እከይ ስዒሩ ድዩ፧
ኣብ ምሉእ ታሪኽ ወድሰብ ከም እተራእየ ጸሓፍትን ፈላስፋታትን ብዛዕባ እቲ ኣብ መንጎ ሰናይን እከይን ዘሎ ቓልሲ ዝገልጽ ሓሳብ ነናቶም ርእይቶ ኽህቡ ጸኒሖም እዮም። ይኹን እምበር: ብዛዕባ እቲ ኣብ መንጎ ኣምላኽን ድያብሎስን ዝግበር ውግእ ዝገልጽ ርጡብ ጸብጻብ ዝሓዘ መጽሓፍ ኣሎ። እዚ መጽሓፍ እዚ መጽሓፍ ቅዱስ እዩ። ብዛዕባ እቲ ነዚ ውግእ እዚ ኸም ዝለዓል ዝገበረ ኽርክር ይገልጸልና: መን ከም ዝሰዓረ ኽንፈልጠሉ እንኽእል መገዲ ድማ ይሕብረና።
ኣዳምን ሄዋንን ምስ ተፈጥሩ ሰይጣን ድያብሎስ ዝበሃል ዘይርአ መንፈሳዊ ፍጡር ንግዝኣት ኣምላኽ ብድሆ ኣቕረበሉ። ብኸመይ፧ ኣምላኽ ንፍጡራቱ ጽቡቕ ነገራት ከም ዝሓብኣሎምን ደቅሰብ ካብ ኣምላኽ ርሒቖም ብገዛእ ርእሶም ክመሓደሩ ኸም ዝኽእሉን ብምግላጽ እዩ።—ዘፍጥረት 3:1-5፣ ራእይ 12:9
ሰይጣን ጸኒሑ እውን ኣብ ግዜ እቲ ሓደ ኻብቶም ርእሲ ኣቦታት ዝነበረ እዮብ ካልእ ክርክር ኣልዓለ። ነቲ እዮብ ምስ ኣምላኽ ዝነበሮ ተኣማንነት ንምብልሻው ከምዚ በለ:- “ቈርበት ኣብ ክንዲ ቘርበት። ሰብ ኣብ ክንዲ ህይወቱ ዘለዎ ዅሉ ይህብ እዩ።” (እዮብ 2:4) እዚ ንዅሎም ሰባት ዝልክም ሕቶዶ ኸይኰነ! እወ ነዚ ብድሆ እዚ ከቕርቦ ኸሎ እዮብ ዝብል ስም ኣብ ክንዲ ዝጥቀም ብሓፈሻ “ሰብ” ብምባሉ ንንጽህና ናይ ኵሎም ደቅሰብ ኣብ ጥርጠራ ኣውደቖ። ስለዚ ብኻልእ ኣዘራርባ ‘ሰብ ህይወቱ ንምድሓን ዘይገብሮ ነገር የለን። ዕድል ጥራይ ይወሃበኒ እምበር ንዅሎም ሰባት ካብ ኣምላኽ ከም ዝዓልዉ ኽገብሮም እኽእል እየ’ እዩ ዝብል ነይሩ።
መልሲ ናይዚ ዝስዕብ ክልተ ሕቶታት ኣብቲ ኣብ መንጎ ኣምላኽን ድያብሎስን ዝግበር ውግእ ዝዕወት መን ምዃኑ ዝውስኖ እዩ:- እታ ቐዳመይቲ ሕቶ ወድሰብ ብገዛእ ርእሱ ክመሓደር ክኢሉ ድዩ፧ እትብል ክትከውን ከላ: እታ ኻልአይቲ ኸኣ ድያብሎስ ንዅሉ ሰብ ካብቲ ሓቀኛ ኣምላኽ ከዕልዎ ኽኢሉ ድዩ፧ እትብል እያ።
ደቅ ሰብ ገዛእ ርእሶም ብዘይ ገለ ጸገም ከመሓድሩ ይኽእሉ ድዮም፧
ደቅሰብ ንኣሽሓት ዓመታት ዝኣክል እተፈላለየ ዓይነት ምምሕዳራት ፈቲኖም እዮም። ከም እኒ ንጉሳዊ: ኣሪስቶክራሲያዊ: ዲሞክራሲያዊ: ኣውቶክራሲያዊ: ፋሽስታዊ: ኮምዩኒስታዊ ዝኣመሰለ ምምሕዳራት ኣብ ታሪኽ ተራእዩ እዩ። ደቅሰብ በብግዚኡ እተፈላለየ ምምሕዳራት ምፍታኖም ኣገባብ ምምሕዳሮም ዘዕግብ ከም ዘይኰነ ዘርኢዶ ኸይኰነ፧
