መንፈሳዊ ስርዓታት ናበይ ገጹ የምርሕ ኣሎ፧
“ዓሰርተ ሓሙሽተ ሕጹያት መጻምድቲ ኣብቲ [ካቶሊክ ዘዳልዎ ] ብዛዕባ ሓዳር ምኽሪ ዝወሃበሉ ምሸት ዝቐርብ ኣስተምህሮ ተኻፈሉ። ካብዞም 30 ውልቀ-ሰባት 3 ጥራይ እዮም እምነት ኣሎና ዝበሉ።”—ላ ክኽዋ: መዓልታዊ ኣብ ፈረንሳ እትሕተም ናይ ካቶሊክ ጋዜጣ
ሃይማኖታዊ ስርዓታት ኣብ ቅልውላው ኣትዩ ኣሎ። እታ ብ12 ሓምለ 1999 ዝወጸት ሕታም ኒውስዊክ ኣብ ገበራ “ኣምላኽ ሞይቱ ድዩ፧” ዝብል ኣርእስቲ ሒዛ ነይራ። ኣብ ምዕራባዊ ኣውሮጳ ዝነብሩ ሰባት ኣምላኽ ኣሎ ኢሎም ከም ዘይሓስቡ ድማ ገለጸት። እታ ለ ሞንድ እትበሃል ኣብ ፈረንሳ እትሕተም ጋዜጣ እውን ብዛዕባ እቲ በታ ዓመት እቲኣ ኣብ ሮማ እተገብረ ናይ ካቶሊክ ቤተ-ክርስትያን ሲኖዶስ ጸብጻብ ክትህብ ከላ ኸምዚ በለት:- “እታ ቤተ-ክርስትያን ነቲ ኣብኣ ጽልኢ ሓዲርዎ ዘሎ ሕብረተሰብ መልእኽታ ንምትሕልላፍ ካብ ቅድሚ ሕጂ ዝገደደ ጸገማት እዩ ዘጋጥማ ዘሎ። . . . ኣብ ኢጣልያ ሰዓብቲ እምነት ካቶሊክ ሓደ ዓይነት እምነት የብሎምን። . . . ኣብ ጀርመን ብዛዕባ ጥንሲ ምንጻል ምኽሪ ዝወሃበሉ ማእከላት ዘበገሶ ምፍሕፋሕ ነቲ ኣብ መንጎ እቲ ጳጳስን ኣብ መንጎ እቲ ንምልካዊ ሓሳባት ዘይጻወር ስርዓት ደሞክራስን ዘሎ ጋግ የስፍሖ ኣሎ። [ነዘርላንዳውያን] ኣብ ስነ-ምግባርን ኣብ ምሕረተ-ቕትለትን ብድፍረት ብዝወሰድዎ ኣቕዋም: ብገሊኣቶም ተዓዘብቲ ብሃንደበት እምነት ክርስትና ኸም ዝገደፍዎ ጌርካ እዩ ተራእዩ።”
ኣብ ካልኦት ሃገራት ዘሎ ዅነታት እውን ካብዚ ብዙሕ እተፈልየ ኣይኰነን። ብ1999 ናይ ካተርበሪ ሊቀ-ጳጳሳት ጆርጅ ካሪ: ቤተ-ክርስትያን ዓዲ እንግሊዝ “ንኽትጸንት ሓደ ወለዶ ጥራይ ከም ዝተረፋ” ኣጠንቂቑ ነይሩ። ኣብ ፈረንሳ እትሕተም ለ ፊጋሮ እትበሃል ጋዜጣ እውን “ኣብ ኣውሮጳ ክርስትና ዘኽትመሉ እዋን” ኣብ ዝብል ዓንቀጽ “ኣብ ኵሉ ቦታታት ተመሳሳሊ ነገር እዩ ዝርአ ዘሎ። . . . ሰባት ንስነ-ምግባራውን ሰረተ-እምነታውን ኣቕዋም ቀስ ብቐስ ኣብ ሕቶ የእትዉዎ ኣለዉ” በለት።
ኣብ ሃይማኖታዊ ንጥፈታት ዘሎ ተሳትፎ ነክዩ
ኣብ ኣውሮጳ ብዝሒ ናይቶም ናብ ቤተ-ክርስትያን ዝኸዱ ሰባት ኣመና እዩ ዝንኪ ዘሎ። ካብቶም ኣብ ፈረንሳ ዝርከቡ ሰዓብቲ እምነት ካቶሊክ ትሕቲ 10 ሚእታዊት ጥራይ እዮም ሰንበት ሰንበት ኣብ ዝግበር ቅዳሴ ዝርከቡ: ካብቶም ኣብ ከተማ ፓሪስ ዝርከቡ ሰዓብቲ እምነት ካቶሊክ ከኣ ካብ 3 ክሳዕ 4 ሚእታዊት ጥራይ እዮም ኣዘውቲሮም ናብ ቤተ-ክርስትያን ዝኸዱ። ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ: ጀርመን: ከምኡውን ኣብ ሃገራት ስካንዲነቭያ ተመሳሳሊ ወይ ካብኡ ዝወሓደ ኣሃዝ እዩ ዝርከብ።
