የሆዋ ኸቶ ኣይኪሓድገካን እዩ
ኣብ ይሁዳ ዝነበሩ ክርስትያናት: በቲ ሓደ ሸነኽ ከቢድ መስጐጕቲ ይወርዶም: በቲ ኻልእ ከኣ ምስቲ ኣብቲ እዋን ኣስፋሕፊሑ ዝነበረ ኣብ ፍቕረ-ንዋይ ዜተኵር ኣተሓሳስባ ይቃለሱ ነበሩ። ሃዋርያ ጳውሎስ ንኼተባብዖም ኢሉ ነቲ የሆዋ ንእስራኤላውያን ናብታ ምድሪ ተስፋ ቕድሚ ምእታዎም እተዛረቦ ቓላት ጠቐሰሎም። ጳውሎስ “ኣይክሐድገካን ዕሽሽውን ከቶ ኣይክብለካን እየ” ኢሉ ጸሓፈ። (እብራውያን 13:5፣ ዘዳግም 31:6) እዚ ነቶም ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ እብራውያን ክርስትያናት ከም ዘበርተዖም ዜጠራጥር ኣይኰነን።
እዚ መብጽዓ እዚ ነቲ ኣብዚ እንነብረሉ ዘለና “ኽፉእ” ዘመን ዜጋጥመና ጭንቀት ንኽንዋጽኣሉ: ንዓና እውን የበርትዓና እዩ። (2 ጢሞቴዎስ 3:1) ኣብ የሆዋ እንእመንን ነዚ ኸኣ ብግብርና እነርእዮን እንተ ዄንና: ዋላ ኣብ ትሕቲ ኣዝዩ ጽንኩር ኵነታት እውን ይኹን ኪድግፈና እዩ። የሆዋ ነዚ ዝኣተዎ መብጽዓ ብኸመይ ከም ዚሕሉ ንምርኣይ: ሓደ ሰብ ሃንደበት መነባብሮኡ ምስ ዚስእን ብኸመይ ከም ዚሕግዞ እስከ ንመርምር።
ሃንደበታዊ ለውጢ ኼጋጥም ከሎ
ኣብ መላእ ዓለም ቍጽሪ ስራሕ ዘይብሎም ሰባት እናወሰኸ እዩ ዚኸይድ ዘሎ። ኣብ ፖላንድ እትሕተም ሓንቲ መጽሔት: ሽቕለተ-ኣልቦነት “ሓደ ኻብቲ ኣዝዩ ኸቢድ ማሕበራውን ቍጠባውን ጸገማት እዩ” በለት። ኣብተን ብኢንዱስትሪ ዝማዕበላ ሃገራት እውን ተመሳሳሊ ሽግር ኣሎ። ንኣብነት: ብ2004 ኣብተን ኣባላት ውድብ ቍጠባዊ ምትሕግጋዝን ምዕባለን ዝዀና ሃገራት እውን ከይተረፈ ብዝሒ ስራሕ ዘይብሎም ሰባት: “ልዕሊ 32 ሚልዮን በጺሑ እዩ። እዚ ኸኣ ካብቲ ኣብ 1930ታት ዘጋጠመ ዓብዪ ቝጠባዊ ቕልውላው ዝለዓለ እዩ።” ቤት ጽሕፈት ማእከላዊ ኣሃዛዊ ጸብጻብ ፖላንድ ካብ ሕዳር 2003 ኣትሒዙ ሰለስተ ሚልዮን ሰባት ስራሕ ከም ዘይብሎም ገለጸ። ካብዚኣቶም እቶም “18 ሚእታዊት ኪሰርሑ ኣብ ዚኽእልሉ ዕድመ ዚርከቡ እዮም።” ብመሰረት ሓደ ምንጪ ኸኣ ኣብ 2002 ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ቝጽሪ ስራሕ ዘይብሎም ጸለምቲ ደቡብ ኣፍሪቃውያን 47.8 ሚእታዊት በጺሑ ነበረ።