ኤች. ጂ. ዌልስ ኣብታ ብ1922 እተሓትመት ኤ ሂስትሪ ኦቭ ዘ ዎርልድ እተባህለት መጽሓፉ “ሮማውያን ዳርጋ ከይተፈለጦም ኣብ ሓደ ሰፊሕ ዝዀነ ናይ ምምሕዳር ፈተነ ኣተዉ” ኢሉ ጸሓፈ። ቀጺሉ እውን ከምዚ በለ:- “ወትሩ ምስ ተቐያየረ እዩ: መዕለቢ ረኺቡ ኣይፈልጥን። ብሓደ ወገን ኽርአ ከሎ እቲ እተገብረ ፈተነ ፈሺሉ እዩ። ብኻልእ ወገን ክርአ ኸሎ ኸኣ እቲ ፈተነ ኣይተዛዘመን: ከመይሲ ኣብዚ እዋን እዚ ኣውሮጳን ኣመሪካን ነቲ መጀመርታ ንሮማውያን ኣጋጢምዎም ዝነበረ ዓለምለኻዊ ናይ ምምሕዳር ጸገማት ንምፍታሕ ገና ህርድግ እዮም ዝብሉ ዘለዉ።”
ናይ ምምሕዳር ፈተነ ኣብ መበል 20 ዘመን እውን ቀጺሉ እዩ። ኣብ መወዳእታ ናይቲ ዘመን እቲ ዲሞክራሲያዊ ስርዓት ዝያዳ ተቐባልነት ረኺቡ እዩ። ናይ ደሞክራሲ ክልሰ-ሓሳብ ስልጣን ኣብ ኢድ ህዝቢ ዝዀነሉ መንግስቲ ማለት እዩ። ይኹን እምበር: ዲሞክራሲያዊ ምምሕዳር ሰብ ካብ ኣምላኽ ተፈልዩ ንገዛእ ርእሱ ብዘይ ገለ ጸገም ከመሓድር ከም ዝኽእል ኣርእዩ ድዩ፧ ቀዳማይ ሚኒስተር ህንዲ ነበር ጃዋሃርላል ኔሩ: ዲሞክራሲ ጽቡቕ ምዃኑ እኳ እንተ ገለጸ ቀጺሉ ግን “እዚ ዝበልኩሉ ምኽንያት እቲ ኻልእ ምምሕዳራት ካብዚ ዝኸፍአ ብምዃኑ እዩ” በለ። ናይ ፈረንሳ ፕረዚደንት ነበር: ቫለኺ ጊስኻድ ዲኤስተይንግ “ንህዝቢ ወኪልካ ኣብ ዝግበር ናይ ዲሞክራሲ ምምሕዳር ብዙሕ ጸገማት ንርኢ ኣሎና” በለ።
ኣብ መበል ሓሙሻይ ዘመን ቅ.ኣ.ዘ. እውን እቲ ናይ ግሪኽ ፈላስፋ ዝነበረ ፕላቶ ኣብ ዲሞክራሲያዊ ኣገባብ ምምሕዳር ድኽመት ከም ዘሎ ገሊጹ እዩ። ብመሰረት እቲ ኤ ሂስትሪ ኦቭ ፖለቲካል ቲኦሪ እተባህለ መጽሓፍ: ፕላቶ “ፖለቲካውያን ደናቑርን ብቕዓት ዘይብሎምን” ከም ዝዀኑ ገይሩ ዘሊፍዎም እዩ: “እዚ ኸኣ ኣብ ዲሞክራሲያዊ ምምሕዳራት ዝወረደ ፍሉይ መርገም እዩ።” ሎሚ መብዛሕትኦም ፖለቲካውያን: ኣብ መንግስቲ ናይ ምምሕዳር ብቕዓት ዘለዎም ሰባት ክትረክብ ኣጸጋሚ ምዃኑ እዮም ዝገልጹ። ዘ ዎል ስትሪት ጆርናል እትበሃል ጋዜጣ ከም ዝገለጸቶ: ሰባት “በቶም ከቢድ ጸገማት ከጋጥሞም ከሎ ምፍትሑ ዘይክእሉ መራሕቲ ተበሳጭዮም እዮም። መምርሒ ኣብ ዝደልይሉ እዋን ቅልጡፍ ፍታሕ ብዘይ ምርካቦምን ብዝርእይዎ ብልሽውናን ተመሪሮም እዮም።”