ተተካእቲ ኣቕሽሽቲ ብምውሓዶም ድማ ንመራሕቲ ሃይማኖት የጨንቖም ኣሎ። ኣብ ውሽጢ ሓደ ዘመን ዘይመልእ እዋን ብዝሒ ናይቶም ኣብ ፈረንሳ ዝርከቡ ኣቕሽሽቲ: ካብ 14 ኣቕሽሽቲ ን10,000 ተቐማጦ ናብቲ ሕጂ በጺሕዎ ዘሎ ትሕቲ 1 ቀሺ ን10,000 ተቐማጦ ወሪዱ ኣሎ። ኣብ መላእ ኣውሮጳ ገምጋም ዕድመ ኣቕሽሽቲ ይውስኽ ኣሎ: ኣብ ከም ኣየርላንድን በልጅዩምን ዝኣመሰላ ሃገራት እውን ዋሕዲ የጋጥም ኣሎ። እዚ ኸምዚ ኢሉ ኸሎ: ብዝሒ ናይቶም ኣብ ናይ ካቶሊክ ትምህርቲ ዝምዝገቡ ቘልዑ ይንኪ ብምህላዉ: ነቲ ቤተ-ክርስትያን ካቶሊክ ተተካኢ ወለዶ ናይ ምርካብ ዓቕማ ኣብ ሕቶ የእትዎ ኣሎ።
እቲ ሰባት ኣብ ሃይማኖት ዝነበሮም ምትእምማን ድማ ይጠፍእ ኣሎ። ሽዱሽተ ሚእታዊት ዝዀኑ ህዝቢ ፈረንሳ ጥራይ እዮም “ሓቂ ኣብ ሓንቲ ሃይማኖት ጥራይ ከም እትርከብ” ዝኣምኑ: እዚ ምስቲ ብ1981 ዝነበረ 15 ሚእታዊትን ብ1952 ዝነበረ 50 ሚእታዊትን ክወዳደር ከሎ ብሓቂ ኣንቈልቊሉ እዩ ዘሎ። ብዛዕባ ሃይማኖት ዘሎ ዘይምግዳስ እናኣስፋሕፍሐ ይኸይድ ኣሎ። ምስ ዝዀነ ይኹን ሃይማኖት ምትእስሳር የብልናን ዝብሉ ሰባት ካብቲ ብ1980 ዝነበሮ 26 ሚእታዊት: ኣብ 2000 ናብ 42 ሚእታዊት ክብ ኢሉ ኣሎ።—ሌ ቫሎኽ ዴ ፍኾንሴ—ኢቮሉስዮን ደ 1980 ኣ 2000 (ስርዓታት ፈረንሳ—ካብ 1980 ክሳዕ 2000 ዘርኣዮ ምዕባለታት)
ኣብ ስነ-ምግባራዊ ስርዓታት እተራእየ ዓበይቲ ለውጥታት
እቲ ኣብ እተፈላለየ ስርዓታት ዘጋጠመ ቅልውላው ኣብ ስነ-ምግባር እውን ብጕሉሕ ተንጸባሪቑ እዩ። ኣብ ላዕሊ ኸም እተጠቕሰ: ብዙሓት ቈረብትን ሰገድትን ዝነበሩ ሰባት ነቲ ቤተ-ክርስትያኖም እተውጽኦ ስነ-ምግባራዊ ስርዓታት ምቕባል ኣብዮም እዮም። ነቲ ሰባት ክምርሕሉ ዘለዎም ስርዓታት ናይ ምውጻእ መሰል ናይ መራሕቲ ሃይማኖት እዩ ኢሎም ኣይኣምኑን እዮም። እቶም ነቲ ጳጳስ ኣብ ሰብኣዊ መሰላት ዘለዎ ኣቕዋም ዝድግፉ ሰባት: ቃላቱ ንብሕታዊ ናብርኦም ክትንክፎ ከሎ ኣይስዕብዎን እዮም። ንኣብነት: ብዛዕባ ምክልኻል ጥንሲ ዘለዎ ኣቕዋም ብሓያሎ ሰባት እንተላይ ብካቶሊክ ሰብ ሓዳር እውን ከይተረፈ ተቐባልነት የብሉን።
