም እዮም: ነቲ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ድማ ብግህዶ ይሰብኩ ኣለዉ። እስከ ቐጺልና ዕዮ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ ሰባት ጽልዋ ዘሕደረሉ መገድታት ንርአ።
እቲ ብስራት ብስነ-ጥበብ ኪግለጽ ከሎ
መብዛሕትኦም ነበርቲ ሃይቲ ደሚቕ ሕብሪ ይፈትዉ እዮም። ነዚ ድማ ኣብ ኣከዳድናኦም: ኣብ ገዛኦም: ኣብቲ ኣብ ስፍራ ኣታኽልቶም ዚርከብ ዕምባባታት: ከምኡውን ኣብ ስነ-ጥበባዊ ስርሖም ይርአ እዩ። እቲ ላር ኣዪስየን ተባሂሉ ዚፍለጥ ኣብ ሽራዕ ብድሙቕ ዚሰኣል ስእሊ ኣብ ኵሉ ጐደናታት ፖርት ኡ ፕራንስ እዩ ዚርአ። ነዚ ዚዕድጉ ሰባት ድማ ካብ ብዙሕ ሃገራት እዮም ዚመጹ።
ደሚቕ ሕብርታት ኣብ ሽራዓት ጥራይ ኣይኰነን ዚርአ። ጐደናታት ፖርት ኡ ፕራንስ በተን ካሚኖተስ ወይ ታፕ ታፕስ ዚበሃላ መጐዓዝያ ህዝቢ ዝመልአት እያ: ኣብዚኣተን እውን ብጥንቃቐ እተቐብአ ስእሊ ይርአ እዩ። እዚ ስእሊ እዚ መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመርኰሰ እዩ።
በቲ ጐዳና ኽትጐዓዝ ከለኻ: ሃንደበት ኣዳምን ሄዋንን ኣብ ገነት ከለዉ ዜርኢ ስእሊ ትርኢ ትኸውን። እዚ ድማ ኣብ ናይ ድሕሪት መስትያት እተን ካሚኖተ ኢኻ እትርእዮ። ስም የሆዋ ዘለዎ ጥቕስታትን ጭርሖታት እውን ኣብዘን ማካይን እዚኣተን ወይ ኣብ ንግዳዊ ትካላት ይርአ እዩ።
ነቲ ብስራት ኣብ ቤት ትምህርቲ ምክፋል
ኣብ ሃይቲ ዚነብሩ መንእሰያት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ነቶም መማህርቶም ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስ ኪፈልጡ ንምሕጋዝ ጽቡቕ ኣጋጣሚ ይረኽቡ እዮም። እዚ ቐጺሉ ዘሎ ጓል 17 ዓመት ናይ የሆዋ ምስክር ዝጸሓፈቶ ጸብጻብ ሓደ ኣብነት እዩ:-
“ሓደ እዋን: ሓደ መማህርተይ ‘ምንዝር’ እንታይ ማለት ምዃኑ ሓተተኒ። ኣነ ግን ኪቀራረበኒ እዩ ደልዩ ብምባል ሸለል በልክዎ። ንኻልእ ተመሃራይ ምስ ሓተቶ ግን እታ ኽፍሊ ብምልእታ ተገዳስነት ሓደራ። ብዛዕባ እቲ ርእሰ ነገር ቍሩብ ምርምር ድሕሪ ምግባር ኣብታ ቐጺላ ዝነበረት ሰሙን ነቶም ተመሃሮ: ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብስነ-ምግባራዊ: ብመንፈሳዊ: ከምኡውን ብኣካላዊ መዳይ ንጹሃት ዝዀኑሉ ምኽንያት ገለጽኩሎም።