ግዝኣት ናይቲ ንጉስ ጥንታዊት እስራኤል ዝነበረ ሰሎሞን ከኣ ንርአ። የሆዋ ንሰሎሞን ሓለፍ ዝበለት ጥበብ ሃቦ። (1 ነገስት 4:29-34) ኣብቲ ናይ 40 ዓመት ግዝኣት ሰሎሞን ህዝቢ እስራኤል ብኸመይ እዮም ዝነብሩ ነይሮም፧ መጽሓፍ ቅዱስ “ይሁዳን እስራኤልን ምብዛሖም ከም ሑጻ ባሕሪ በዚሖም ነበሩ። ይበልዑን ይሰትዩን ይሕጐሱን ነበሩ” ብምባል ይምልሰልና። እቲ ጸብጻብ ቀጺሉ “ይሁዳን እስራኤልን ድማ ካብ ዳን ክሳዕ ብኤር-ሸባዕ ብዅሉ ዘመን ሰሎሞን ነፍሲ ወከፍ ኣብ ትሕቲ ወይኑን በለሱን ብህድኣት ይቕመጥ ነበረ” ይብለና። (1 ነገስት 4:20, 25) እቶም ህዝቢ በቲ ወኪል ናይቲ ዘይርአ ልዑል ገዛኢ የሆዋ ኣምላኽ ዝዀነ ዝርአ ንጉሶም እናተመሓደሩ ህድኣትን ብልጽግናን ሓጐስን ረኺቦም ይነብሩ ነበሩ።
ኣብ መንጎ ግዝኣት ሰብን ግዝኣት ኣምላኽንሲ ኣየ ኸመይ ዝበለ ፍልልይ ኰን እዩ ዘሎ! ሰይጣን ኣብቲ ብዛዕባ ኣገዛዝኣ ዘልዓሎ ብድሆ ብሓቂዶ ተዓዊቱ ኽበሃል ይከኣል እዩ፧ ኣይፋልን: ከመይሲ ነብዪ ኤርምያስ “ጐይታየ: መገዲ ሰብ ካብ ርእሱ ኸም ዘይኰነ: እቲ ዚመላለስውን ስጓሜኡ ኬቕንዕ ዓቕሚ ኸም ዜብሉ: እፈልጥ አሎኹ” ኢሉ እዩ።—ኤርምያስ 10:23
ሰይጣን ንዅሉ ሰብ ካብ ኣምላኽ ከዕልዎ ኽኢሉ ድዩ፧
ሰይጣን ከምቲ ዝበሎ ንዅሉ ሰብ ካብ ኣምላኽ ከዕልዎ ኽኢሉ ድዩ፧ ሃዋርያ ጳውሎስ ኣብታ ናብ እብራውያን ዝጸሓፋ መልእኽቱ ኣብ ምዕራፍ 11 ገለ ኣስማት ናይቶም ቅድሚ ክርስትና ዝነበሩ እሙናት ሰብኡትን ኣንስትን ጽሒፉ ኣሎ። ቀጺሉ ኸኣ “ብዛዕባ እኒ ጊዴዎን: እኒ ባራቅ: እኒ ሳምሶም: እኒ ይፍታሄ: እኒ ዳዊትን ሳሙኤልን ነብያትን እንታይ ክብል እየ፧ ብዛዕባኦም ከየዘንትወልኩም ጊዜ ይሐጽረኒ እዩ” በለ። (እብራውያን 11:32) ጳውሎስ ነዞም እሙናት ኣገልገልቲ ኣምላኽ እዚኣቶም ብሓጺሩ “ኽንድዚ ዚአክል ደበና ምስክር” ብምባል ጠቒሱዎም ኣሎ። (እብራውያን 12:1) እታ “ደበና” ተተርጒማ ዘላ ናይ ግሪኽ ቃል: ውሱን ግዝፍን ቅርጽን ዘለዎ ደበና ማለት ዘይኰነስ ንሓደ ንሰማይ ዝሽፍን ቅርጺ ዘይብሉ ብዝሒ ደበና እያ እተመልክት። እቶም ኣብ ዝሓለፈ ዘመናት ዝነበሩ እሙናት ኣገልገልቲ ኣምላኽ ልክዕ ከም ጽዑቕ ደበና ብዙሓት ስለ ዝነበሩ ብቑዕ ምሳሌ እዩ ተጠቒሙ። እወ: ኣብ ኵሉ እቲ ዝሓለፈ ዘመናት: ማእለያ ዘይብሎም ሰባት ነቲ ናይ ምምራጽ ናጽነቶም ተጠቒሞም ንየሆዋ ኣምላኽ እሙናት ክዀኑ መሪጾም እዮም።—እያሱ 24:15