ንብዙሓት ሰባት: እንተላይ ነገልገልቲ የሆዋ: ካብ ስራሕ ሃንደበት ምውጻእ የፍርሆም እዩ። ንዅሉ ሰብ ግን “ጊዜን ኣጋጣምን” ይመጾ እዩ። (መክብብ 9:11) ምናልባት ንሕናውን ከምቲ ዳዊት እቲ ጸሓፍ መዝሙር “ጭንቀት ልበይ ዐዚዙ” ዝበሎ ይስምዓና ይኸውን። (መዝሙር 25:17) ነዚ ኸምዚ ዝኣመሰለ ኣጸጋሚ ዅነታት ክትዋጽኣሉ ትኽእል ዲኻ፧ ከመይሲ: ከምዚ ዝኣመሰለ ዅነታት ንስምዒትካን ንመንፈሳውነትካን ንኣካላዊ ጥዕናኻን ኪጸልዎ ይኽእል እዩ። ካብ ስራሕ እንተ ወጺእካ: ተመሊስካ ናብቲ ዝነበርካዮ ዅነታት ክትምለስ ትኽእል ዲኻ፧
ንስምዒታዊ ጸቕጢ ምጽዋሩ
ናይ ስነ-ኣእምሮ ተመራማሪ ዝዀነ ያኑሽ ቪትዝሂንስኪ: “ካብ ስራሕ ምውጻእ ንሰብኡት ዝያዳ ይጐድኦም” በለ። እዚ ዝዀነሉ ምኽንያት ከኣ ከም ቀንዲ ኣለይቲ ስድራ ጌርካ ስለ ዚርኣዩ እዩ። ካብ ስራሕ ምውጻእ ነቲ ሰብኣይ “ብዙሕ ስምዒታት የምጽኣሉ።” ይሓርቕ: ኵነታቱ ድማ ፈጺሙ ኪቕየር ከም ዘይክእል ኰይኑ ይስምዖ። ሓደ ኻብ ስራሕ እተሰናበተ ኣቦ ርእሰ-ተኣማንነቱ ስለ ዜጥፍእ: “ምስ ስድራቤቱ ኺበኣስ” ይጅምር ይኸውን።
ክልተ ቘልዑ ዘለውዎ ሓደ ኣዳም ዚበሃል ክርስትያን: ካብ ስራሕ ኣብ ዝወጸሉ እዋን ከመይ ከም እተሰምዖ ኺገልጽ ከሎ: “ብቐሊል ነገር እርበሽ: ኵሉ ነገር ድማ የሕርቐኒ ነበረ። ብሕልመይ እውን ከይተረፈ ብዛዕባ ስራሕን ንደቀይን ነታ ብሃንደበት ካብ ስራሕ ወጺኣ ዝነበረት ሰበይተይን ዜድልዮም ነገራት ብኸመይ ከም ዘማልኣሎምን ይረኣየኒ ነበረ” በለ። ሪሻርድን ማሪዮላን ዚበሃሉ ሓንቲ ውላድ ዘላቶም ሰብ ሓዳር: ኣብቲ ኣታዊ ዝሰኣኑሉ እዋን ብዙሕ ናይ ባንክ ዕዳ ነበሮም። እታ ሰበይቲ “ኣዝየ እየ ተረቢሸ ነይረ። ነቲ ገንዘብ ምልቃሕና ጌጋ ኸም ዝነበረ ሕልናይ ወትሩ ይወቕሰኒ ነበረ። እዚ ዅሉ ናተይ ጌጋ ኸም ዝዀነ ይስምዓኒ ነበረ” በለት። ከምዚ ዝኣመሰለ ዅነታት ምስ ዜጋጥመና ብቐሊሉ ንሓርቕ: ንጭነቕ ወይ ንማረር: ከምኡውን ንስምዒታትና ምቍጽጻር ንስእን ንኸውን። ከመይ ጌርና ደኣ ኢና እሞ ነዚ ኣሉታዊ ስምዒታት ክንቈጻጸሮ እንኽእል፧
