ሄኖክ ኣብታ ፍርሃት ኣምላኽ ዘይነበራ ዓለም ምስ ኣምላኽ ተመላለሰ
ድያብሎስ ንዅሎም ሰባት ካብ ኣምላኽ ከርሕቖም ከም ዝኽእል ገሊጹ ኢዩ: ከም ዝሰለጦ ዝመስለሉ እዋናት እውን ነይሩ ኢዩ። ኣቤል ካብ ዝመውት ኣትሒዙ ንሓሙሽተ ዘመናት ዝኸውን እሙን ኣገልጋሊ የሆዋ ብምዃኑ ዝፍለጥ ዋላ ሓደ ኣይነበረን። ሓጢኣትን ፍርሃት ኣምላኽ ዘይምህላውን ኣስፋሕፊሑ ነበረ።
ኣብቲ መንፈሳዊ ርኽሰት ዝነበረሉ እዋን ከኣ ኢዩ ሄኖክ ኣብ ምድሪ ዝነብር ነይሩ። ብመሰረት መስርዕ ፍጻመታት መጽሓፍ ቅዱስ ብ3404 ቅ.ኣ.ዘ. ኢዩ ተወሊዱ። ከምቶም ኣብቲ ዘመን እቲ ዝነበሩ ሰባት ዘይኰነስ: ብኣምላኽ ተቐባልነት ዝነበሮ ሰብ ኢዩ ነይሩ። ሃዋርያ ጳውሎስ ምስቶም ብእምነቶም ንክርስትያናት ኣብነት ዝዀኑ ኣገልገልቲ የሆዋ ጠቒስዎ ኣሎ። ሄኖክ እንታዋይ ኢዩ ነይሩ፧ እንታይ ብድሆታት ኢዩ ኣጋጢምዎ፧ ብኸመይ ተዋጽኣሉ፧ ንጽህንኡ ምሕላዉኸ ንዓና እንታይ ኣገዳስነት ኣለዎ፧
ብግዜ ሄኖስ ማለት ካብቲ ሄኖክ ዝነበረሉ ኣርባዕተ ዘመናት ኣቐዲሙ “ስም የሆዋ ምጽዋዕ ተጀመረ።” (ዘፍጥረት 4:26 NW) ታሪኽ ወድሰብ ካብ ዝጅምር ኣትሒዙ ሰባት ንስም ኣምላኽ ይጥቀሙሉ ነይሮም ኢዮም። ስለዚ: ኣብ ግዜ ሄኖስ ስም የሆዋ ምጽዋዕ ተጀመረ ኽበሃል ከሎ ብእምነትን ብጽሩይ ኣምልኾን ከም ዘይኰነ ፍሉጥ ኢዩ። ገሊኦም ምሁራት ቋንቋ እብራይስጢ: እዛ ጥቕሲ እዚኣ “ብርኽሰት [ክጽውዕዎ] ጀመሩ” ወይ “ሽዑ ርኽሰት ጀመረ” ተባሂላ ኽትንበብ ከም ዘለዋ ይኣምኑ ኢዮም። ሰባት ንስም ኣምላኽ ንገዛእ ርእሶም ወይ ነቶም ናብ ኣምላኽ የቕርቡና ኢዮም ዝበልዎም ሰባት ክጥቀሙሉ ጀሚሮም ክዀኑ ይኽእሉ ኢዮም። ወይ ንጣኦታት ብስሙ ኽጽውዕዎም ጀሚሮም ክዀኑ ይኽእሉ ኢዮም።
“ሄኖክ . . . ምስ ኣምላኽ ተማላለሰ”
ሄኖክ ፍርሃት ኣምላኽ ብዘይብሎም ሰባት ተኸቢቡ እኳ እንተ ነበረ: “ምስ ኣምላኽ [ማለት የሆዋ] ተማላለሰ።” ከም እኒ ሴት: ሄኖስ: ቃይናን: መሃላልኤል: ከምኡውን ያሬድ ዝኣመሰሉ ኣቦታቱ ምስ ኣምላኽ ተመላሊሶም ዝብል ኣይንረክብን ኢና። እንተወሓደ ኸምቲ ብኣነባብራኡ ኻብኣቶም ፍሉይ ዝነበረ ሄኖክ ገይሮም ኣይተመላለሱን።—ዘፍጥረት 5:3-27
