ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w04 15/12 ገጽ 8-11
  • ኣብ ደሴታት ቶንጋ ዚርከቡ ኣዕሩኽ ኣምላኽ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ኣብ ደሴታት ቶንጋ ዚርከቡ ኣዕሩኽ ኣምላኽ
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2004
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ቀሊል ናብራ ዚነብሩ
  • ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ እተገለለ ቦታታት በጸሐ
  • ኴስት ኣብ ምድላይ ኣገልገለት
  • ዕቤት ኪገብራ ተስፋ ዘለወን ደሴታት
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2004
w04 15/12 ገጽ 8-11

ኣብ ደሴታት ቶንጋ ዚርከቡ ኣዕሩኽ ኣምላኽ

ብ1932 ሓንቲ ጃልባ ብዋጋ ዘይሽነን ዘርኢ ናብ ቶንጋ ኣምጽአት። እቲ ኣዛዝ እታ ጃልባ ንቻርለስ ቨተ “ምዉታት ኣበይ እዮም ዘለዉ፧” ዘርእስታ ንእሽቶ መጽሓፍ ሃቦ። ቻርለስ ነታ ሓቂ ኸም ዝረኸባ ኣመነ። ድሕሪ ገለ እዋን ቀንዲ ቤት ጽሕፈት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ነቲ ቻርለስ ነታ ንእሽቶ መጽሓፍ ናብ ቛንቋኡ ኺትርጕማ ዘቕረበሉ ሕቶ ተቐበሎ። ተርጒሙ ምስ ወድአ ኸኣ 1,000 ቅዳሓት ተሓቲሙ ተሰደሉ: ንሱውን ኪዕድሎ ጀመረ። በዚ ኸምዚ ኸኣ ብዛዕባ መንግስቲ የሆዋ ዚገልጽ ዘርኢ ሓቂ ኣብ ቶንጋ ኺዝራእ ጀመረ።

ቶንጋ ኣብ ደቡብ ሰላማዊ ውቅያኖስ: ብሸነኽ ምዕራብ እቲ ኣህጉራዊ ናይ መዓልትታት መፍለዪ ሕንጻጽን ትሮፒክ ካፕሪኮርን ዚራኸበሉ ቦታ እያ እትርከብ። ቶንጋታፑ እታ ዝዓበየት ደሴታ ዀይና ኻብ ኦክላንድ: ኒውዚላንድ ብሸነኽ ሰሜናዊ ምብራቕ 2,000 ኪሎ ሜተር ኣቢላ እያ እትርከብ። ቶንጋ 171 ደሴታት ኣለዋኣ: ካብዚኣተን ከኣ እተን 45 እየን ሰባት ዚነብሩለን። ኣብ መበል 18 ዘመን እቲ ፍሉጥ ብሪጣንያዊ ዳህሳሲ ጄምስ ኩክ ተቐማጦ እዘን ተገሊለን ዚርከባ ንኣሽቱ ደሴታት ጽቡቕ ገይሮም ስለ እተቐበልዎ: ምቕሉላት ደሴታት ኢሉ ሰመየን።

ቍጽሪ ህዝቢ ቶንጋ ዳርጋ 106,000 ኣቢሉ ኪኸውን ከሎ ሰለስተ እኩባት ደሴታት ኣለዋኣ። እዚኣተን ከኣ ቶንጋታፑ: ሃፓይ: ቫቫኡ እየን። ካብተን ኣብኡ ዘለዋ ሓሙሽተ ጉባኤታት ናይ የሆዋ መሰኻኽር: እተን ሰለስተ ኣብቲ ብዙሕ ሰብ ዚነብረሉ እኩባት ደሴታት ቶንጋታፑ: እታ ሓንቲ ኣብ ሃፓይ: እታ ሓንቲ ኸኣ ኣብ ቫቫኡ እየን ዚርከባ። ኣብ ጥቓ እታ ኑኳሎፋ እትበሃል ርእሰ ኸተማ: ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንሰባት ኣዕሩኽ ኣምላኽ ኪዀኑ ንምሕጋዝ መንበሪ ሚስዮናውያንን ክፍሊ ትርጕምን ኣለዎም።—ኢሳይያስ 41:8