መጽሓፍ ቅዱስ ኣወንታዊ ኣተሓሳስባ ኽንሕዝ እንኽእለሉ ውጽኢታዊ ዝዀነ ምኽሪ ይህበና እዩ። ሃዋርያ ጳውሎስ “ድሌትኩም ዘበለስ ብጸሎትን ልማኖን ምስናይ ምስጋና ኣብ ኣምላኽ ይፈለጥ እምበር: ብገለ እኳ ኣይትጨነቑ። እቲ ኻብ ኵሉ ኣእምሮ ዚበልጽ ሰላም ኣምላኽ ድማ ንልብኹምን ሓሳብኩምን ብክርስቶስ የሱስ ኪሕልዎ እዩ” ብምባል መዓደ። (ፊልጲ 4:6, 7) ብጸሎት ናብ የሆዋ ብምቕራብ “ሰላም ኣምላኽ:” ማለት ሳላቲ ኣብ ኣምላኽ ዘሎና እምነት ናይ ኣእምሮ ሰላም ንረክብ። ሰበይቲ ኣዳም ዝዀነት ኢሬና “ንየሆዋ ብዛዕባ እቲ ዘለናዮ ዅነታትን ንናብራና ብኸመይ ዝያዳ ቐሊል ክንገብሮ ኸም ዝሓሰብናን ብጸሎት ነገርናዮ። እቲ ብዝዀነ ነገር ዚጭነቕ ዝነበረ ሰብኣየይ: ነቲ ጸገም ፍታሕ ክንረኽበሉ ኸም እንኽእል ኪስምዖ ጀመረ” በለት።
ካብ ስራሕካ ሃንደበት እንተ ወጺእካ: ነቲ የሱስ ኣብ ከረን ኣብ ዝሃቦ ስብከት: “ንህይወትኩም ብትበልዕዎን ብትሰትይዎን ወይስ ንስጋኹም ብትኽደንዎን ኣይትጨነቑ: . . . ቅድም መንግስቲ ኣምላኽን ጽድቁን ድለዩ: እዚ ዅሉ ድማ ይውሰኸልኩም” ብምባል ዝሃቦ ማዕዳ ንምስዓብ ጽቡቕ ኣጋጣሚ ኣሎካ። (ማቴዎስ 6:25, 33) ሪሻርድን ማሪዮላን ነቲ ዝነበሮም ስምዒታዊ ጸቕጢ ኣብ ምጽዋር ነዚ ማዕዳ እዚ ተጠቒሞሙሉ እዮም። ማሪዮላ “ብዓል ቤተይ የሆዋ ኸም ዘይሓድገና ብምንጋር ወትሩ የጸናንዓኒ ነበረ” በለት። ሰብኣያ ኸኣ “ብሓንሳብ ኴንና ኣዘውቲርና ብምጽላይ ናብ የሆዋ ኽንቀርብን ኣብ ንሓድሕድና ድማ ዝያዳ ኽንቀራረብን ክኢልና ኢና። እዚ ኸኣ ነቲ ዜድልየና ምጽንናዕ ሂቡና እዩ” በለ።
ናይ ኣምላኽ መንፈስ ቅዱስ እውን ይሕግዘና እዩ። ከመይሲ: እቲ ፍረ መንፈስ ዝዀነ ርእሰ-ግትኣት: ስምዒታትና ኣብ ምህዳእ ይሕግዘና። (ገላትያ 5:22, 23 ትርጕም 1990) እዚ ቐሊል ከይከውን ይኽእል እዩ። ኰይኑ ግን: የሱስ: ‘ኣብ ሰማይ ዘሎ ኣቦ ንዚልምንዎ መንፈስ ቅዱስ ይህቦም’ ብምባል ተመባጺዑ እዩ።—ሉቃስ 11:13፣ 1 ዮሃንስ 5:14, 15