ሄኖክ ምስ መለኮታዊ ፍቓድ ተሰማሚዑ ይነብር ስለ ዝነበረ ጥራይ ኢዩ ምስ የሆዋ ክመላለስ ማለት ንኣምላኽ ክፈልጦን ምስኡ ጥብቂ ርክብ ክምስርትን ዝኸኣለ። የሆዋ ነቲ ሄኖክ ዝነበሮ ተወፋይነት ሰሚርዎ ኢዩ። አረ: እቲ ናይ ግሪኽ ሰፕቱጀንት እሞ ኸኣ “ሄኖክ [ንኣምላኽ] ባህ ዘብል ነበረ” ኢዩ ዝብሎ: ሃዋርያ ጳውሎስ እውን ተመሳሳሊ ሓሳብ ሂቡ ኣሎ።—ዘፍጥረት 5:22፣ እብራውያን 11:5
ሄኖክ ምስ የሆዋ ጽቡቕ ርክብ ክህልዎ ዝኸኣለ እምነት ስለ ዝነበሮ ኢዩ። ኣብቲ መብጽዓ እተገብረሉ ‘ዘርኢ’ ናይታ ‘ሰበይቲ’ እምነት ኣሕዲሩ ክኸውን ኣለዎ። ሄኖክ ምስ ኣዳም ዝፋለጥ ነይሩ እንተ ዀይኑ: ኣምላኽ ምስቶም ቀዳሞት ሰብኣይን ሰበይትን ኣብ ኤደን ዝነበሮ ርክብ ፈሊጡ ክኸውን ይኽእል ነይሩ ኢዩ። እቲ ብዛዕባ ኣምላኽ ዝነበሮ እምነት: ንኣምላኽ ‘ዝደልዮ’ ሰብ ከም ዝኸውን ገይርዎ ኢዩ።—ዘፍጥረት 3:15፣ እብራውያን 11:6, 13
ምስ የሆዋ ጽቡቕ ርክብ ምግባር: ንሄኖክ ኰነ ንዓና: ብዛዕባኡ ካብ ምፍላጥ ንላዕሊ ኢዩ ዝሓተና። ምስ ሓደ ሰብ ኣጸቢቕና ንቀራረብ እንተድኣ ዄንና: ኣተሓሳስባናን ተግባራትናን ብኣረኣእያኡ ኸይተጸልወዶ ይተርፍ ኢዩ፧ ነቲ ዕርክነትና ዘበላሹ ቓላት ኰነ ተግባራት ነወግድ ኢና። ገለ ለውጥታት ክንገብር እንተ ሓሲብና: ነቲ ዕርክነት ብኸመይ ከም ዝጸልዎ ኣብ ግምት ኣይነእትዎንዶ ኢና፧
ብተመሳሳሊ ምስ ኣምላኽ ጥብቂ ርክብ ንምዕቃብ ዘሎና ባህጊ ንእንገብሮ ነገር ይጸልዎ ኢዩ። ብቐዳምነት ግን ብዛዕባ እቲ ኣምላኽ ዝፈትዎን ዝጸልኦን ነገር ርጡብ ፍልጠት ከነጥሪ ይግባእ። ድሕርዚ በቲ ፍልጠት እቲ ኽንምራሕ ማለት ብኣተሓሳስባናን ተግባራትናን ከነሐጕሶ ኽንጽዕር ኣሎና።
እወ: ምስ ኣምላኽ ክንመላለስ እንተ ዄንና ኸነሐጕሶ ኣሎና። ሄኖክ ንኣማእታት ዓመታት ከምኡ ኢዩ ዝገበረ። እታ ሄኖክ ምስ ኣምላኽ “ተማላለሰ” ተባሂላ እተተርጐመት ናይ እብራይስጢ ግሲ: ተደጋጋምን ቀጻልን ተግባር ኢያ እተመልክት። ኖህ እውን ‘ምስ ኣምላኽ እተመላለሰ’ ኻልእ እሙን ሰብ ኢዩ ነይሩ።—ዘፍጥረት 6:9
