ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w04 1/12 ገጽ 3-4
  • ኣብ ደቅሰብ ጥራይ ዚንጸባረቕ ባህሪ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ኣብ ደቅሰብ ጥራይ ዚንጸባረቕ ባህሪ
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2004
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ስነ-ምግባር እንታይ ማለት እዩ፧
  • ቅኑዕን ጌጋን ብኸመይ ኢኻ ኽትውስን ዘሎካ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2004
  • 7 መትከል
    ንቕሑ!—2018
  • ተቐያያሪ ስነ-ምግባራዊ ስርዓታት
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2007
  • ንርእስኻን ንኻልኦትን ክርስትያናዊ ስነ-ምግባር ምሃር
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2002
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2004
w04 1/12 ገጽ 3-4

ኣብ ደቅሰብ ጥራይ ዚንጸባረቕ ባህሪ

ጆዲ ብሓንቲ ሓብታ ዝሞተታ ሰበይቲ ተቘጺሩ: ነቲ ንብረት ሓብታ እናመመየ ኣብ ምሻጥ ይሕግዛ ነበረ። ኣብ ጥቓ ሓዊ ዚነደሉ ቦታ ኣቝሑ እናረኣየ ኸሎ: ክልተ ናይ ቀደም ሳጹን ረኸበ። ንሓደ ኻብቲ ሳጹን እንተ ኸፈቶ: በቲ ዝረኣዮ ነገር ኣዝዩ ደንጸዎ። ብድምር 82,000 ዶላር ኣመሪካ ተጠቕሊሉ ረኸበ! ኣብታ ኽፍሊ እቲኣ ኸኣ በይኑ እዩ ነይሩ። እንታይ እዩ ኺገብር ዘለዎ፧ ኣጽቂጡ ነታ ሳጹን ኪወስዳ ድዩ ዘለዎ ወይስ ነታ ዝቘጸረቶ ሰበይቲ ገንዘብ ከም ዝረኸበ ኺነግራ፧

ጆዲ ብዛዕባ እዚ ነገር እዚ ምሕሳቡ: ነቲ ኻብ ዘይሓስቡ እንስሳታት ዚፈልየና ሓደ ባህሪ እዩ ዜጕልሕ። ዘ ዎርልድ ቡክ ኢንሳይክሎፔድያ “ሓደ ኻብቲ ደቅሰብ ዘሎና ፍሉይ ባህሪ: እንታይ ክንገብር ከም ዚግብኣና ወይ ከም ዘይግብኣና ሕቶታት ምሕታትና እዩ” ትብል። ሓደ ዝጠመየ ኸልቢ ኣብ ሰደቓ ቝራጽ ስጋ እንተ ረኺቡ: ክበልዖዶ ወይስ ክሓድጎ ኢሉ ኣይሓስብን እዩ። ጆዲ ግን ውሳኔኡ ብስነ-ምግባር ቅቡል እንተ ዀይኑ ናይ ምምዝዛን ክእለት ኣለዎ። ነቲ ገንዘብ እንተ ወሲድዎ: ይሰርቕ እዩ ዘሎ። እንተዀነ ግን: ኣይምተታሕዘን ነይሩ። እቲ ገንዘብ ናቱ ኣይኰነን፣ እታ ዝቘጸረቶ ሰበይቲ ድማ ብዛዕባ እቲ ገንዘብ ምንም እትፈልጦ ነገር የብላን። ኣብ ርእሲ እዚውን ብዙሓት ኣብቲ ጆዲ ዚነብረሉ ኸባቢ ዚርከቡ ሰባት: እቲ ገንዘብ ነታ ሰበይቲ እንተ ሂብዋ ኸም ዓሻ እዮም ዚርእይዎ።

ከም ናይ ጆዲ ዝኣመሰለ ዅነታት እንተ ዜጋጥመካ እንታይ ምገበርካ፧ ነዛ ሕቶ እዚኣ እትህቦ መልሲ ኣብቲ እትስዕቦ ስነ-ምግባራዊ ስርዓት እተመርኰሰ እዩ።

ስነ-ምግባር እንታይ ማለት እዩ፧

ስነ-ምግባር ብዛዕባ ቕኑዕን ጌጋን ዚግበር መጽናዕቲ ተባሂሉ ኺትርጐም ይከኣል እዩ። እተን ስነ-ምግባር ተባሂለን ዚትርጐማ ኤቲክስን ሞራሊቲን ዚበሃላ ናይ እንግሊዝኛ ቓላት: ካብ ኤቲኮስ እትብል ናይ ግሪኽን ሞራሊስ እትብል ናይ ላቲንን ቃላት ዝመጻ ዀይነን: ክልቲአን ነቲ ባህልን ልምድን ዘለዎ ስልጣን ዜመልክታ ምዃነን ኤሪክ ጀይ. ኢስተን ዚበሃል ደራሲ ገለጸ።

ንነዊሕ እዋን ሰባት ዚስዕብዎ ስነ-ምግባራዊ ስርዓታት ብሓፈሻኡ ብሃይማኖት እዩ ዚውሰን ነይሩ። እቲ ቓል ኣምላኽ ዝዀነ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ብዙሓት ማሕበረሰባት ሓያል ጽልዋ ገይሩ እዩ። ይኹን እምበር: ኣብ መላእ ዓለም ቍጽሮም እናወሰኸ ዚኸይድ ዘሎ ሰባት ንእተፈላለየ ስርዓታት ሃይማኖት ከም ዘይጠቅምን ግዜ ዝሓለፎን ገይሮም ይነጽግዎ ኣለዉ። ነቲ እተፈጥረ ጋግ ደኣ እሞ እንታይ እዩ ዝመልኦ ዘሎ፧ ሓንቲ ኢቲክስ ኢን ቢዝነስ ላይፍ ዘርእስታ መጽሓፍ “ዓለማዊ ርትዒ ነቲ ኣቐዲሙ ሃይማኖት ሒዝዎ ዝነበረ ስልጣን . . . ኣሰኒፍዎ እዩ” በለት። ብዙሓት ሰባት ሃይማኖታዊ ስርዓታት ኣብ ክንዲ ዚስዕቡ: ካብቶም ኣብ ስነ-ምግባር መጽናዕቲ ዚገብሩ ኽኢላታት እዮም መምርሒ ዚደልዩ። ናይ ስነ-ምግባር ፕሮፌሰር ፖል ማክኒል “ብዛዕባ ስነ-ምግባር መጽናዕቲ ዚገብሩ ኽኢላታት ዓለማውያን ኣቕሽሽቲ ዀይኖም ዘለዉ ይመስለኒ። . . . ሕጂ ሰባት ከም ቀደም ብሃይማኖት ዘይኰነስ ብስነ-ምግባር እዮም ዚምርሑ ዘለዉ” በለ።

ኣጸጋሚ ውሳነ ኽትገብር ኣብ ዜድልየካ እዋን: ቅኑዕን ጌጋን ብኸመይ ኢኻ እትፈሊ፧ እትስዕቦ ስነ-ምግባራዊ ስርዓታት ኣምላኽ ዘቘሞ ድዩ ወይስ ባዕልኻ፧

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