“እቶም ተመሃሮ ብዙሕ ሕቶታት ሓተቱ: ነቲ ኻብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝሃብክዎም መልሲ ድማ ተቐበልዎ። እቲ ኣቐዲሙ ተጠራጢሩ ዝነበረ ርእሰ መምህራን እውን ብዙሕ ሕቶታት ሓተተ: ብዛዕባ እዚ ንኻልኦት ተመሃሮ ንኽነግሮም ድማ መሰናድዎ ገበረለይ። ነታ መንእሰያት ዝሓትዎ ሕቶታትን ተግባራዊ መልስታቱንa ዘርእስታ መጽሓፍ ምስ ኣርኣኽዎም: ብዙሓት ተገዳስነት ኣርኣዩ። ኣብታ ቐጺላ ዝነበረት መዓልቲ ድማ 45 መጻሕፍቲ ኣበርከትኩ። ብዙሓት ነታ መጽሓፍ ኣንቢቦም ወድእዋ: ገሊኦም ከኣ ምስቶም ኣብ ከባቢኦም ዝነብሩ ናይ የሆዋ መሰኻኽር መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ይገብሩ ኣለዉ። ኣብቲ ኣነ ዝነብረሉ ኸባቢ ዚነብር ሓደ ተመሃራይ ድማ ኣብ ኵሉ ኣኼባታት ይካፈል ኣሎ።”
ንቛንቋ ክሪዮል ምጥቃም
እቶም ኣብ ሃይቲ ዚነብሩ ህዝብን እታ ዓድን ኣዝዮም ሰሓብቲ እዮም: እቲ ቓላት ፈረንሳይኛን ስዋስው ምዕራብ ኣፍሪቃን ብሓደ ጸምቢሩ ዝሓዘ ቛንቋ ክሪዮል ሃይቲ እውን ከምኡ እዩ። እዚ ንደቂ ሃይቲ: ቋንቋ ኣዲኦምን ልቦም ዚትንክፎም ቋንቋን እዩ። ናይ የሆዋ መሰኻኽር በዚ ቛንቋ እዚ ገይሮም እዮም ኣገልግሎቶም ዚገብሩ: ዝያዳ ጽሑፋት መጽሓፍ ቅዱስ ብቛንቋ ክሪዮል ሃይቲ ንምሕታም ድማ መሰናድዎ ይግበር ኣሎ።
ብ1987 እታ ንዘልኣለም አብ ምድሪ ብምንባር ተሐጎሱ! እትብል ብሮሹር ብቛንቋ ክሪዮል ሃይቲ ተተርጐመት: ቀጺሉ ድማ ናብ ዘለኣለማዊ ህይወት ዝመርሕ ፍልጠት ከምኡውን ኣምላኽ ካባና ዝደልዮ ብቕዓት እንታይ ኢዩ፧ ዘርእስተን ጽሑፋት ወጻ። እዘን ጽሑፋት እዚኣተን ነቶም ብዛዕባ ቓል ኣምላኽ መሰረታዊ ምርዳእ ኪህልዎም ዚደልዩ ሓደስቲ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ሓጊዘናኦም እየን። ካብ 1 መስከረም 2002 ጀሚሩ እውን ግምቢ ዘብዐኛ ብቛንቋ ክሪዮል ሃይቲ ኺሕተም ጀመረ። ዋላኳ ሕጂውን ሰባት ነቲ ብፈረንሳይኛ እተዳለወ ጽሑፋት ይጥቀሙ እንተ ዀኑ: ብዙሓት ግን ነቲ ብቛንቋኦም እተዳለወ ጽሑፍ እዮም ኬንብቡ ዚደልዩ።
ነቲ ብስራት ናብቶም ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዘለዉ ምብጻሕ
ኣብዚ ቐረባ እዋን ናይ የሆዋ መሰኻኽር ነቲ ብስራት ናብቶም ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዚርከቡ ሰብኡትን ኣንስትን የብጽሕዎ ኣለዉ። እቶም ነዚ ዚገብሩ ዘለዉ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ነቶም ኣብ ዜጕሂ ዅነታት ዘለዉ ሰባት ከምዚ ዝበለ ዜጸናንዕ መልእኽቲ ኼብጽሑሎም ሕጉሳት እዮም። ሓደ ክርስትያን ኣገልጋሊ ኸምዚ ብምባል ጸብጸበ:-
“ኣብቲ ንፈለማ እዋን ናብቲ ቤት ማእሰርቲ ዝገበርናዮ ምብጻሕ: እቶም እሱራት ኣብ ሓደ ዓብዪ ኽፍሊ ተኣከቡ። እንታይ ምላሽ ይህቡና ይዀኑ ኢልና ንሓስብ ነበርና። ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስ ምርዳእ ንኺህልዎም ክንሕግዞም ከም ዝመጻእና ምስ ነገርናዮም: ኵሎም 50 እሱራት ብጽቡቕ ተቐበሉና። ነተን ኣፕላይ ዮርሰልፍ ቱ ሪዲን ኤንድ ራይቲን ከምኡውን ንዘልኣለም አብ ምድሪ ብምንባር ተሐጎሱ! ዘርእስተን ብሮሹራት ብቛንቋ ክሪዮል ኣርኣናዮም: ምስ 26 ዝዀኑ ሰባት ድማ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ጀመርና። ዓሰርተ ኻብኣቶም መሃይም እዮም ነይሮም: ነቲ ኣብታ ብሮሹር ዘሎ ስእልታት ብምጥቃም ከመይ ገይሮም ነቲ ቓላት ከም ዚርድእዎ ምስ ኣርኣናዮም ግን ተገዳስነት ኣሕደሩ።”