ሄኖክ ሰበይቲ ከምኡውን “ኣወዳትን ኣዋልድን” ዝነበርዎ ኣቦ ስድራ ኢዩ ነይሩ። ሓደ ኻብ ደቁ ማቱሳላ ነበረ። (ዘፍጥረት 5:21, 22) ንስድርኡ ብጽቡቕ ንምእላይ ዝከኣሎ ዅሉ ይገብር ምንባሩ ኣየጠራጥርን ኢዩ። ፍርሃት ኣምላኽ ብዘይብሎም ሰባት ተኸቢቡ ስለ ዝነበረ ግን ንኣምላኽ ምግልጋል ቀሊል ኣይነበረን። ኣብ ግዜ ሄኖክ ካብ ዝነበሩ ሰባት: ላሜክ ኣቦ ኖህ ጥራይ ኢዩ ኣብ የሆዋ እምነት ኣርእዩ ክኸውን ዝኽእል። (ዘፍጥረት 5:28, 29) እንተዀነ ግን: ሄኖክ ብትብዓት ሓቀኛ ኣምልኾ ሒዙ ነበረ።
ሄኖክ ንኣምላኽ እሙን ኰይኑ ንኽቕጽል ዝሓገዞ እንታይ ኢዩ ነይሩ፧ ምስቶም ንስም የሆዋ ዝጻረፉ ወይ ንእኡ ኣብ ዘቕርቦ ኣምልኾ ዕንቅፋት ዝዀኑዎ ሰባት ዘይሕወስ ምንባሩ ኣየጠራጥርን ኢዩ። ብጸሎት ካብ የሆዋ ሓገዝ ብምሕታት እውን ነቲ ንፈጣሪ ዘጕህዮ ዝዀነ ይኹን ነገር ከይፍጽም ዝገበሮ ቘራጽነት ኣደልዲልዎ ክኸውን ይኽእል ኢዩ።
ኣንጻር እቶም ፍርሃት ኣምላኽ ዘይነበሮም ሰባት እተነበዮ ትንቢት
ፍርሃት ኣምላኽ ብዘይብሎም ሰባት ተኸቢብካ ኸሎኻ ልዑል ስነ-ምግባራዊ ስርዓታት ምሕላው ከቢድ ኢዩ። ሄኖክ ግን ነቶም እኩያት ተሪር መልእኽቲ ፍርዲ ኣወጀሎም። ብመንፈስ ኣምላኽ ተመሪሑ ኸምዚ ኢሉ ተነበየ:- “እነሆ: ጐይታ ንዅላቶም ኪፈርዶም ኢሉ ምስ አእላፋት ቅዱሳቱ መጺኡ አሎ: ነቶም ፍርሃት እግዚኣብሄር ዜብሎም ኵላቶም ድማ ብዛዕባ እቲ ዝገበርዎ ዅሉ እኩይ ግብርን ብዛዕባ እቲ ሓጥኣንን ገፋዕትን ብዛዕባኡ እተዛረብዎ ዘበለ ዅሉ ዘረባ ድርቅናን ኪቐጽዖም እዩ።”—ይሁዳ 14, 15
እዚ መልእኽቲ እዚ ኣብቶም ህልኸኛታት ዘይኣመንቲ እንታይ ውጽኢት ነበሮ፧ ከምዚ ዝኣመሰለ ዘሕርቕ መልእኽቲ ንሄኖክ ከም ዝጽላእ: ምናልባት እውን ኣደዳ ባጫ: ላግጺ: ከምኡውን ምጕብዕባዕ ገይርዎ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ገሊኣቶም ከኣ ክቐትልዎ ሓሲቦም ክዀኑ ኣለዎም። ሄኖክ ግን ድምብርጽ ኣይበሎን። ነቲ ጻድቕ ዝነበረ ኣቤል እንታይ ከም ዘጋጠሞ ይፈልጥ ነይሩ ኢዩ: ዝመጸ ይምጻእ እውን ከም ኣቤል ንኣምላኽ ከገልግል ቈሪጹ ነበረ።