ነቲ ብመንፈስ ዜድልየካ ነገራት ሸለል ኣይትበሎ
ንሓደ ሚዛኑ ዚሕሉ ክርስትያን እውን እንተዀነ ሃንደበት ካብ ስራሕ ምስንባት ዜጨንቕ ነገር እዩ። እንተዀነ ግን: ነቲ ብመንፈስ ዜድልየና ነገራት ዕሽሽ ክንብሎ የብልናን። ንኣብነት: ሙሴ ወዲ 40 ዓመት ከሎ ነቶም ልዑላን ቤተሰብ ሓዲጉ: ነቲ ግብጻውያን ዚጽየፍዎ ዝነበረ ዕዮ ጓሳ ኺዓዪ ምስ ጀመረ ህይወቱ ተቐየረ። (ዘፍጥረት 46:34) ኣብቲ እዋን እቲ ምስቲ ሓድሽ ኵነታት ኪላመድ ነበሮ። ነቲ ዚጽበዮ ዝነበረ ሓድሽ ሓላፍነት ንኺፍጽም: ን40 ዓመት የሆዋ ኪቐርጾን ኬዳልዎን ፈቐደ። (ዘጸኣት 2:11-22፣ ግብሪ ሃዋርያት 7:29, 30፣ እብራውያን 11:24-26) ዋላኳ እተፈላለየ ጸገማት የጋጥሞ: ኣብ መንፈሳዊ ነገራት ብምትኳር የሆዋ ኼሰልጥኖ ፍቓደኛ ዀነ። እቲ ዜጋጥመና ኣጸጋሚ ዅነታት ንስነ-ምግባራዊ ስርዓታትን እምነታትን ዕሽሽ ከም እንብል ንኺገብረና ፈጺምና ኣይነፍቅድ።
ካብ ስራሕ ምውጻእ ስምዒትና ዚጐድእ ነገር እኳ እንተዀነ: ነቲ ምስ የሆዋ ኣምላኽን ምስ ህዝቡን ዘሎና ዝምድና ዝያዳ ንምጥባቕ ዜኽእል ጽቡቕ ኣጋጣሚ እዩ። እቲ ኣቐዲሙ እተጠቕሰ ኣዳም እውን ከምዚ ተሰሚዕዎ ነበረ። “ኣብቲ ኣነን ብዓልቲ ቤተይን ካብ ስራሕ ወጺእናሉ ዝነበረ እዋን: ካብ ክርስትያናዊ ኣኼባታት ክንተርፍ ወይ ኣብቲ ዕዮ ወንጌላውነት ዝነበረና ተሳትፎ ኽንንኪ ኢልና ሓሲብና ኣይንፈልጥን። እዚ ድማ ብዛዕባ ጽባሕ ካብ መጠን ንላዕሊ ንኸይንጭነቕ ገይሩና እዩ” በለ። ሪሻርድ እውን “ሳላ ኣኼባታትን ኣገልግሎትን ኢና ነቲ ዅነታት ክንዋጽኣሉ ዝኸኣልና እምበር ብጭንቀት ምተዋሓጥና ኔርና። ምስ ካልኦት ብዛዕባ መንፈሳዊ ነገራት ምዕላል ብዙሕ እዩ ዜተባብዕ። ከመይሲ: ኣብቲ ንዓና ዜድልየና ጥራይ ዘይኰነስ: ኣብቲ ንኻልኦት ዜድልዮም እውን ከም እነተኵር ይገብረና” ብምባል ተመሳሳሊ ሓሳብ ሃበ።—ፊልጲ 2:4