እቶም ናይ የሆዋ መሰኻኽር ተመሊሶም ምስ መጹ: ሓደ ሰብኣይ “ነታ ብሮሹር ደጊመ ደጋጊመ እየ ኣንቢበያ። ብዛዕባ እቲ እትብሎ ነገራት ድማ ብዙሕ እየ ሓሲበሉ: ነቲ ምብጻሕኩም ብሃንቀውታ እየ ዝጽበዮ ነይረ” በለ። ሓደ ብሰንኪ ዘረፋ እተኣስረ ሰብኣይ ኪልወጥ ከም ዚደሊ ተዛረበ: ምስ ሰበይቱ እተጽንዕ ሰብ ንኽትለኣኸላ ድማ ሓተተ። ኣብ ቤት ማእሰርቲ እተኣስረ ኣቦ ኽልተ ቘልዑ ዝዀነ ሓደ ሰብኣይ ከኣ ሰበይቱ ኣብ መንጎ ናይ ሓቅን ናይ ሓሶትን እምነታት ዘሎ ፍልልይ ንኽትፈልጥ ምስኣ መጽናዕቲ እትገብር ሰብ ንኽትለኣኸላ ሓተተ። ሓደ ንኣባላት ቤተ-ክርስትያኑ ብዙሕ ገንዘብ ብምትላሉ እተኣስረ ቐሺ ፕሮተስታንት ሕጂ ንሓቂ ስለ ዝረኸባ: ካብ ቤት ማእሰርቲ ምስ ተፈትሐ ነቶም ኣባላት እቲ ቤተ-ክርስትያን ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንኪዀኑ ኸም ዚሕግዞም ተዛረበ።
ካልእ እሱር: እታ ብቕዓት ዘርእስታ ንዕኡ እተዋህበቶ ቕዳሕ ብሮሹር ስለ ዝጠፍኣቶ: ካብቲ መተኣስርቱ ብምልቃሕ ንብምሉኡ ቐድሖ: ኣብ ኣእምሮኡ ድማ ሓዞ። ሓንቲ እስርቲ ነቲ እተማህረቶ ትምህርቲ ንትሽዓተ መተኣስርታ ተካፍለንን መጽናዕቲ ትመርሓለንን ነበረት። ሓደ እሱር ነታ ብሮሹር ወዲኡ መጽሓፍ ፍልጠት ምስ ጀመረ: ነቶም መተኣስርቱ ኺሰብከሎም ጀመረ። ድሕሪ ሓጺር እዋን ድማ ንኣርባዕተ እሱራት መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኪመርሕ ጀመረ።
መርኮኒb ኣቐዲሙ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ይገብር ነበረ: ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝዀኑ ኣዝማድ ከኣ ነበርዎ። ንኻልኦት እሱራት ድማ ነቲ ኣዝማዱ ዜምጽኡሉ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ጽሑፋት ንኼንብቡ የተባብዖም ነበረ። ከምዚ ድማ በለ:- “ነቶም እሱራት ጽሑፍ ክህቦም ከለኹ: ናይ የሆዋ ምስክር ኢሎም ይጽውዑኒ ነበሩ። ኣነ ግን ናይ የሆዋ ምስክር ምዃን እንታይ ማለት ምዃኑ ስለ ዝፈልጦ: ናይ የሆዋ ምስክር ከም ዘይኰንኩ እነግሮም። ሕጂ ግን ነዚ ጕዳይ እዚ ብርዝነት እየ ኽርእዮ ዝደሊ: መጽናዕቲ ኽገብርን ክጥመቕን እየ ዝደሊ። ብንእስነተይ ነቲ ኣሕዋተይ ዝኽተልዎ ዝነበሩ እንተ ዝስዕብ ነይረ: ሕጂ ኣብዚ ቤት ማእሰርቲ ኣይምኣተኹን ነይረ።”