ኣብዚ ግዜናኸ እንታይ ኢና እንርኢ ዘሎና፧ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ መበል 20 ዘመን መሪር መስጐጕትን ምጽራርን እኳ እንተ ኣሕለፉ ቍጽሮም ልዕሊ ሽዱሽተ ሚልዮን በጺሑ ኣሎ። ትሽዓተ ሚልዮን ኣቢሎም ዝዀኑ ደገፍቲ እውን ኣለውዎም: ዝበዝሑ ካብዚኣቶም ከኣ ምስ ኣምላኽ ጥብቂ ርክብ ንምምስራት ስጕምቲ ይወስዱ ኣለዉ።
እቲ ሰይጣን ‘ንዅሎም ደቅሰብ ካብ የሆዋ ኸዕልዎም እኽእል እየ’ ብምባል ዘቕረቦ ብድሆ እቲ ወዲ ኣምላኽ ዝዀነ የሱስ ክርስቶስ ዘየዳግም መልሲ ሂቡሉ እዩ። እቲ ኣብ ዕንጸይቲ ዘሕለፎ መሪር ስቓይ እውን እንተዀነ ተኣማንነቱ ከም ዘጥፍእ ኣይገበሮን። የሱስ ቀቅድሚ ሞቱ “ኣቦይ: ንነፍሰይ ኣብ ኢድካ ኤማዕቍባ አሎኹ” ኢሉ ጨርሐ።—ሉቃስ 23:46
ሰይጣን ንደቅሰብ ምሉእ ብምሉእ ኣብ ትሕቲ ቍጽጽሩ ንኽገብሮም: ዘለዎ ሓይሊ ተጠቒሙ በብዓይነቱ ፈተናታትን ናይ ገጽ ንገጽ መስጐጕትን የውርደሎም እዩ። “ፍትወት ስጋን ፍትወት ኣዒንትን ንብረት ትዕቢትን” ተጠቒሙ ንሰባት ብምፍታን ካብ የሆዋ ኸስድዖም እዩ ዝደሊ። (1 ዮሃንስ 2:16) ብዘይዚውን ሰይጣን ‘እቲ ብርሃን ወንጌል ናይ ክብሪ ክርስቶስ: ምእንቲ ኸየብርሃሎም ኢሉ ንሓሳብ እቶም ዘይኣምኑ ኣዒርዎ’ እዩ። (2 ቈረንቶስ 4:4) ንሰብ ምፍራህ ከለማምጥ ከም ዝኽእል ስለ ዝፈልጥ ብሰባት ተጠቒሙ ካብ ምፍርራህ እውን ድሕር ኣይብልን እዩ።—ግብሪ ሃዋርያት 5:40
ይኹን እምበር እቶም ብወገን ኣምላኽ ዝስለፉ ብድያብሎስ ኣይስዓሩን እዮም። ንየሆዋ ኣምላኽ ፈሊጦምዎ ‘ብምሉእ ልቦምን ብዅሉ ነፍሶምን ብዅሉ ሓሳቦምን ከኣ ኣፍቂሮምዎ’ እዮም። (ማቴዎስ 22:37) እወ: እቲ የሱስ ክርስቶስን ማእለያ ዘይብሎም ሰባትን ዘርኣይዎ ክምህ ዘይብል ተኣማንነት ሰይጣን ድያብሎስ ከም እተሳዕረ ዘረጋግጽ እዩ።
ኣብ መጻኢ እንታይ እዩ ኸጋጥመና