ቻርለስ ቨተ ብ1964 እኳ እንተ ተጠምቀ: ካብ 1930ታት ኣትሒዙ ናይ የሆዋ ምስክር ከም ዝዀነ ጌርካ እዩ ዚፈለጥ ነይሩ። ካልኦት ሰባት ከኣ ምስኡ ሓቢሮም ኪሰብኩ ጀመሩ እሞ ብ1966 ኣስታት 30 ሰባት ኪሕዝ ዚኽእል ኣደራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ተሃንጸ። ብ1970 ኸኣ ኣብ ኑኳሎፋ 20 ኣስፋሕቲ መንግስቲ ኣምላኽ ዘለዉዋ ጉባኤ ቘመት።

ካብ ሽዑ ኣትሒዙ እተን ነብዪ ኢሳይያስ “ንእግዚኣብሄር ክብሪ ይሀቡ: ምስጋናኡ ኸኣ ኣብ ደሴታት ይንገሩ” ኢሉ እተዛረበን ቃላት ኣብ ደሴታት ቶንጋ ፍጻሜአን ይረኽባ ኣለዋ። (ኢሳይያስ 42:12) ዕዮ ስብከት መንግስቲ ኣምላኽ እናሰሰነ እዩ ዚኸይድ ዘሎ: እዚ ኸኣ ብዙሓት ሰባት ምስ የሆዋ ርክብ ንኺምስርቱ ሓጊዝዎም እዩ። ብ2003 ኣብ ኑኳሎፋ ኣብ እተገብረ ኣውራጃዊ ኣኼባ 5 ኪጥመቑ ኸለዉ: ዝለዓለ ቝጽሪ ተኣከብቲ ድማ 407 ነበረ። ብ2004 ኣብ በዓል ዝኽሪ ሞት የሱስ 621 ሰባት ምእካቦም: እቲ ዕቤት ገና ኸም ዚቕጽል እዩ ዚሕብር።

ቀሊል ናብራ ዚነብሩ

ይኹን እምበር: ሕጂውን ካብታ ርእሰ ኸተማ ርሕቕ ኢሉ ኣብ ዘሎ ቦታታት ኣወጅቲ መንግስቲ ኣምላኽ ገና የድልዩ እዮም። ንኣብነት: ኣብተን ሰብ ዚነብረለን 16 እኩባት ደሴታት ሃፓይ ዚነብሩ 8,500 ሰባት ብዛዕባ ሓቂ መጽሓፍ ቅዱስ ዝያዳ ኺሰምዑ ይደልዩ እዮም። ሃፓይ መብዛሕትአን ለጠቕ ዝበላ: ብኦም ስየ እተሸፈና: ሑጻ ዝመልኦ ገማግም ባሕሪ ዘለወን ደሴታት ዝሓዘት እያ። እቲ ውቕያኖስ ጽሩይ ብምዃኑ ንታሕቲ ኻብ 30 ሜተር ንላዕሊ ዜርኢ እዩ። ኣብ መንጎ ንሓድሕዱ እተላገበ መርጀን ከምኡውን ምስ ልዕሊ ሚእቲ ዚኸውን ዘርእታት ዘለዎም ሕብራዊ ዓሳታት ምሕንባስ ዘይርከብ ኣጋጣሚ እዩ። እተን ኣቝሻት ንኣሽቱ ኪዀና ኸለዋ: ኣሰራርሓ እቲ ገዛውቲ ኸኣ ተራ ዀይኑ ግን ከኣ ነቲ ትሮፒካዊ ዘራጊቶ ዚጻወር እዩ።