‘ኣምላኽ ወሰዶ’
‘ኣምላኽ ንሄኖክ ክወስዶ’ ኸሎ: ህይወት ሄኖክ ኣብ ሓደጋ ምንባራ ፍሉጥ ኢዩ። (ዘፍጥረት 5:24) የሆዋ እቲ እሙን ነብዩ ብኢድ እቶም ሕሱማት ጸላእቱ ኽጠፍእ ኣየፍቀደን። ብመሰረት እቲ ሃዋርያ ጳውሎስ ዝበሎ “ሄኖክ: ሞት ምእንቲ ኸይርኢ . . . ገዐዘ።” (እብራውያን 11:5) ብዙሓት ሰባት: ኣምላኽ ናብ ሰማይ ስለ ዝወሰዶ: ሄኖክ ኣይሞተን ይብሉ ኢዮም። እንተዀነ ግን: የሱስ ብንጹር “ብጀካ እቲ ኻብ ሰማይ ዝወረደ . . . ናብ ሰማይ ዝደየበ ሓደ እኳ የልቦን” በለ። የሱስ “መራሒ” ናይቶም ናብ ሰማይ ዝደየቡ ዅሎም ሰባት ኢዩ።—ዮሃንስ 3:13፣ እብራውያን 6:19, 20
ሄኖክ ደኣ እሞ እንታይ ኢዩ ዀይኑ፧ “ሞት ምእንቲ ኸይርኢ . . . ገዓዘ” ኽበሃል ከሎ: ኣምላኽ ብዓሚቝ ትንቢታዊ ራእይ ከም ዝምሰጥ ድሕሪ ምግባር ኣብቲ ዅነት እቲ ኸሎ ኸም ዝመውት ገይርዎ ማለት ክኸውን ይኽእል ኢዩ። በዚ ኸምዚ: ጻዕረ-ሞት ኣይሓዞን። የሆዋ ኸምቲ ንናይ ሙሴ ኣካል ዝሰወሮ: ንናይ ሄኖክ ኣካል እውን ስለ ዝሰወሮ “ኣይተረኽበን።”—ዘዳግም 34:5, 6
ሄኖክ ካብ ናይቶም ኣብቲ ግዜ እቲ ዝነበሩ ሰባት ዝሓጽር ዕድመ ማለት 365 ዓመታት ኢዩ ብህይወት ጸኒሑ። ንየሆዋ ንዘፍቅሩ ሰባት ዘገድሶም ነገር ግን ክሳዕ መወዳእታ ህይወቶም ብተኣማንነት ምግልጋሎም ኢዩ። ሄኖክ ‘ቅድሚ ምግዓዙ ንኣምላኽ ከም ዘስመረ: ተመስኪሩሉ ስለ ዝነበረ’ እሙን ምንባሩ ንፈልጥ ኢና። ኣምላኽ ብኸመይ ስምረቱ ኸም ዝገለጸሉ ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት ኣይተጠቕሰን። ይኹን እምበር: ቅድሚ ሙማቱ ስምረት ኣምላኽ ከም ዘለዎ መረጋገጺ ተዋሂብዎ ኢዩ: የሆዋ ብትንሳኤ ኸም ዝዝክሮ ኸኣ ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል ኢና።
ኣስኣሰር እምነት ሄኖክ ንስዓብ
