ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w05 1/10 ገጽ 32
  • “ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ሃብታም” ዲኻ፧

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • “ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ሃብታም” ዲኻ፧
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2005
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2005
w05 1/10 ገጽ 32

“ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ሃብታም” ዲኻ፧

ሓደ ኻብቲ የሱስ ክርስቶስ ዝመሰሎ ምሳሌ: እቲ ብዛዕባ ሓደ ሃብታም ብዓል መሬት ዚገልጽ ምሳሌ ይርከቦ። እዚ ብዓል መሬት እዚ ናይ መጻኢ ህይወቱ ዜተኣማምን ንምግባር ገፊሕ ማዕከናት ንምስራሕ መደብ ኣውጽአ። ይኹን እምበር: ኣብቲ የሱስ ዝመሰሎ ምሳሌ: “ዓሻ” ተባሂሉ ተጸዊዑ ኣሎ። (ሉቃስ 12:16-21) ስለምንታይ እዩ ግን እዚ ሰብኣይ “ዓሻ” እተባህለ፧

እቲ ዝገበሮ መደብ ንኣምላኽ ዜጠቓልል ኣይነበረን: ብፍርያምነት እቲ መሬት እውን ንኣምላኽ ኣየመስገኖን። (ማቴዎስ 5:45) ኣብ ክንዳኡስ: “ኣቲ ነፍሰይ: ብዙሕ እተደለበ ሃብቲ ንብዙሕ ዓመታት ዚአኽለኪ አሎኪ እሞ ዕረፊ: ብልዒ: ስተዪ: ተሐጐሲ:” ብምባል እዩ ተዓብዩ። እቲ ፍረ ጻዕሩ ልክዕ “ከም ክብ ዝበለ ቀጽሪ” ኸም ዜዕቍቦ ዀይኑ ተሰምዖ።—ምሳሌ 18:10-11

ያእቆብ እቲ ወደ መዝሙር ንናይ ትዕቢት መንፈስ ብዚምልከት ኬጠንቅቕ ከሎ: “እስኪ ሕጂኸ ንስኻትኩም፣ ሎሚ ወይስ ጽባሕ ናብታ ኸተማ እቲኣ ንኺድ እሞ ኣብኣ ዓመት ንግበር: ክንነግድን ክንረብሕን ኢና: እትብሉ: ንስኻትኩም ነቲ ጽባሕ ዚኸውን ኣይትፈልጥዎን ኢኹም። ህይወትኩም ደኣ እንታይ እያ፧ ንቕሩብ ጊዜ ተርእዩስ: ደሓር ዚበንን ትኪ ኢኹም” ብምባል ጸሓፈ።—ያእቆብ 4:13, 14

ምስ እዚ ብዚሰማማዕ: እቲ ኣብቲ የሱስ ዝመሰሎ ምሳሌ ዘሎ ሰብኣይ “ኣታ ዓሻ: ንነፍስኻ ኻባኻ ኺወስድዋ: በዛ ለይቲ እዚኣ ይደልይዋ አለዉ። እዚ ዝደለብካዮ ደኣ ንመን ኪኸውን እዩ፧” ተባህለሉ። ልክዕ ከምቲ በኒኑ ዚጠፍእ ትኪ: ቅድሚ እቲ ዝነበሮ ትምኒት ምፍጻሙ ኺመውት እዩ። ነዚ ትምህርትስ ኣስተውዒልካሉዶ፧ የሱስ “እቲ ንርእሱ መዝገብ ዚእክብ: ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ሃብታም ዘይኰነ ኸምኡ እዩ” ብምባል ተዛረበ። ንስኻኸ “ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ሃብታም” ዲኻ፧

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