ኦም ማንጉስን ካልእ ዓይነት ፍረ ዚህብ ኦምን ንመጽለልን ንምግብን የገልግል እዩ። ኣብ መዓልታዊ ናብራ እቲ ዚበዝሕ ግዜ ኣብ ምእካብን ምድላውን ምግቢ እዩ ዚጠፍእ። እቶም ነበርቲ: ስጋ ሓሰማን ካብ ውቅያኖስ ዚርከብ ፍርያትን እዮም ኣዘውቲሮም ዚምገቡ። ስድራቤታት ኣብ ጀርዲኖም ዚብላዕ ሱር ዘለዎም ኣታኽልትን ኣሕምልትን የፍርዩ። ኦም ኣራንሽን ካልእ ነዚ ዚመስል ኣግራብን ባዕሉ እዩ ዚበቍል: ኣግራብ ዓርኮብኮባይን ተኽሊ ባናናን ከኣ ከም ልብኻ እዩ ዚርከብ። ተቐማጦ እተን ደሴታት ብዛዕባ ንመድሃኒት ዜገልግል ንኣሽቱ ተኽሊ: ከምኡውን ብዛዕባ ቘጽለ-መጽሊ: ቕላጥ ኦም: ሰራውር ዘለዎም ፍልጠት ካብ ወለዶ ናብ ወለዶ የመሓላልፍዎ እዮም።

ካብ ኵሉ ዝኸበረ ሃብቲ ሃፓይ ግን እቶም ምስቲ ህዱእ ከባቢ ተሰማሚዖም ዚነብሩ ምቕሉላት ነበርታ እዮም። ናብራኦም ቀሊል እዩ። መብዛሕትአን ኣንስቲ ዘንቢል ምስራሕ: ካብ ቅላጥ ኦም ዓለባ ምስራሕ: ምንጻፍ ምድላው ዝኣመሰለ ኢደ-ጥበብ ኣለወን። እተን ኣንስቲ ዝጻወቱ ወይ ዝደቀሱ ደቀን ኣብ ጥቓአን ገይረን ኣብ ትሕቲ ጽላል ኰይነን እናዕለላን እናደረፋን እናሰሓቓን እየን ዚዓያ። ብተወሳኺ ኸኣ ከም ሎብስተር ዝኣመሰሉ ዓሳታትን ንምግቢ ዚዝውተሩ እንስሳታት ባሕርን ከምኡውን ጥዑም ሰላጣ ንምድላው ዜገልግል ተኽሊ ባሕርን ይእክባ እየን።

መብዛሕትኦም ሰብኡት ከኣ ኣትክልቲ ኪዅስኵሱ: ዓሳ ኺገፉ: ቅርጽታት ኪቐርጹ: ጃልባ ኺሰርሑ: መርበቦም ኬዐርዩ እዮም ዚውዕሉ። ሰብኡትን ኣንስትን ቈልዑን ጽላል ብዘለወን ንኣሽቱ ጀላቡ ገይሮም ኣዝማዶም ንምብጻሕ: ሕክምና ንምርካብ: ከምኡውን ንሸቐጥ ናብ ካልኦት ደሴታት ይጓዓዙ እዮም።

ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ እተገለለ ቦታታት በጸሐ

ብ2002 ኣብ ናይ በዓል ዝኽሪ ወቕቲ ኽልተ ሚስዮናውያንን ክልተ ፓይነራትን ናብ ሃፓይ ከዱ። ሓሓሊፉ ኣብ ዚግበር ምብጻሕ ገለ ሰባት ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተሓትመ ጽሑፋት ይበጽሖም ነይሩ: ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዝጀመሩ እውን ነይሮም።