ሓደ ኻብቶም ካብ መርኮኒ ጽሑፍ ዝወሰዱ እሱራት: ነቲ ኺበጽሖም ዝመጸ ሓው ከምዚ በሎ:- “ዝሓለፈ ሰኑይ ቅድሚ ምምጻእኩም: ኣዝየ ተጨኒቐ ስለ ዝነበርኩ ህይወተይ ከጥፍእ እየ ሓሲበ ነይረ። ነቲ መጽሔታት ምስ ኣንበብኩ ግን: ኣምላኽ ንዅሉ እቲ ዝገበርክዎ ነገራት ይቕረ ንኺብለለይን ነታ ቕንዕቲ መገዲ ዜርእየኒ ሰብ ንኺልእከለይን ጸለኹ። ኣብታ ቐጺላ ዝነበረት መዓልቲ ምስቶም እሱራት መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንምግባር ምስ መጻእኩም ኣዝየ እየ ተሓጒሰ! ንየሆዋ ብኸመይ ከገልግሎ ኸም ዘሎኒ ምሃሩኒ።”
ንቕሑ! ነቲ ብስራት ናብ ብዙሓት ሰባት ተብጽሕ
እታ ብ8 ሕዳር 2000 ዝወጸት ሕታም ንቕሑ! (እንግሊዝኛ) ብዛዕባ ሞያ ምእላይ ሕሙማት ዚገልጽ ሓሳብ ሒዛ ወጺኣ ነበረት። ሓንቲ ሰበይቲ 2,000 ቅዳሓት ተቐቢላ ነቶም ኣብ ፖርት ኡ ፕራንስ ንዓውደ-መጽናዕቲ ተኣኪቦም ዝነበሩ ኣለይቲ ሕሙማት ዓደለቶም። እታ ብ8 ሓምለ 2002 ዝወጸት ብዛዕባ ፖሊስን ስርሖምን እትገልጽ ሕታም ንቕሑ! (እንግሊዝኛ) ነቶም ኣብ ፖርት ኡ ፕራንስ ዘለዉ ኣባላት ፖሊስ ብሰፊሑ ተበርኪታ እያ። ገሊኦም ነዚ ኣዝዮም እዮም ኣማስዮምሉ: ንናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ መገዲ ኺረኽብዎም ከለዉ ድማ ነታ መጽሔት እቲኣ ንኺህብዎም ይሓትዎም እዮም።
ኣብዚ ቐረባ እዋን: ሓንቲ ብዓል-ስልጣን ዓለማዊ ውድብ ጥዕና ንሰባት ብዛዕባ ጸገም አይድስ ክትምህሮም መደብ ገበረት። ናብ ቤት ጽሕፈት ጨንፈር ናይ የሆዋ መሰኻኽር ተዓዲማ ምስ መጸት: ብዛዕባ እቲ ርእሰ ነገር ኣብ ንቕሑ! ዝወጸ ሓበሬታ ኣርኣይዋ። ንአይድስ ንምዕጋት እቲ ዝበለጸ መገዲ እንታይ ምዃኑ ኸምኡውን ነቶም በቲ ቫይረስ እተለበዱ ሰባት ንኺጾርዎ ብኸመይ ከም እትሕግዞም ዚሕብር ካብ መጽሓፍ ቅዱስ እተወስደ ዓንቀጽ ምስ ረኣየት ኣዝዩ መሰጣ። ንቕሑ! ብዛዕባ እዚ ርእሰ ነገር እዚ ሓበሬታ ኣብ ምሃብ ግንባር ቀደም ምዃና ድማ ገለጸት።
እወ: ናይ የሆዋ መሰኻኽር ከምቲ ኣብ 234 ካልኦት ሃገራት ዚገብርዎ ዘለዉ: ነቲ ብስራት ብብዙሕ መገድታት ኣብ ሃይቲ እውን ይዝርግሕዎ ኣለዉ። ብዙሓት ሰባት ድማ ነዚ ተስፋ ዝሓዘለ መልእኽቲ እዚ ምላሽ ይህቡሉ ኣለዉ፣ ኣብ ርእሲ እዚ ኸኣ ኣብቲ ሕጂ ኣብ ህይወቶም ዜጋጥሞም ዘሎ ጸገማት ዘይኰነስ: ኣብቲ እቶም ነቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ዝዀነ የሆዋ ዜምልኹ ሰባት ዚረኽብዎ ኣኺሉ ዚተርፍ ፍጹም ህይወት ንኺጥምቱ ሓገዝ ይረኽቡ ኣለዉ።—ራእይ 21:4
[እግረ-ጽሑፋት]
a እቲ ኣብዚ ኣርእስትታቱ ተገሊጹ ዘሎ ጽሑፋት: ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተሓትመ እዩ።
b ስም ተቐዪሩ እዩ።
[ምንጪ ስእሊ]
Background: ©Adalberto Rios Szalay/photodisc/age fotostock