ደቅሰብ ንዘለኣለም ናይ ምምሕዳር ፈተነ እናገበሩ ድዮም ክነብሩ፧ ነብዪ ዳንኤል ከምዚ ኢሉ ተነበየ:- “ብዘመን እዞም ነገስታት እዚኣቶም ኣምላኽ ሰማይ ንዘለኣለም ከቶ ዘይትጠፍእን: ግዝኣታ ኸኣ ንኻልእ ህዝቢ ዘይውሀብን መንግስቲ ኼተንስእ እዩ። ንዅለን እዘን መንግስትታት እዚኣተን ክትጭፍልቐንን ከተጥፍኤንን እያ: ንሳ ግና ንዘለኣለም ክትቀውም እያ።” (ዳንኤል 2:44) እታ ኣምላኽ ሰማይ ዘቝማ መንግስቲ: እታ የሱስ ክርስቶስ ዘመሓድራ ሰማያዊት መንግስቲ እያ። የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ ክጽልዩላ ዝመሃሮም መንግስቲ እውን እዛ መንግስቲ እዚኣ እያ። (ማቴዎስ 6:9, 10) እዛ መንግስቲ እዚኣ ‘በታ ዓባይ መዓልቲ ናይቲ ዅሉ ዝኽእል ኣምላኽ ኣብ ዝግበር ውግእ’ ንዅለን ሰብኣውያን መንግስታት ከተጥፍአን እያ: ንምልእቲ ምድሪ ኸኣ ከተመሓድራ እያ።—ራእይ 16:14, 16
ንሰይጣን እንታይ እዩ ኸጋጥሞ፧ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እቲ ኣብ መጻኢ ግዜ ዝፍጸም ነገራት ከምዚ ብምባል ይገልጸልና:- “[መልኣኽ ሰማይ] ነቲ ገበል: ነቲ ናይ ጥንቲ ተመን: ሐዞ: እዚ እቲ ድያብሎስን ሰይጣንን እዩ: ሽሕ ዓመትውን አሰሮ። እተን ሽሕ ዓመት ክሳዕ ዚፍጸማ ኸኣ: ናብ መዓሙቝ ደርበዮ። ድሕሪ ደጊም ነህዛብ ምእንቲ ኸየስሕቶም ኢሉውን: ዐጽዩ ኣብ ልዕሊኡ ሐተመ። ድሕርዚ ንቕሩብ ጊዜ ኺፍታሕ ይግባእ እዩ።” (ራእይ 20:1-3) ሰይጣን ኣብ መዓሙቝ ናይ ስቕታ ምስ ተደርበየ እቲ ናይ ሽሕ ዓመት ግዝኣት የሱስ ክርስቶስ ክጅምር እዩ።
ኣየ ሽዑስ እዛ ምድሪ እዚኣ ኽንደይ ባህ እተብል ኰን ክትከውን እያ! እከይን እቶም እከይ ዝገብሩን ኣይክህልዉን እዮም። መጽሓፍ ቅዱስ ከምዚ ብምባል የተስፉ:- “እኩያት ኪጸንቱ እዮም . . . ትሑታት ግና ንምድሪ ኺወርስዋ እዮም: ብብዝሒ ሰላም ከኣ ደስ ኪብሎም እዩ።” (መዝሙር 37:9-11) ንሰላሞም ዝዘርግ ሰብ ወይ እንስሳ ኣይክህሉን እዩ። (ኢሳይያስ 11:6-9) እቶም ኣብ ዝሓለፈ እዋናት ብዘይ ምርዳእን ንየሆዋ ንምፍላጥ ኣጋጣሚ ብዘይምርካቦምን ብወገን ድያብሎስ ተሰሊፎም ዝነበሩ ዅሎም ካብ ምውታት ተንሲኦም ብየሆዋ ኽመሃሩ እዮም።—ግብሪ ሃዋርያት 24:15