እዞም ኪበጽሑ ዝመጹ ኣርባዕተ መምህራን መጽሓፍ ቅዱስ ሰለስተ ሸቶ ነበሮም። እዚ ኸኣ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ጽሑፋት ምዕዳል: መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ምጅማር: ተገደስቲ ሰባት ናብ ድራር ጐይታ ኺመጹ ምዕዳም እዩ ነይሩ። ንሰለስቲኡ ኸኣ ፈጸምዎ። ተስዓን ሸውዓተን ሰባት ኣብቲ በዓል ዝኽሪ ሞት የሱስ ንኺርከቡ እተገብረሎም ዕድመ ተቐበሉ። ገሊኣቶም ብርቱዕ ማይን ንፋስን ከሎ መጽለሊ ብዘይብለን ጀላቡ እዮም መጺኦም። ሕማቕ ኵነታት ኣየር ስለ ዝነበረ መብዛሕትኦም ሰባት ኣብቲ በዓል ዝኽሪ ዝገበሩሉ ቦታ ሓዲሮም: ንጽብሒቱ እዮም ንገዛኦም ከይዶም።

እቲ ናይ በዓል ዝኽሪ ዝርርብ ዝሃበ ሚስዮናዊ ሓው እውን ብዙሕ ጻዕሪ እዩ ገይሩ። ብዛዕባ እቲ እዋን እቲ ኺዛረብ ከሎ “መቸም ኣብ ሓንቲ ምሸት ክልተ ሳዕ ብናይ ካልእ ሃገር ቋንቋ ናይ በዓል ዝኽሪ ዝርርብ ምሃብ ክሳዕ ክንደይ ኣጸጋሚ ኸም ዝዀነ ትፈልጡ ኢኹም። ከመይ ተጨኒቐ ኸም ዝነበርኩ ገምቱ። ጸሎት ብዙሕ እዩ ሓጊዙኒ: ከመይሲ ቕድሚኡ ተጠቒመሉ ዘይፈልጥ ዝነበርኩ ቓላትን ኣዘራርባን ሽዑ ዘከርክዎ” በለ።

እዞም ወንጌላውያን ነቶም ግዱሳት ስለ ዝሓገዝዎም: ክልተ ሰብኡት መምስ ኣንስቶም ተጠመቑ። ሓደ ኻብዚኦም ናይ ቤተ-ክርስትያን ኣገልጋሊ ኪኸውን ስልጠና እናወሰደ ኸሎ እዩ ኣብ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ጽሑፋት ድሌት ዘሕደረ።

ቍጠባዊ ጸገም እኳ እንተ ነበሮ: ንሱን ሰበይቱን ኣብቲ ቤተ-ክርስትያን ኣብ ዚግበር ዓመታዊ ገንዘብ ናይ ምእካብ ስርዓት ኣስማቶም ምስ ተጸወዐ ብርክት ዝበለ ወፈያ ይገብሩ ነበሩ። ሓደ ተመላሊሱ ዝበጽሖም ናይ የሆዋ ምስክር ነቲ ሰብኣይ 1 ጢሞቴዎስ 5:8 ባዕሉ ኻብ መጽሓፍ ቅዱስ ኬንብባ ሓተቶ። እቲ “ሓደ እኳ ነቶም ናቱ: ምናዳ ግና ንስድራ ቤቱ: ዘይሐሊ እንተሎ: እምነት ዝኸሐደ ኻብቲ ዘይአምንውን ዝገደደ እዩ” ኢሉ ሃዋርያ ጳውሎስ ዝጸሓፎ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ስርዓት ድማ ልቡ ተንከዮ። ናይታ ቤተ-ክርስትያን ቍጠባዊ ሕቶ ንኼማልእ ኢሉ ንስድራቤቱ ዜድሊ መሰረታዊ ነገራት ሸለል ኢልዎ ኸም ዝነበረ ተረድኦ። ኣብታ እትቕጽል ዓመት ኣብ እተገብረ ገንዘብ ናይ ምእካብ ስርዓት ኣብ ጁባኡ ሰልዲ እኳ እንተ ነበሮ: ን1 ጢሞቴዎስ 5:8 ኣብ ግብሪ ብምውዓል ተራኡ በጺሑ ስሙ ምስ ተጸውዐ: ነቲ ቐሺ ንስድራቤቱ ዜድሊ ምምላእ ቀዳምነት ዚህቦ ነገር ከም ዝዀነ ብድፍረት ነገሮ። በዚ ኸኣ ሽማግለታት እታ ቤተ-ክርስትያን ነቶም ሰብኣይ ሰበይትን ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ኣቈናጸብዎምን ገንሕዎምን።

ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር መጽሓፍ ቅዱስ ብምጽናዕ ከኣ ክልቲኦም ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኰኑ። እቲ ሰብኣይ “ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሓቂ ቐይሩኒ እዩ። ሕጂ: ከምቲ ዝነበርክዎ ንስድራቤተይ ተሪርን ጨካንን ኣይኰንኩን። ካብ መጠን ንላዕሊ ምስታይ እውን ገዲፈዮ እየ። ኣብ ቍሸትና ዚነብሩ ሰባት ሓቂ ብምፍላጠይ ኣብ ህይወተይ ዓብዪ ለውጢ ኸም ዝገበርኩ ርእዮም እዮም። ንሳቶም እውን ልክዕ ከማይ ሓቂ ኺፈልጡ እምነ” በለ።

ኴስት ኣብ ምድላይ ኣገልገለት

ናይ 2002 በዓል ዝኽሪ ምስ ሓለፈ ድሕሪ ሒደት ኣዋርሕ ካልእ ጃልባ ብዋጋ ዘይሽነን ጽዕነት ሒዛ ናብ ሃፓይ መጸት። እታ 18 ሜተር ዝቝመታ ኴስት እትበሃል ፈኳስ ጃልባ ኻብ ኒው ዚላንድ ነቒላ ብደሴታት ቶንጋ ኣቢላ ተጓዕዘት። ኣብታ ጃልባ ጋሪን ሀቲ ሰበይቱን ካቲ ጓሎምን ነበሩ። ክልተ ሳዕ ኣብ ዝገበርዎ ጕዕዞ ትሽዓተ ቶንጋውያን ኣሕዋትን ኣሓትን ክልተ ሚስዮናውያንን ምሳታቶም መጹ። እቶም ደቂ እተን ደሴታት ዝዀኑ ኣሕዋት ክኢላታት ስለ ዝዀኑ ነታ ጃልባ ኣብ ካርታ ብዘይተሳእለ መገዲ እውን ከይተረፈ እናዘወሩ ኣብጽሕዎም። ንኺዘናግዑ ኣይኰኑን ዚጐዓዙ ነይሮም። ሸቶ እዞም ተጓዓዝቲ ኣብቲ ዝኸድዎ ቦታ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሓቂ ምምሃር እዩ ነይሩ: ናብ 14 ደሴታት ብምብጻሕ ድማ ሰፊሕ ዞባ ሸፈኑ። ኣብ ገለ እዘን ደሴታት እዚኣተን ቅድሚኡ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ፈጺሙ ተሰቢኹ ኣይፈልጥን እዩ ነይሩ።

እቶም ህዝቢኸ ብኸመይ ተቐበልዎም፧ ነዞም ውቅያኖስ ሰንጢቖም ዝመጹ ሰበኽቲ ብህንጥዮትን ብምውቕ ስምዒትን በቲ ልሙድ ጽቡቕ ኣቀባብላን ተቐበልዎም። ንምንታይ ዕላማ ኸም ዝመጹ ምስ ተረድኦም ከኣ ዓሚቝ ኣኽብሮት ሓደሮም። እቶም ህዝቢ ንቓል ኣምላኽ ኣኽብሮት ከም ዘለዎምን ‘መንፈሳዊ ነገራት ዜድልዮም’ ምዃኑ ኸም ዝግንዘቡን ነቶም ኪበጽሑ ዝኸዱ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ነጸረሎም።—ማቴዎስ 5:3 NW