ኣስኣሰር እምነት እቶም ፍርሃት ኣምላኽ ዘለዎም ሰባት ክንስዕብ ንኽእል ኢና። (እብራውያን 13:7) ሄኖክ ናይ መጀመርታ ነብዪ ኣምላኽ ኰይኑ ከገልግል ዝኸኣለ ብእምነት ኢዩ። እታ ሽዑ ዝነበረት ዓለም ከምዚ ኣብዚ ግዜና ዘላ ዓመጽ ዝመልኣን ርኽስትን ፍርሃት ኣምላኽ ዘይብላን ኢያ ነይራ። ሄኖክ ግን ፍልይ ዝበለ ሰብ ኢዩ ነይሩ። ናይ ሓቂ እምነት ነበሮ: ብኣምልኾ ዝመጸ ድማ ኣብነት ዝዀነና ኢዩ። እወ: የሆዋ ኸቢድ መልእኽቲ ኽእውጅ መዚዝዎ ኢዩ: እንተዀነ ግን ኣተባቢዕዎ እውን ኢዩ። ንእተዋህቦ መዝነት ብተኣማንነት ፈጸመ: ጸላእቱ ኽጻረርዎ ኸለዉ ድማ የሆዋ ዘድሊ ስጕምቲ ወሲዱ ኢዩ።
ከም ናይ ሄኖክ ዝዓይነታ እምነት እንተ ሃልያትና: የሆዋ ኣብዘን ዳሕሮት መዓልትታት መልእኽቱ ንኽንእውጅ ከበራትዓና ኢዩ። ንምጽራር ብትብዓት ንኽንዋጽኣሉ ክሕግዘና ኢዩ: ኣምልኾና ድማ ካብቶም ፍርሃት ኣምላኽ ዘይብሎም ሰባት እተፈለና ኽገብረና ኢዩ። እምነት ምስ የሆዋ ንኽንመላለስን ንልቡ ብዘሐጕሶ ኣካይዳ ንኽንከይድን ከኽእለና ኢዩ። (ምሳሌ 27:11) ከምቲ እቲ ጻድቕ ሄኖክ ኣብታ ፍርሃት ኣምላኽ ዘይብላ ዓለም ብእምነት ምስ ኣምላኽ እተመላለሰ: ንሕናውን ከምኡ ኽንገብር ንኽእል ኢና።
[ኣብ ገጽ 30 ዘሎ ሳጹን]
መጽሓፍ ቅዱስ ካብ መጽሓፍ ሄኖክ ይጠቅስ ድዩ፧
መጽሓፍ ሄኖክ ሓቅነት ዘይብላን ብናይ ብርዒ ስም ተጠቒምካ እተጻሕፈትን ኢያ። ብሓሶት ሄኖክ ከም ዝጸሓፋ ኰይና ኢያ ተዳልያ። ኣብ መንጎ ካልኣይን ቀዳማይን ዘመን ቅ.ኣ.ዘ. ኣቢላ እተጻሕፈት ክትከውን ከላ: እተጋነነን ታሪኻዊ መርትዖ ዘይብሉን ጽውጽዋያት ኣይሁድ ዝሓዘት ኢያ። ነቲ ኣብ መጽሓፍ ዘፍጥረት ዘሎ ብዛዕባ ሄኖክ ዝገልጽ ሓጺር ታሪኽ ብምግናን ኣስፊሓ እትገልጽ ምዃና ንጹር ኢዩ። ኣፍቀርቲ ናይቲ መንፈስ ዝነፈሶ ቓል ኣምላኽ እዚ ነጥብታት እዚ ጥራይ ንኽነጽግዋ እኹል መርትዖ ይዀኖም ኢዩ።
ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ: መጽሓፍ ይሁዳ ጥራይ ኢያ ነቲ ሄኖክ ከምዚ ዝስዕብ ብምባል እተነበዮ ትንቢት ሒዛ ዘላ:- “እነሆ: ጐይታ ንዅላቶም ኪፈርዶም ኢሉ ምስ አእላፋት ቅዱሳቱ መጺኡ አሎ: ነቶም ፍርሃት እግዚኣብሄር ዜብሎም ኵላቶም