ስለዚ: ኣብ ክንዲ ብዛዕባ ስራሕ ጥራይ ምጭናቕ: ግዜኻ ብሕታዊ መጽናዕቲ ንምግባር: ኣብ ናይ ጉባኤ ዕዮታት ንምስታፍ: ወይ ኣገልግሎትካ ንምስፋሕ ተጠቐመሉ። ‘ብዕዮ ጐይታ ዕዙዝ’ ስለ እትኸውን: ዋላ ሓንቲ እትገብሮ ዘይብልካ ኣይትኸውንን ኢኻ። እዚ ዕዮ እዚ ኸኣ ንዓኻ ዀነ ነቶም ነቲ ንስኻ ዝነገርካዮም መልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ዚሰምዑ ቕኑዓት ሰባት ሓጐስ ዜምጽእ እዩ።—1 ቈረንቶስ 15:58
ንስድራቤትካ ብስጋ ዜድልዮም ምምላእ
ኰይኑ ግን: መንፈሳዊ ምግቢ ንዝጠመየት ከብዲ ኣይዕንግልን እዩ። ነቲ “ሓደ እኳ ነቶም ናቱ: ምናዳ ግና ንስድራ ቤቱ: ዘይሐሊ እንተሎ: እምነት ዝኸሐደ ኻብቲ ዘይአምንውን ዝገደደ እዩ” ዚብል መሰረታዊ ስርዓት ክንርስዖ የብልናን። (1 ጢሞቴዎስ 5:8) ኣዳም “ዋላኳ እቶም ኣብ ጉባኤ ዚርከቡ ኣሕዋት ብስጋ ዜድልየና ነገራት ካብ ምምላእ ድሕር ኣይበሉ: ከም ክርስትያናት መጠን ስራሕ ከነናዲ ግዴታ ኣሎና” በለ። የሆዋን ህዝቡን ከም ዚድግፉና ርግጸኛታት እኳ እንተ ዀንና: ስራሕ ኣብ ምድላይ ግን ባዕልና ተበግሶ ኽንወስድ ከም ዘሎና ፈጺምና ኣይንረስዕ።
ብኸመይ ኢና ግን ተበግሶ እንወስድ፧ ኣዳም “ስቕ ኢልካ ኣእዳውካ ኣጣሚርካ ኣምላኽ ተኣምር ክገብረልካ ኣይትጸበ። ስራሕ ኣብ እተናድየሉ እዋን: ናይ የሆዋ ምስክር ምዃንካ ምንጋር ኣይትረስዕ። ምኽንያቱ ኣስራሕቲ ነዚ ኣኽቢሮም እዮም ዚርእይዎ” በለ። ሪሻርድ ከኣ “ንዅሎም እትፈልጦም ሰባት ስራሕ ዚርከበሉ ኣጋጣሚ ዚፈልጡ እንተ ዀይኖም ሕተቶም። ምስ ኣስራሕቲ ናብ ዜራኽቡ ትካላት እናኸድካ ሕተት: ከም ‘ንስንኩል ምእላይ:’ ወይ ‘[ፍረታት] ምእራይ: ግዝያዊ ስራሕ’ ዚብል ምልክታታት ኣንብብ። ስራሕ ካብ ምድላይ ኣይተቋርጽ። እቲ ዕዮ ትሑት ይኹን ወይ ንስኻ ዘይትደልዮ ዓይነት ይኹን ብዘየገድስ ከየማረጽካ ስራሕ” ብምባል ማዕዳ ሃበ።
እወ: ‘የሆዋ ረዳኢኻ እዩ።’ ‘ኣይኺሓድገካን ዕሽሽውን ከቶ ኣይኪብለካን እዩ።’ (እብራውያን 13:5, 6) ስለዚ: ካብ መጠን ንላዕሊ ኣይትጨነቕ። እቲ ጸሓፍ መዝሙር ዝዀነ ዳዊት “መገድኻ ንእግዚኣብሄር ኣማዕቍቦ: ኣብኡ ተወከል: ንሱውን ኬስልጠልካ እዩ” ኢሉ ጸሓፈ። (መዝሙር 37:5) ‘መገድና ንየሆዋ ምምዕቋብ’ ኪበሃል ከሎ: ኣብኡ ንውከል: ከምኡውን ኣጸጋሚ ዅነታት እኳ እንተ ኣጋጠመና: በቲ ንሱ ዚደልዮ መገዲ ንመላለስ ማለት እዩ።