መብዛሕትኡ ግዜ እዞም በጻሕቲ ኣብ ትሕቲ ትሮፒካዊ ኣግራብ ኰይኖም ምስቶም ሓያሎ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሕቶታት ዘለዎም ሰባት ኪዘራረቡ ይውዕሉ: ምድሪ ምስ ጸልመተ ኸኣ ናብ ገዛ ኣትዮም ነቲ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ምይይጥ ይቕጽሉ ነበሩ። ኣብ ሓንቲ ደሴት ዝነብሩ ሰባት: እቶም ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኪኸዱ ምስ ነቐሉ “እንተ ኼድኩም ደኣ እሞ መን ሕቶታትና ኺምልሰልና እዩ፧” በልዎም። ሓንቲ ሓብቲ ብዛዕባ እዚ “ንሓቂ ዚጠምዩ ብዙሓት ኣባጊዕ መሰል ሰባት ሓዲግካ ምኻድ ኣዝዩ ኸቢድ እዩ። ዘርኢ ሓቂ ብብዝሒ እዩ ተዘሪኡ” በለት። እቶም ኣሕዋት ኣብ ካልእ ደሴት ምስ በጽሑ ሰበይቲ እቲ ብዓል ስልጣን እታ ኸተማ ብሙማታ ዅሉ ሰብ ክዳን ሓዘን ተኸዲኑ ጸንሖም። እቲ ብዓል ስልጣን ነቶም ኣሕዋት ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ከምዚ ዝኣመሰለ ዜጸናንዕ መልእኽቲ ስለ ዝነገርዎም ኣመስገኖም።

ገለ ኻብተን ደሴታት ንምእታወን ኣጸገምቲ እየን ነይረን። ብዛዕባ እዚ ኸኣ ሀቲ “ሓንቲ ኻብተን ደሴታት ብጀካ ኻብቲ ውቅያኖስ ሓደ ሜተር ኣቢሉ ኽብ ዝበለ ኣኻውሕ ካልእ ንመዕረፊ ዚኸውን መሬት ኣይነበራን። በተን ካብ ጐማ እተሰርሓ ንኣሽቱ ጃላቡ እንተ ዘይኰይኑ: ናብታ ደሴት ምቕራብ ኣይከኣልናን። መጀመርያ ነቶም ኣብቲ ደንደስ ኰይኖም ኣእዳዎም ዝዘርግሑልና ሰባት ቦርሳና ሰንደናሎም። ካብኡ እታ ጃልባ በቲ ማይ ተደፊኣ ኽብ ብምባል ኣብቲ ጫፍ እቲ ኸውሒ ምስ በጸሐት ተመሊሳ ንታሕቲ ቕድሚ ምውራዳ ዘሊልና ናብቲ ደንደስ ሰገርና” በለት።

ኵሎም እቶም ተጓዓዝቲ ኣይኰኑን ተባዓት ባሕረኛታት ነይሮም። ክልተ ሰሙን ዚኣክል ኣብ ባሕሪ ተጓዒዞም ናብታ ቶንጋታፑ እትበሃል ቀንዲ ደሴት ኪምለሱ ኸለዉ ብዛዕባ እተሰመዖም: እቲ ኣዛዚ ናይታ ጃልባ ኺዛረብ ከሎ ኸምዚ በለ:- “ን18 ሰዓት ክንጓዓዝ ነበረና። ካባና ዝሓመሙ ስለ ዝነበሩ ግን እናዕረፍና ኢና ተጓዒዝና። ዋላኳ ንገዛና ኽንምለስ ምዃንና እንተ ኣሐጕሰና: ነቶም መልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ዝነገርናዮም ሰባት ገዲፍና ምምጻእና ግን ኣሕዘነና። ኣብ ትሕቲ ሓልዮት የሆዋን ኣብ ትሕቲ እቲ ብመንፈሳዊ ዕቤት ንኺገብሩ ዚሕግዞም መንፈስ ቅዱሱን መላእኽቱን ኢና ሓዲግናዮም።”