ድማ ብዛዕባ እቲ ዝገበርዎ ዅሉ እኩይ ግብርን ብዛዕባ እቲ ሓጥኣንን ገፋዕትን ብዛዕባኡ እተዛረብዎ ዘበለ ዅሉ ዘረባ ድርቅናን ኪቐጽዖም እዩ።” (ይሁዳ 14, 15) ብዙሓት ምሁራት እቲ ሄኖክ ብዛዕባ እቶም ፍርሃት ኣምላኽ ዘይብሎም ኣብ ግዜኡ ዝነበሩ ሰባት እተነበዮ ፍርዲ: ብቐጥታ ኻብ መጽሓፍ ሄኖክ ኢዩ ተጠቒሱ ይብሉ። ይሁዳ ኻብ ሓንቲ ሓቅነታ ዘይተረጋገጸ ትውክልቲ ዘይግበራ መጽሓፍ ክጠቅስ ይኽእል ድዩ፧
ይሁዳ ብዛዕባ እቲ ሄኖክ እተነበዮ ትንቢት ብኸመይ ከም ዝፈለጠ ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት ኣይተጠቕሰን። ካብ ትውክልቲ ዝግበሮ ጥንታዊ ምንጪ ይጠቅስ ነይሩ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ጳውሎስ: እቶም ንሙሴ እተቓወምዎ ብስም ዘይተጠቕሱ ዝነበሩ ጠንቈልቲ ፈርኦን እያኔስን እያምብሬስን ምዃኖም ክጠቅስ ከሎ ተመሳሳሊ ነገር ኢዩ ገይሩ። እቲ ንመጽሓፍ ሄኖክ ዝጸሓፈ ሰብ ናይ ጥንቲ ምንጪ ኽረክብ ዝኽእል እንተድኣ ነይሩ ዀይኑ: ይሁዳኸ ኣይረኸበን ኽንብልዶ ንኽእል፧a—ዘጸኣት 7:11, 22፣ 2 ጢሞቴዎስ 3:8
ይሁዳ ብዛዕባ እቲ ሄኖክ ነቶም ፍርሃት ኣምላኽ ዘይብሎም ሰባት እተዛረቦ ነገር ዝፈለጠሉ መገዲ ዓቢ ጕዳይ ኣይኰነን። ይሁዳ ብመንፈስ ኣምላኽ ተደሪኹ ስለ ዝጸሓፎ: ትውክልቲ ዝግበሮ ምዃኑ እተረጋገጸ ኢዩ። (2 ጢሞቴዎስ 3:16) ሓቅነት ዘይብሉ ነገር ኸይጠቅስ መጽሓፍ ቅዱስ ኣምላኽ ሓልይዎ ኢዩ።
[እግረ-ጽሑፍ]
a እስጢፋኖስ እቲ ወደ መዝሙር እውን ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት እብራይስጢ ዘይርከብ ሓበሬታ ሂቡ ኣሎ። እዚ ሓበሬታ እዚ ሙሴ ትምህርቲ ግብጻውያን ከም እተማህረ: ናብ ግብጺ ኽሃድም ከሎ ወዲ 40 ዓመት ከም ዝነበረ: ኣብ ሚድያን ን40 ዓመታት ከም ዝጸንሐ: ከምኡውን ንሕጊ ሙሴ ኣብ ምሃብ መልኣኽ ዝነበሮ ግደ ዝገልጽ ኢዩ።—ግብሪ ሃዋርያት 7:22, 23, 30, 38
[ኣብ ገጽ 31 ዘሎ ስእሊ]
ሄኖክ ብትብዓት መልእኽቲ የሆዋ ኣብጽሐ