ኣብ መወዳእታ ናይቲ ሽሕ ዓመት ምድሪ ብምልእታ ናብ ገነት ክትልወጥ እያ: ኣብኣ ዝነብሩ ደቅሰብ ከኣ ናብ ፍጽምና ኽበጽሑ እዮም። ሽዑ ሰይጣን “ንቝሩብ ጊዜ” ኽፍታሕ: ድሕሪኡ ኸኣ ንሱን ኵሎም እቶም ንግዝኣት ኣምላኽ ዝጻረሩን ንዘለኣለም ክጠፍኡ እዮም።—ራእይ 20:3, 7-10
ብወገን መን ኢኻ እትቐውም፧
መበል 20 ዘመን ሰይጣን ኣብ ልዕሊ ምድሪ እዚ ዘይብሃል ዕንወት ዘውረደሉ ዘመን እዩ። ይኹን እምበር: ኣብ ምድሪ ዘሎ ዅነታት ንሱ ከም ዝሰዓረ ዘይኰነስ ኣብ ዳሕሮት መዓልትታት ናይዚ እኩይ ኣገባብ ንነብር ከም ዘሎና ዝሕብር እዩ። (ማቴዎስ 24:3-14፣ ራእይ 6:1-8) ብዝሒ ናይቲ ኣብ ምድሪ ዘሎ እከይ ይኹን ናይ ብዙሓት ርእይቶ: እከለ እዩ ስዒሩ ኢልካ ንምውሳን ምኽንያት ክኸውን ኣይክእል እዩ። መን ከም ዝሰዓረ ኽውሰን ዝኽእል ‘እቲ ዝበለጸ ኣገዛዝኣ ናይ መን ኣገዛዝኣ እዩ፧ ንኣምላኽ ብፍቕሪ ተደሪኹ ዘገልግሎኸ ኣሎ ድዩ፧’ ዝብላ ኽልተ ሕቶታት ምስ ዝምለሳ ጥራይ እዩ። ኣብ ክልቲአን ከኣ የሆዋ እዩ ተዓዊቱ።
እቲ ኽሳዕ ሕጂ እተፈቕደ ግዜ ሰይጣን ሓሳዊ ምዃኑ ዘረጋግጽ ካብ ኰነ ኣምላኽ ክሳዕ ሕጂ እከይ ክህሉ ስቕ ኢሉ ዝርኢ ደኣ ንምንታይ እዩ፧ የሆዋ “ኵላቶም ናብ ንስሓ ኺበጽሑ እምበር: ሓደ እኳ ኺጠፍእ ዘይፈቱ ስለ ዝዀነ” እዩ ትዕግስቲ ዘርኢ ዘሎ። (2 ጴጥሮስ 3:9) የሆዋ “ዅሉ ሰብ ኪድሕን ናብ ፍልጠት ሓቂውን ኪመጽእ” እዩ ዝደሊ። (1 ጢሞቴዎስ 2:4) ነቲ ተሪፉካ ዘሎ ግዜ መጽሓፍ ቅዱስ ንምጽናዕን ብዛዕባ ‘እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽን ንሱ ዝለኣኾ የሱስ ክርስቶስን’ ፍልጠት ንምቕሳምን ተጠቐመሉ። (ዮሃንስ 17:3) ብወገን እቶም ዝሰዓሩ ምእንቲ ኽትስለፍ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ነዚ ፍልጠት እዚ ንኽትረክብ ክሕግዙኻ ሕጉሳት እዮም።
[ኣብ ገጽ 5 ዘሎ ስእሊ]
ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንጽህናኦም ብምሕላው ሰይጣን ከም እተሳዕረ ተወሳኺ መርትዖ ይህቡ ኣለዉ
[ኣብ ገጽ 7 ዘሎ ስእሊ]
የሆዋ ብወገኑ እተሰለፉ ብዙሓት እሙናት ኣለዉዎ