ኣዳምን ኢሬናን መስኮትን መደያይቦን ብምጽራይ: ዜድልዮም ነገራት ኣብ ዚዕድጉሉ እዋን ከኣ ቈጠብቲ ብምዃን ርእሶም ኪድግፉ ኸኣሉ። ናብቲ ምስ ኣስራሕቲ ዜራኽብ ትካል ድማ ወትሩ ይኸዱ ነበሩ። ኢሬና “ሓገዝ ኣብ ዜድልየና ዝነበረ እዋን ሓገዝ ንረክብ ነበርና” ብምባል ተዘክሮኣ ትገልጽ። ሰብኣያ ኸኣ ውስኽ ኣቢሉ “እቲ ኣብ ጸሎትና እንሓቶ ዝነበረ ነገራት ምስ ፍቓድ ኣምላኽ ዚሰማማዕ ከም ዘይነበረ ድሕሪ ግዜ ተረድኣና። እዚ ኸኣ ኣብ ጥበብ ኣምላኽ ክንውከልን ብናይ ገዛእ ርእስና ምርዳእ ንኸይንመላለስን ምሂሩና እዩ። ነቲ ኣምላኽ ዜምጽኦ ፍታሕ ብትዕግስቲ ምጽባይ ዝሓሸ እዩ” በለ።—ያእቆብ 1:4
ሪሻርድን ማሪዮላን ከኣ እተፈላለየ ዓይነት ስራሕ እናሰርሑ ኣብቲ ዝያዳ ዓየይቲ ዚድለይሉ ዞባታት ኬገልግሉ ጀመሩ። ሪሻርድ “እንበልዖ ነገር ምስ ተወድአ: ብኡንብኡ ስራሕ ንረክብ ነበርና። ቲኦክራስያዊ ሓላፍነታትና ኸይንፍጽም ዜጐናድበና ጽቡቕ ደሞዝ ዘለዎ ስራሕ ኣይንቕበልን ነበርና። ንየሆዋ ምጽባይ መረጽና” በለ። እዞም ሰብ ሓዳር እዚኣቶም: የሆዋ ዝሓሰረ ዋጋ ዘለዎ ኣፓርታማ ንኺረኽቡን ሪሻርድ ስራሕ ንኺረክብን ከም ዝሓገዞም ኰይኑ ይስምዖም።
ካብ ስራሕ ምውጻእ ኣዝዩ ዜጨንቕ ነገር ኪኸውን ይኽእል እዩ። እንተዀነ ግን: ነዚ ዅነታት እዚ የሆዋ ፈጺሙ ኸም ዘይሓድገካ ንርእስኻ እተረጋግጸሉ ኣጋጣሚ ኸም ዝዀነ ጌርካ ስለምንታይ ዘይትወስዶ፧ የሆዋ ይሓልየልካ እዩ። (1 ጴጥሮስ 5:6, 7) ብነብዪ ኢሳይያስ ኣቢሉ “ኣነ ኣምላኽካ እየ እሞ: ኣይትሸበር: ከበርትዓካ: ክረድኣካ: . . . እየ” ኢሉ ተመባጺዑ እዩ። (ኢሳይያስ 41:10) ሃንደበት ዜጋጥመካ ዅነታት: እንተላይ ካብ ስራሕ ምውጻእ: ኬልምሰካ ኣይተፍቅደሉ። ዝከኣለካ ዅሉ ግበር: ነቲ ዝተረፈ ግን ኣብ ኢድ የሆዋ ግደፎ። “ብህድኣት” ንየሆዋ ተጸበዮ። (ድጕዓ ኤርምያስ 3:26) ንሱ ድማ ኣብዚሑ ኺባርኸካ እዩ።—ኤርምያስ 17:7
[ኣብ ገጽ 9 ዘሎ ስእሊ]
ግዜኻ ንመንፈሳዊ ንጥፈታት ተጠቐመሉ
[ኣብ ገጽ 10 ዘሎ ስእሊ]
ቈጣቢ ኹን: ስራሕ ከኣ ኣይተማርጽ