ዕቤት ኪገብራ ተስፋ ዘለወን ደሴታት

ኴስት ድሕሪ ምኻዳ ሹድሽተ ኣዋርሕ ኣቢሉ ስቲቭንን ማላኪን ዚበሃሉ ኽልተ ፍሉያት ፓይነራት ኣብ ደሴታት ሃፓይ ኪሰብኩ ተመደቡ። ምስቶም ቀረባ ግዜ እተጠመቑ ነበርቲ እታ ደሴት ዝዀኑ ኽልተ ጽምዲ ሰብ ሓዳር ኰይኖም ከኣ መጽሓፍ ቅዱስ ኪምህሩ ጀመሩ። እቶም ኣስፋሕቲ ብዛዕባ ኣገዳሲ ሰረተ-እምነት ምስ ሰባት ኪመያየጡ ኸለዉ ንመጽሓፍ ቅዱስ ብዚግባእ እዮም ዚጥቀሙሉ።

ብ1 ሕዳር 2003 ንደሴታት ቶንጋ ሓምሸይቲ ዝዀነት ጉባኤ ኣብ ሃፓይ ቈመት። ብዙሓት ቈልዑ ኣብ ኣኼባታት ይእከቡ እዮም። ጽን ኢሎም እዮም ዚሰምዑ: ምስ ሰማዕቲ ምይይጥ ኣብ ዚግበረሉ ኽፍልታት ከኣ ኣብ መልሲ ንምስታፍ ህንጡያት እዮም። ሓደ ናይ ወረዳ ተዓዛቢ “እቶም ቈልዑ ነታ መጽሓፈይ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ዛንታታት ዘርእስታ መጽሓፍ ኣጸቢቖም ምፍላጦም: ወለዶም ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሓቂ ኣብ ኣልባብ ደቆም ንምትካል ዝገብርዎ ዘለዉ ጻዕሪ እዩ ዜርኢ” በለ። እወ: እዘን ደሴታት እዚኣተን ገና ብዙሓት ኣዕሩኽ ኣምላኽ ኪርከቡለን ዚኽእሉ ዕቤት ንምግባር ተስፋ ዘለወን እየን።

ቅድሚ 70 ዓመት ቻርለስ ቨተ ነታ ምዉታት ኣበይ እዮም ዘለዉ፧ ዘርእስታ ንእሽቶ መጽሓፍ ናብ ቋንቋኡ ኺትርጕማ ኸሎ: ዘርኢ መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ኣልባብ ደቂ ዓዱ ኽሳዕ ክንደይ ሱር ኪሰድድ ምዃኑ ኣይፈልጥን እዩ ነይሩ። የሆዋ ኣብዘን ኣብ ጫፍ ምድርና ዘለዋ ደሴታት ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ንምእዋጅ ዚግበር ዘሎ ጻዕሪ ይባርኾ ኣሎ። ኣብዚ ግዜና ቶንጋ ኻብ መንጎ እተን ናብ የሆዋ እተመልሳ ደሴታት ባሕሪ እታ ሓንቲ እያ። (መዝሙር 97:1፣ ኢሳይያስ 51:5) ኣብዚ እዋን እዚ ደሴታት ቶንጋ መንበሪ እቶም ኣዕሩኽ የሆዋ ዝዀኑ ሰባት እየን።

[ኣብ ገጽ 8 ዘሎ ስእሊ]

ቻርለስ ቨተ ብ1983 እተሳእሎ

[ኣብ ገጽ 9 ዘሎ ስእሊ]

ዓለባ ምስራሕ

[ኣብ ገጽ 10 ዘሎ ስእሊ]

“ኴስት” ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ናብ ቶንጋ ንምብጻሕ ኣገልገለት

[ኣብ ገጽ 11 ዘሎ ስእሊ]

ኣብ ኑኳሎፋ ዚርከብ ጕጅለ ትርጕም

[ምንጪ ስእሊ]

Making tapa cloth: © Jack Fields/CORBIS; background of pages 8 and 9, and fishing: © Fred J. Eckert

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