እዚ ኣረኣእያ እዚ ኣብ ኵሉ ክፍልታት ሕብረተሰብ ንዝርከቡ ሃይማኖታውያን ይኹኑ ዘይሃይማኖታውያን ሰባት ይጸሉ እዩ። እቲ ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት ብንጹር እተኸልከለ ተግባራት ዕሽሽ ይበሃል ኣሎ። ግብረ ሶዶም ቅድሚ ዕስራ ዓመት ብ45 ሚእታዊት ፈረንሳውያን ይውገዝ ነበረ። ኣብዚ እዋን እዚ ብ80 ሚእታዊት ተቐባልነት ረኺቡ ኣሎ። ዝበዝሐ ኽፍሊ ሓፋሽ ኣብ ሓዳርካ እሙን ክትከውን ከም ዝግባእ እኳ ዝሰማምዓሉ እንተዀነ: 36 ሚእታዊት ጥራይ እዮም ነቲ ኻብ ሓዳር ወጻኢ ንዝግበር ጾታዊ ርክብ ምሉእ ብምሉእ ዝውግዝዎ።—ሮሜ 1:26, 27፣ 1 ቈረንቶስ 6:9, 10፣ እብራውያን 13:4
ሃይማኖታዊ ምትሕንፋጽ
ኣብ ምዕራባዊ ዓለም ነፍሲ ወከፍ ሰብ ናይ ገዛእ ርእሱ እምነት ክመርጽ ይኽእል እዩ ዝብል ሓሳባት ስለ ዝሰፈነ ባዕልኻ እትምህዞ ሃይማኖት የስፋሕፍሕ እዩ ዘሎ። እዞም ሰባት እዚኣቶም ንገሊኡ ሰረተ-እምነት ተቐቢሎም ንገሊኡ ኣይቅበልዎን። ገሊኣቶም ኣብ ሪኢንካርነሽን እናኣመኑ ኽነሶም ክርስትያናት ኢና ይብሉ: ገሊኣቶም ከኣ እተፈላለየ ሃይማኖታዊ እምነታት ኣብ ሓደ እዋን ይስዕቡ። (መክብብ 9:5, 10፣ ህዝቅኤል 18:4, 20፣ ማቴዎስ 7:21፣ ኤፌሶን 4:5, 6) እታ ሌ ቫሎኽ ዴ ፍኾንሴ ዘርእስታ መጽሓፍ እውን ብዙሓት ኣመንቲ ኻብቲ ቤተ-ክርስትያን ዝመስረተቶ መገዲ ኣዝዮም ይርሕቑ ኸም ዘለዉ ገለጸት።
ይኹን እምበር: እዚ ናይ ውልቅኻ ሃይማኖት ናይ ምምሃዝ ዝንባለ ኻብ ሓደጋ ናጻ ኣይኰነን። እቲ ናይ ሃይማኖት ጸሓፍ ታሪኽ ከምኡውን ኣባል ኢንስቲቱት ደ ፍኻንስ ዝዀነ ዢን ደሉሞ: ሓደ ውልቀ-ሰብ ካብቲ ህሉው ሃይማኖታዊ ኣገባብ ምሉእ ብምሉእ እተፈልየ ናይ ውልቁ ሃይማኖት ክምህዝ ከም ዘይክእል ዘለዎ እምነት ገለጸ። “እምነት ኣብ ሓደ ሃይማኖት ኣዕሚቛ ሱር እንተ ዘይሰዲዳ ኽትቅጽል ኣይትኽእልን እያ” በለ። ጥዑይ መንፈሳዊ ስርዓታት ምስቲ እቲ ውልቀ-ሰብ ዝስዕቦ ሃይማኖታዊ ልምድታት ክሳነ ኣለዎ። ኣብዚ ብብዙሕ ለውጥታት ሞኽ ኢሉ ዘሎ ሕብረተሰብ መንፈሳዊ ስርዓታትን ሃይማኖታዊ ልምድታትን ዝሳነ ክኸውን ዝኽእል ብኸመይ እዩ፧
መጽሓፍ ቅዱስ ካብ ጫፍ ንጫፍ ምስ እንርእዮ: ቅቡል ስነ-ምግባራዊ ስርዓታት ከውጽእ ዝግብኦ ኣምላኽ ምዃኑ እዩ ዘዘኻኽረና። ልክዕ እዩ: ደቅሰብ ነዚ ናይ ምስዓብ ወይ ናይ ዘይምስዓብ ናጽነት ኣለዎም። ኣብ መላእ ዓለም ዝርከቡ ሚልዮናት ሰባት እዚ ኻብ ጥንቲ ኣኽቢርካ ዝርአ መጽሓፍ ኣብዚ ግዜና እውን ጠቓሚ ኸም ዝዀነ: ‘ንእግሮም መብራህቲ: ንመገዶም ከኣ ብርሃን’ ምዃኑ ይፈልጡ እዮም። (መዝሙር 119:105) ኣብዚ መደምደምታ እዚ ኽበጽሑ ዝኸኣሉ ብኸመይ እዮም፧ ኣብ እትቕጽል ዓንቀጽ ነዚ ኽንመያየጠሉ ኢና።